ድለ

ሞዛምቢክ፡ ዳግማይ ምልዓል መጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ልኡካነ ወንጌል ክሃድሙ የገድዶም ሞዛምቢክ፡ ዳግማይ ምልዓል መጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ልኡካነ ወንጌል ክሃድሙ የገድዶም 

ሞዛምቢክ፡ ዳግማይ ምልዓል መጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ልኡካነ ወንጌል ክሃድሙ የገድዶም

ኣብ ሞዛምቢክ ሰሜናዊ ኣውራጃ ካቦ ደልጋዶ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝፍጸም ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ካህናት፡ መነኮሳትን መነኮሳንን ካልኦት ሰራሕተይናታት ቤተክርስትያንን ናብተን ድሮ ብውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ ዘዕለቕልቓ ዘለዋ ከተማታት ክስደዱ ይግደዱ ምህላዎም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ምውፋር ዕጡቓት ሓይልታት ምክልኻል ሞዛምቢክን ሓይልታት ማሕበረሰብ ልምዓት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተራእየ ተዛማዲ ህድኣት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብእስላማዊ መንግስቲ (ዳዕሽ) ዝምራሕ ናዕቢ ኣብ ኣውራጃ ካቦ ደልጋዶ ሞዛምቢክ ዳግማይ ይረአ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ 2024 ዓ.ም. ኣትሒዙ እቲ ካብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እታ ሃገር ዝተበገሰ ናዕቢ ናብ ጎረባብቲ ዞባታት ይተታተው ምህላው ዜና ቫቲካን ካብ ሞዛምቢክ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ’ ምንጭታት እቲ ከባቢ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ (ACN) ከምዝሓበርዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካህናት፡ መነኮሳትን መነኮሳንን ካልኦት ሰራሕተይናታት ቤተክርስትያንን ናብተን ድሮ ብውሽጢ ሃገር ብተመዛበልቲ ኣዕለቕሊቐን ናብ ዘለዋ ከተማታት ክሃድሙ የገድድ ምህላዉ የረጋግጽ።

ኣብ ልዕሊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጸም መጥቓዕቲ

ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ሃገረ ስብከት ፐምባ ዝርከብ ኣብ ከተማ ማዘዘ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ተልእኾ ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ ብባርዕ ሓዊ ከም ዝዓነወን ከምቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ናይታ ሰበኻ ካህን ምስ ናይ በይራ ሰበኻ ፓክስ እተሰምየ መደብር ረድዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቲ ኣብ ሙዳየ ቁርባን ዝነበረ ስጋሁ ወድሙ ጥራሕ ከምዘድሓኑን ካልእ ኩሉ ቅዱሳት ንዋያት ከም ዝዓነወ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ኣቢያተ ክርስትያናትን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ሓያሎ ዓድታት እታ ኣውራጃ ኣሸበርቲ ኣባይትን ኣብያተ ክርስትያናትን ከምዘዕነዉን ብመሰረት ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ እቶም ዕጡቓት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ኣድልዎ ዝገብሩ እኳ እንተዘይመሰሉ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ማሕበረሰብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽሙን – ንሰባት ብሃይማኖት ፈላልዮም ንክርስትያን ዝቐተሉሉ እዋን እውን ብተደጋጋሚ ዝርአ ምዃኑ ይንገር።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዜጋታት ይመዛበሉ

ኣብ ሞዛምቢክ ዘጋጠመ ግጭት ህይወት ልዕሊ 4000 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ብመሰረት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከም እተመዛበሉን - ሰለስተ ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ - ካብ ገጠራት ናብተን ብተቐማጦ ዘዕለቕለቓ ከተማታት ከም እተሰዱን፡ ሓደ ካህን ንኤሲኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሉ ይስደድ ከም ዘሎ ይሕብር።

ደገፍ ቤተ ክርስቲያን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሞዛምቢክ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ክትድግፍ ዝጸንሐት ኮይና፡ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክትሕግዝ እውን ትጽዕር ኣላ። ንዛቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግደስ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ኣብ ሞዛምቢክ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ፡ ንግዳያት ግብረሽበራ ዝኸውን ንኹሎም ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌል ዜጋታትን ሓዊሱ ንዕለታዊ መነባብሮኦም ዝኸውን ንዋታዊ ሓገዝ እውን ዘቕርብ ኮይኑ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዳግማይ ዝቕልቀል ዘሎ ቅልውላው ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 18 ለካቲት ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓሳቦም ገይሮም፥ “ምእንቲ ሰላም ኣብ ሞዛምቢክ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ 2023 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ምንካይ

ኣብ 2023 ዓ. ም. ኣብ ሰሜን ሞዛምቢክ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ይንክይ ከም ዝነበረን ብዙሓት ሰላም ክምለስ ተስፋ ገይሮም ከም ዝጸንሑን ብመሰረት ሰራዊት ሞዛምቢክ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ 90% መሬት ካቦ ደልጋዶ ጸጥታ ዳግማይ ከም እተመልሰን ሓያሎ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ግና እቲ ህዱእ ዝመስል ኩነት እቶም ጅሃዳውያን፡ ኣደዳ መጥቓዕቲ ከይኮኑ ዝፈጸመዎ ናይ ምዝላቕ ሜላ ዘርከቦ ምዃኑን ዳግማይ መጥቃዕቲ እውን ከውርዱ ከም ዝጀመሩን ክሕብራ እንከልዋ፡ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፥ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝሃብውዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ፥ ንሰላማውያን ሰባት፡ ህይወቶምን ንብረቶምን ከድሕኑ ግብሪ ክኸፍሉ ከም ዝገብሩን፡ ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ድማ ዓርቢ ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ንጸሎት ክእከቡ ከም ዝሓቱን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ዘይርጉጽነት እዚ እናሃለወ፡ ፈረንሳዊ ኩባንያ ነዳዲ ቶታል ጸዓት፡ ካብ ርእሰ ብሔር ሞዛምቢክ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ተቛሪጹ ዝነበረ 20 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ፋብሪካ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣብቲ ዞባ ዳግማይ ንምህናጽ ይሓስብ ከምዘሎ ከፍልጥ እንከሎ፡ ነቲ ውጥን ዳግማይ ንምጅማር ውሑስ ምዃኑ ናይቲ ትካል ኣቦ መንበር ፊሊፐ ንዩሲ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ የመላኽት።

21 February 2024, 16:16