ድለ

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ቤተክርስትያን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰላም ክህሉ ትጽሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ቤተክርስትያን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰላም ክህሉ ትጽሊ  (AFP or licensors)

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ቤተክርስትያን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰላም ክህሉ ትጽሊ

ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ ኣብ ዝባርዓሉ ዘሎ እዋን፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ኣብቲ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝዓነወ ከባቢታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ እቲ ብኤም - 23 ዝጽዋዕ ዓመጽያን ሓልታት ዝፍጽምዎ ዓመጽን ቅትለትን ደው ክብል ምእንቲ ሰላም ክጽለይ ይሓትቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብቲ ቀታሊ ናዕቢ ዝተወልደሉ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ክነግስ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ከም ዝኾኑን ኣብታ ሃገር ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተወሃበ መግለጺ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣስታት 6 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ብኢድ ዓመጽትን ግብረሽበራውያንን ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ ገና መዕለቢ ብዘይረኸበ ዓመጽ ከም እተቐትሉ ኣመላኺቱ፥ እቲ ናዕቢ ከብቅዕ ኣብታ ሃገር ሰላም ምእንቲ ክወርድ ካብ ዕለት 18 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላም ብዝካየድ መደብ ጸሎት ክዛዘም እዩ።

እዚ ተበግሶ ብናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝተወሰነ ኮይኑ እዚ እውን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ዘረጋግጽ ምዃኑ ይሕብር።

ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ሊቀ ጳጳስ ኪንሻሳ ቀዳም ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘኮንጎ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ምስ ምመናን ሓቢሮም ክጽልዩን ንኹሎም እቶም “ግዳያት ግፍዒ” ዝኾኑን “ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ህይወት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዘፈ ዘይውሕስነት ንዝተሳቐዩን ኮንጎውያን መጸናንዒ ቃል ክልግሱ እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ሓደገይና ኵነታት ጎማ

ኣብ ከባቢ ዞባ ሰሜናዊ ኪቩ ርእሰ ከተማ ጎማ እቲ መጋቢት 23 ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዘሳተፈ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ቀታልን ኣዕናውን ግጭት ከም ዝካየድን ጎማ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳ እትርከብ ከተማ ኮይና ምስታ ኣብቲ ዶብ እትርከብ ጊሰኒ እተሰምየት ሩዋንዳዊት ከተማ ዶብ ሰገር ንግዳዊ ርክባት ምህላዉን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ ነቲ ብኤም 23 ዝፍለጥ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ይድግፍ እዩ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ዘቕርብ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሩዋንዳ መልሲ ሂባትሉ እውን ከም ዘይትፈልጥን ናይ ከተማ ጎማ ጳጳስ ዊልይ ንጉምቢ ንገንገለ ዊሊ - "ድሕሪ እቲ ብኤም - 23 ዝጽዋዕ ኣብታ ከተማ ዝፍጽሞ መጥቓዕቲ ንምምካት ኣብቲ ዞባ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱ እውን ብምዃኑ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝረኣየላ ከተማ ምዃኑ ገሊጾም "እዚ ስንኩፍ ኰታት እቲ ዞባ እንተድኣ ብጥንቃቔ እንተዘይሒዝናዮ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን እዋንን ናብ ዝኸፈአ መላእ ሃገር ዘጠቓልል ሓድሕዳዊ ግጭት ክፍጀር ከም ዝኽል ሓቢሮም፥ እዚ ከይከውን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝሓስብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣካይዳ ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደጋ ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣስታት ክልተ ሚልዮን ተቐማጦ ዘለዋ ከተማ ጎማ፡ ብሰንኪ ናይ ዓመታት ግጭት ኣስታት 850 ሽሕ ሰባት ከም ኣተመዛበሉን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መብዛሕቲኦም ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ መንግስቲ ኣብ ዘቖሞ 7 መዓስከራት ዑቕባ ከም ዝረኸቡ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጳጳስ ንጉምቢ፡ እቶም ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር "ጅሆ ኲናት ኤም - 23 እያቶም” ቢሎም፡ እቲ ምንቅስቓ ኤም - 23 ብሩዋንዳ ዝድገፍ ምዃኑ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝሃብዎ ሓያሎ ጸብጻባት ዝተሰነደ እዩ" ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ጎማ “ሰራዊት ኤም - 23 ናብታ ካብ ጎማ ንምዕራብ ሸነኽ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሳኬ ካብ ዝምርሽ ንደሓር ምሉእ ብምሉእ ኣብ መሓንቖ እያ ዘላ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ከተማ ሳኬ ስልታዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ መስቀላዊ መንገዲ ሰለስተ ዓበይቲ ቁጠባዊ መስመራት ምዃና ክንገር እንከሎ፡ ኤም - 23 ኣብቲ ኸባቢ ዝገበሮ ዘሎ ምንቅስቓስን ቦታታት ናይ ምሓዝ ዓቕሙን ንዋሕዚ ንግድ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣቡን ንጉምቢ "እዚ ስርሒት እዚ ኣብ ጎማ ጥሜት ዘተኣታቱን ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ክሳቐዩን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክወድቁን ነዚ ስዒቡ እውን ግዳያት ኪኾኑ ዝገብር እዩ” ኤም - 23 ንዅሉ መስመራት ቀረብ ክዓጽዎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ "ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ህዝቢ ብዘይ ገለ ሓገዝ ይሳቐ ኣሎ” ቢሎም ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣቃልቦ ክገብር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 February 2024, 16:29