ድለ

ጳጳሳት ኣየርላንድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምምሕያሽ ቅዋም ስክፍታ ኣለዎም ጳጳሳት ኣየርላንድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምምሕያሽ ቅዋም ስክፍታ ኣለዎም 

ጳጳሳት ኣየርላንድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምምሕያሽ ቅዋም ስክፍታ ኣለዎም

ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ስድራቤትን ክንክንን ዝምልከት ኣብ ኣየርላንድ ዛዕባ ክካየድ ዝኾነ ሕዝባዊ ውሳኔ ርእይቶኦም ዝሃቡ ጳጳሳት እታ ሃገር፥ እቲ ናይ መመሓየሺ ቅዋም ውሳኔ ነቲ ኣብ መንጎ ሓዳርን ስድራቤትን ዘሎ ርክብ “ፍሉይ” ኣገዳስነት ከም ዘጉድል ኣተሓሳሲቦም ከምኡ’ውን ተራ ኣዴታት ኣብ ቅዋም ክቕጽል ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህዝቢ ኣየርላንድ ዓርቢ ዕለት 8 መጋቢት ንኣገላልጻ ቅዋም ኣየርላንድ ብዛዕባ ስድራቤትን ክንክንን ንምቕያር ኣብ ዝብል ውሳኔ ድምጺ ክህብ እዩ፡

ኣብ ዓንቀጽ 41 ዝተገበር ምምሕያሻት

ዜጋታት ኣየርላንድ ኣብቲ ንስድራቤት "ኣብ ሓዳር ዝተመስረተ" ኢሉ ዝገልጽ ዓንቀጽ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝብል መንግስቲ ዘቕረቦ መመሓየሺ ውሳኔ ድምጺ ክህብሉ ከም ዝኾኑን፡ እዚ እውን "ካልኦት ነባሪ ዝምድናታት" ንምትእትታው ዝሓቀነ ከም ዝኾነን እቲ ሓደ ካብቲ ውሳኔ ህዝቢ ዝግበረሉ ንዓንቀጽ 41.2 ቅዋም ኣየርላንድ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ስድራ ቤት ብዘለዋ ግደ ንመንግስቲ ትድግፍ፡ እንተዘይኮይኑ ናይ ሓባር ረብሓ ክረጋገጽ ስለዘይክእል "መንግስቲ ኣዴታት ብቑጠባዊ ኣድላይነት ከይግደዳ ክጽዕር ከም ዘለዎ፡ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣየርላንድ ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐርበ ናይ ምምሕያሽ ንድፊ ሕጊ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ብፍላይ ድማ እቲ መመሓየሺ ቅዋም “ንዅሉ መወከሲታት ኣደነት ናይ ምድምሳስ” ውጽኢት ክህልዎ እዩ እንክብሉ ጓሂሆም ይገልጹ።

ፍሉይነት ሓዳር

ብዛዕባ ስድራ ቤት ቀዳማይ መመሓየሺ ብዝምልከት እቶም ጳጳሳት፡ እቲ ዝቐረበ ሓድሽ ጽሑፍ “ብዓይኒ ሕብረተሰብን መንግስትን ኣብ መንጎ ሓዳርን ስድራቤትን ዘሎ ርክብ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘጉድልን ንመንእሰያት ናብ ሓደር ምምስራት ዝገብርዎ ድርኺት ድኽመት ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፥

“‘ሓዳር’ ህዝባውን ሕጋውን ተወፋይነት ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎ፡ ‘ነባሪ ዝምድና’ ዝብል ቃል ግን ብሕጋዊ ዘይርጉጽነት ዝተሸፈነን ንሰፊሕ ትርጉም ክፉትን’ዩ” ክብሉ ኣስተብሂሎም።

“ተወፋይነት ሓዳር ብፍሉይ መንገዲ፡ ኣብ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ምርግጋእ ብምምጻእ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ከም ዝገብር፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓለዋ መንግስቲ ከም ዝግብኦ ንኣምን፡ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅዋም ኣየርላንድ ውሕስነት ኣለዎ።”

ብዛዕባ’ቲ ንዓንቀጽ 41.2 ምድምሳስን ሓድሽ ዓንቀጽ 42B ምምሕያሽ ክንክን ዝብል፡ እቲ መግለጺ፡ ቅዋም ኣየርላንድ “ድሮ’ውን ንምርጫ ናይተን ብፍላይ ንጠለባት ስድራቤትን ዘቤትን ክከናኸና ዝደልያ ኣዴታት ኣፍልጦ ይህብ ንዝብል መሰረታዊ ክብሪ ዝሓኽኽ ምዃኑ ጳጳሳት ኣየርላንድ ኣብ መልእኽቶም ይገልጹ።

ቅዋም ኣየርላንድ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕ ዝኽልክል ኣይኮነን

እቶም ጳጳሳት ‘ቤት’ ዝብል ቃል ካብቲ ዓንቀጽ ምእላይ ስክፍታኦም ይገልጹ። “ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ሕጂ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ዘቤታዊ ህይወት፡ እንኮላይ ኣብ ገዛ ዝግበር ክንክን ሓዊሱ ጽቡቕ ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዘሎ” ብምጥቃስ፡ "ነቲ ሕጂ ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ዘቤታውን ዘሎ ኣፍልጦ ኣብ ክንዲ ምእላይ መንግስቲ ነቲ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዚግበረሎም ክንክን ኣፍልጦ ምሃብ ዝሓሸን ምስዚ ግዜና ዘሎ ማሕበራዊ ስርዓታት ዚሰማማዕን እዩ" ኢሎም ሓሳብ ይህቡ።

“ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ካብ ገዛ ወጻኢ ዝግበር ክንክን ኣብ ሕመረት ርህራሄ ዝቖመ እዩ” ቢሎም ክሳብ ሕጂ “መንግስቲ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቶ ክፍሊት ኣፍልጦ ክህብ ኣይከኣለን፤ ሕጂ’ውን እኹል ቁጠባዊ ደሞዝ ኣለይቲ ዝምልከት ድንጋገ ክህሉ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት የለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግደ ኣዴታት ዝምልከት ኣብ ሕገ መንግስቲ ተኸቢሩ ክቕጽል ኣለዎ

ብመሰረት እቶም ጳጳሳት ኣየርላንድ፡ እቲ ዝቐረበ እማመ “ኣብ ቅዋም ዘሎ ኩሉ መወከሲ ኣደነት ምድምሳስን ነቲ ኣብ ቤት ዝርከባ ኣዴታት ኣብ ኣየርላንድ ዝገበርኦን ዝቕጽሎኦን ዘለዋን ፍሉይን ዘይግመትን ሕብረተሰባዊ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ከይወሃቦን” ዝብል ውጽኢት ክህልዎ እዩ።

"እዚ ሕጂ ዘሎ ቅዋማዊ ኣገላልጻ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕ ወይ ኣብ ማሕበራውን ህዝባውን ህይወት ግቡእ ቦታአን ከይሕዛ ዝዓግት ኣይኮነን" ቢሎም፥ “ግን ነቲ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ብተፈጥሮ ዝፍጠር ተመላላእን ፍሉይን ባህርያት የኽብር እዩ።” ኣብ መደምደምታ ጳጳሳት ኣየርላንድ እምበኣር “ኣብ ቅዋምና ግደ ኣዴታት ክቕጽል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 February 2024, 16:22