ድለ

TOPSHOT-HAITI-POLITICS-UNREST-DEMONSTRATION TOPSHOT-HAITI-POLITICS-UNREST-DEMONSTRATION  (AFP or licensors)

ናይ ሀይቲ ኣቡነ ዱማስ ፦ ቤተ ክርስትያንን ሕዝብን ብጭውያን ቅትለትን ደኺሞም እዮም

ብፁዕ ኣቡነ ፒየር-ኣንድሬ ዱማስ ናይ ኣንሰ-ኣ-ቬው-ሚራጎን ጳጳስን ምክትል ኣቦ መንበር ናይ ሃይቲ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳስትን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት፣ ነቲ ኣብ ሃገር ካሪብያን ዘጋጠም ዘሎ ዘየቋርጽ ዓመጻ ኣመልኪቶም፣ ሰበ-ስልጣን ንጥቕሚ እታ ሃገር ክብሉ ብጥበብ ጣልቃ ኽኣትው ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ሓንቲ ቤተሰብ ናይ ሓንቲ ሓለቓ ማሕበር ዝኾነት ካብ ኣሓት ደናግል ብዘይ ዝኾነ ኣሰር ጠፊኣ ።  እታ ተጨውያ ዘላ ሰብ ኸምተን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሃይቲ ዝዀነት ፖርት ኦ ፕራንስ ንሽዱሽተ ኣሓት ደናግል ቅድስቲ ሃና ዘጋጠመን ጭውያ እዩ ዝነበረ፣ ንሳተን ግና ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት ካብቲ ተታሒዘናሉ ዝነበራ ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ ተፈቲሐን ይርከባ ።

እዚ ኣብ ሃገረ ሃይቲ ዘጋትም ዘሎ ዝርዝር ቅትለትን ጭውያን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፣ ብፁዓን ጳጳሳት እታ ሃገር ተስፋ ከይቆረጹ ይቃለሱ አለዉ ። ጉባኤ ብጹዓን ጳጳስት ሃይቲ ኣብዚ እዋን እዚ "ብስም ኣምላኽ” እንክብሉ፣ “ሰበ-ስልጣን ንስቓይ ህዝቢ ሃይቲ መወዳእታ ክግበረሉ ንምሕጸኖም ኣሎና" ብምባል ስብምዕታ ኣቕሪቦም ።

ወላ እኳ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦም እንተ መሰለ፣ ጻዕርታቶም ግን በቲ ንህዝቦም ዘለዎም ፍቕርን ኣብ ጐይታ ዘለዎም እምንቶን ሓይሊ ድርኺት ኮይኑ አሎ ።

እዞም ዓሰርተ ብፁዓን ጳጳስት ሃገረ ሃይቲ ነቶም ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣን "ክበድን ርዝነትን ናይ እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኬስተውዕሉን ንረብሓ እታ መሰረታ ኣብ ኸቢድ ስግኣት ወዲቁ ዘሎ ሃገሮም ብጥበብ እተገብረ ውሳኔታ ክወስዱ" ብምምሕጻን "ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እተፈጸመ መጠኑ ዝሓለፈ ቅትለትን ዐመጻን ጭውያ የጋትም አሎ" ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ ።

ስግኣታት ውግእ ሓድሕድ

ኣቡነ ፒየር-ኣንድሬ ዱማስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ዘለዎም ግደ መንፈሳዊ ጓሳ ናይ ከተማ ኣንሰ-ኣ-ቮ-ሚራጎን ውን ኢዮም፣ እተን ኣቐዲመን ዝተጨውያ ሽዱሽተ ኣሓት ደናግል ውን ካብ ሰበኻኦም ኢየን ዝነበራ። ነተን ተጨውየን ዝነበራ ኣሓት ደናልግል ንምድሓን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነታት፣ ገዛእ ርእሶም አብ ክንድኣን ንምውፋይ ውን ስንድው ክሳብ ምንባሮም ውን ገሊጾም ኢዮም ።

ብፁዕ ኣቡነ ዱማስ ኣብቲ ምስ ፈደሪኮ ፒያና ናይ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና ዝገብርዎ ቓለ-መሕትት እዚ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሥርዓት ኣልባ ዝኾኑ ሰባት ዘጋጥም ዘሎ ግጭታት ናብ ውግእ ሓድሕድ ክቕየር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፣ ጐንጐኑ ድማ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ምእንቲ ኸወግድ ብእተኻእሎ መጠን ቀልጢፉ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሓት ከካይድ ተማሕጸንዎ ።

"ድሕሪ እቲ ውድቀት ውልቀ-ምልካዊ ሥርዓት ብ7 ሓምለ ኣብ እተገብረ ፖለቲካዊ ውዕላት፣ ንልደት ደሞክራስያዊ ሥርዓት ዝኸውን ኵነታት እትፈጥረሉ ሓድሽ ጅማሬን ግቡእ ዕለትን ክትከውን ከም ዝኽእል ንኣምን ነበርና፣ እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይነበረን" እንክብሉ ዘለዎም ስግኣታት ኣመልከቱ ።

ሰላማዊ ፍታሕ ከም ዘድሊ

ኣቡነ ዱማስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሕዝቢ ሃይቲ "ብሞትን ድኽነትን ስለ ዝተዳኸሙ" ናዕብን ሕንፍሽፍሽን ኣንጠልጢሉ ኸም ዘሎ ስለ ዝተራእዮም፣ እዞም ሕዝቢ ነዚ ኺጻወርዎ ኸም ዘይክእሉ ኣጠንቀቑ ።

ምስ ጉባኤ ጳጳሳት ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ምዃና ድማ ኣጕልሑ፣ ዕላማ ቤተ-ክርስትያን ግና "ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ክርከብ ከም ዘለዎ ንምርዳእ ኢዩ" ድማ በሉ።

ኣቡነ ዱማስ ማሕበረሰብ ሃይቲ ብራዕዲ ይዓኑን ይለምስን ከም ዘሎ ብምርኣዮም ጓሂኦም ገለጹ።

"ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻ ኣብያተ-ትምህርቲ ስለ እተዓጽዉ፣ ተማሃሮ መጽናዕቶም ካብ ዜቋርጹ ኣርባዕተ ሰሙን ሓሊፉ ኣሎ" ብምባል ሓዘኖም ገለጹ።

ብፁዕነቶም ከም ዝገልጽዎ እታ ቤተ-ክርስትያን ናብ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር "ብጥበብ ተመሪሖም ብትብዓት ዝመልኦ ተግባራት" ንኽዓዩ ዘቕረበቶ ጻውዒት ምንባሩ ውን ዘከሩ ።

መገዲ ሰላምን ሓርነትን

ብፁዕ ኣቡነ ዱማ ንዘመነ ዓቢይ ጾም ናብ እሙናን ኣብ ዝጸሓፎዎ መልእኽቲ፣ ካብ ሰላምን ሕውነታዊ ፍቕርን እተረኽበ "ጕዕዞ ናብ ሓቅይና ሓርነት " ዝብል ምሕጽንታ ኣመሓላለፉ።

"በቲ ተንስኡ ንኺድ፣ ዚብለና መንፈስ ኢየሱስ ክንምራሕ ይግብኣና" ክብሉ ውን ኣተባብዕዎም፣ ስለዚ ድማ ከምቲ "ኤልያስን ሙሴን እያሱን ዮናስን ነቶም ህዝቢ ኼበራብርዎምን፣ ካብ መንፈሳዊ መልመስቶም ከውጽእዎምን፣ ከምቲ ኣምላኽ ዚደልዮም ኮይኖም ንኽርከቡ ንኸበራብርዎም እተጓዕዙ" ንሕና ውን ንኣዓቶም ክንመስል ንፈትን ክብሉ ኣተባብዕዎም።

14 February 2024, 17:24