ድለ

ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ዱማስ ብነታጒ ዝወረዶም መቈሰልቲ ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ዱማስ ብነታጒ ዝወረዶም መቈሰልቲ 

ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ዱማስ ብነታጒ ዝወረዶም መቈሰልቲ

ናይ ሃይቲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኣንሰ-ኣ-ቬዮ-ሚራጎኣነ ጳጳስ ፒየር ኣንድረ ዱማስ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝቕጽል ዘሎ መላእ ህዝብን ሃገር ብብርቱዕ ዘሳቕይ ዘሎ ዘይሕለል ዓመጽ ዝነቐፉ ብነታጒ ድሕሪ ዘጋጠሞም ሓደጋ መቑሰልቲ ኩነታት ጥዕናኦም ዘስግእ ከም ዘይኮነ ናይ ሃይቲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቡን ሰበኻ ኣንሰ-ኣ-ቫው-ሚራጎን ምክትል ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሃይቲ ርእሲ ኸተማ ናይታ ሃገር ፖርት ኦ ፕራንስ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝተኣንገድሉ ቤት ዕለት 18 ለካቲት  ብነታጒ ከም እተሃሳዩ ናይ ሃይቲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ከፍልጥ እንከሎ፥ ብመሰረት ምኽትል ቀዋሚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሃይቲ ኣባ ዣን ሮድነይ ብሬቪል ዝተኸተመ ካብ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሃይቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፥ “ጥዕና ኣቡነ ዱማስ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት” ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ መንጎ ፖርት-ኦ-ፕሪንስን ሚረባላይስን ተጓዓዝቲ ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ንእሽቶ ኣውቶቡስ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም እተቐትሉ የዘካኽር።

ኣብ ዘይውዳእ ዓመጽ ዘላ ሃይቲ

ሃይቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብዝተፈላለዩ ጕጅለታት ንዝተፈላለዩ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ብዘውርድዎ መዓት እብ ስቓይ ከም ዘላን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም.  ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ዘይተራእየ ብዝሒ ብጠቕላላ 1,108 ሰባት ኣደዳ ሞት ማህሰይትን ጭውያን ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ዓበይቲ ከተማታት ሃይቲ፡ ግዝያዊ መራሔ መግንስቲ ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ብተቓወምቲ ዝምራሕ ተቓውሞታት ዝያዳ ናዕቢ የጋጥመን ከም ዘሎ ይንገር።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምዕባለታት

ስርዓተ ፍትሒ ሃይቲ ኣብ ቅትለት ነበር ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይሰ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ክሲ በዓልቲ ቤት እቶም ዝተቐትሉ መራሔ መግንስቲ ማርቲን ሞይስ፡ መራሔ መግንስቲ ነበር ክላውድ ጆሴፍን ነበር ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ሃይቲ ሊዮን ቻርለስን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣብ ልዕሊ ኣስታት ሓምሳ ሰባት ክሲ ከም ዘቅረበን ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይሰ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ገዝኦም እንከለዉ ብኮሎምብያውያን ዕሱባት ከም እተቀትሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

22 February 2024, 15:07