ድለ

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ናይጀርያ ዝተፈጸመ ህልቂት የጉልሑNIGERIA-SECURITY/ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ናይጀርያ ዝተፈጸመ ህልቂት የጉልሑNIGERIA-SECURITY/ 

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ናይጀርያ ዝተፈጸመ ህልቂት የጉልሑ

ኣቡናት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ናይጀርያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዝዅንን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጸኦ ውሳኔ ሓንጐፋይ ቢሉ ብምቕባል፡ እንተ ኾነ ግና እቲ ውሳኔ ጠንቂ ናይቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ሃይማኖታዊ ጉዳይ ምዃኑ ብዘይምሕባሩ ቅረታኦም የስምዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ ናይጀርያ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ዘጋጥሞም ዘሎ ስደት  ዘሕድረሎም ዘሎ ከቢድ ስክፍታ ደጊሞም ብምግላጽ፡ ትካላት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዝፍጸም እስላማዊ ግብረ ሽበራ በሊሕ መልሲ ክህበሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘጽደቖ ህጹጽ ውሳኔ፡ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ልደት ብፉላኒ እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ልዕሊ 160 ዓድታት ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ግዝኣት ፕላቶ ኣብ ዝርከባ ከባቢታ ቦኮስ፡ ባርኪን ላዲን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንኑ።

ውሳነ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ በዓለ ልደት

በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝተቓጸላን፡ ብውሕዱ 200 ኣባላት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 300 ድማ ማህሰይቲ ከም ዘወረዶም፡ ሓያሎ ድማ ብዘይ ኣባይቲ ከምዝ ተረፉን እቲ ዓመጽ ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት ንምዝብልና ከም ዝዳረገ ዝዝከር ኮይኑ ኣብቲ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ብቐንዱ ክርስትያን ሓረስቶትን ኣስላም ጓሶት ፉላኒን ኣብ ዝፍጠር ግጭት፡ “ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ሕጽረት ጸጋታት፡ ከምኡ’ውን ምጥፋእ ውጽኢታዊ ዝኾነ ውጥን ሽምግልና” ግደ ከምዘለዉ የጉልሑ።

ብኣኽረርቲ ፉላኒ ዝተወደበ እስላማዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ነቲ ናይ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ውሳነ ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ እቲ ጽሑፍ ነቲ ሃይማኖታዊ ሸነኽ ናይቲ ፍጻመ፡ ከምኡ እውን ግብረሽበራዊ ባህርያቱ ከም ዝነከዮ ገሊጾም፡ ነቲ ናይ ናይጀርያ ጳጳሳት፥ “እቲ ቀጻሊ ዕንወት ብዕጡቓት ጓሶት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና፡ ዝፍጸም ሸበራዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ደጊም ኣብ መንጎ ጓሶትን ሓረስቶትን ዝፍጸም ከም ተራ ግጭት ገይርካ ክውሰድ የብሉን” እንታይ ደኣ “ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ” ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ዝበለዎ ሓሳብ የቃልሑ።

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሕብረት ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሪየቶ፡ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውሳኔ “ኣከባብያውን ቁጠባውን ጸቕጢ ብዛዕባ ጨካንነት ናይቲ ብፉላኒ እስላማውያን ኣሸበርቲ ዝፍጸምዎ መጥቃዕቲ ዝተዋደደን ስርዓታውን ኣገባቡን ዝሕብር መገልጺ ዝሓዘ ኣይኮነን ” ክብሉ ኣቃሊሖም። ብርግጽ ኣብ ዋዜማ ልደት 2023 ዓ.ም. ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተነጺሉ ዝረአይ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ካብ እስላማዊ ግብረሽበራ ክሳብ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝበጽሕ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት፡ ብፍላይ ኣብ ናይጀርያ ክርስትያን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ይገልጹ።

ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም. ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እስላማዊ ግብረ ሽበራ ፉላኒ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝቐተለ፡ ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣባይትን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ኣባይቲ ከም ዘዕነወ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ሓደ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ሃገረ ስብከት ካፋንቻን ብዝተፈጸመ ጽዩፍ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብሓዊ ተቓጺሉ ከም ዝሞተን። ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ቤኑዌ ልዕሊ 2 ሚልዮን ክርስትያን ብሰንኪ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ኣብ ዘውጸእዎ መግለጺ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ገበነይናታት ስጉምቲ ዘይምሳድ ዝርአ ዘሎ ዝንባለ

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ድሮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዓ.ም. “ካብ 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 6000 ክርስትያን ብጅሃዳውያን ጉጅለታት ከም እተቐትሉን ብሰንኪ እቲ ብዕጡቓት ፉላኒ ዝካየድ ‘መሬትካ ወይ ደምካ’ ዝብል ሽበራዊ ኣመለኻኽታ ሃለዋቶም ከም ዝይተረኽበ” ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ጅሃዳውያን ሓዊሱ ገበነይናታት ሳሕቲ ስለዝኽሰሱን ስለዝውገዙን ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ዝኾኑ እዩ ዝመስል። ብመሰረት ኣባ ባሪዮስ ፕሪየቶ፡ “ድሕሪ ሕጂ እዚ ኩሉ ገበናት ተሓታትነት ዘይብሉ ኮይኑ ክቕጽል ክጽወር ዘይብሉን፡ መንግስቲ ናይጀርያ በቲ ዝተወደበ ኣገባብ ብዝፍጸም ሽበራ ዝስደዱ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓዊሱ ንዜጋታቱ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ የመላኽት።

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ በሊሕ ስጉምትታት የድሊ

ስለዚ እቲ መግለጺ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ፥ ሕብረት ኤውሮጳ “ሓለዋ ኩሎም ዜጋታት ናይጀርያ ንምርግጋጽ ምስ ሕግታቱ ዝሰማማዕ ድልዱል ስጉምትታት ክወስድን ዝሕድስ መስመራት ክጥቀምን ብህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡” ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ንናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት ፍሉይ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳን እውን ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ፥ ድሮ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ናይጀርያ ካብ 2020 ዓ.ም. እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስደት ክርስትያን ደው ከብል ጸውዒት ኣቕርቡ ከም ዝነበረ እውን ብምዝኽኻር። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2023 ዓ.ም. ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሶኮቶ ጳጳስ ማቴዎስ ሓሰን ኩካህ ተቐቢሉ፣ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራትን ናይ ዘተ ኣኼባ ኣሰናዲዩ ብዛዕባ ኩነታት ናይጀሪያ ሰፊሕ መብርሂ ክህቡ ከም ዝገበረ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲክን፥

ኣብ ናይጀርያ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንሽበራን ሓፈሻዊ ዘይውሕስነትን ተቓላዒ

ንዓመታት ካብ እስላማዊ ግብረሽበራ ክሳብ ዝተወደቡ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍነው ጸጥታዊ ብድሆታት ዝገጠማ ዘሎ ናይጀርያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኦፐን ዶር ዝተሰምየ ኣብ መላእ ዓለም ንዝስደዱ ክርስትያንን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝድግፍ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ትካል ኣብ ልዕሊ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ዝወርድ መጥቓዕቲ ሰፊሕ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኩሎም ብሰንኪ እምነቶም ዝተቐትሉ ጠቕላላ ክርስትያ እቲ 90 ሚእታዊ ኣብ ናይጀሪያ ዝፍጸም ዝሽፍን ምዃኑ ሓቢሩ፡ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 14 ናይጀርያውያን ክርስትያን ከም ዝቕተሉን ሓደ ካብቲ ንክርስትያን ዘጋጥሞም ዘሎ ዓበይቲ ስግኣታት ጸጥታ እቲ ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሩ ንናይጀርያ ከዕንዎ ዘንቀለ እስላማዊ ሓይሊ ግብረ ሽበራ ቦኮ ሓራም ዝፈለሞ ኮይኑ እዞም ኣሸበርቲ ትምህርቲ ምዕራባውያን ከም ምልክት ብልሽውናን ግብረ ገባዊ ዕንወትን ገይሮም ብምርኣይ ብትሪ ይቃወምዎ።

መዓት ጭውያ

መዓት ምጭዋይ እውን ንቤተ ክርስቲያን ስፍሕ ዝበለ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን። ካህናትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ብቐጻሊ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም ዝጭወዩን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ክልተ ክላረቲያውያን (ሚስዮናውያን ንጽህቲ ልቢ ማርያም) ኣብ ግዝኣት ፕላቶ ብገለ ዕጡቓት ሰባት ዝተፈጸመ ጭውያ ዝጥቀስ ኮይኑ እዞም ክልተ ልኡካነ ወንጌል እውን ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ናጻ ከም እተለቁ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ናይጀሪያ ጠቒሱ የዘኻኽር።

13 February 2024, 16:43