ድለ

ኣውስትራልያዊ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ብ19 ጾታዊ ገበናት ተኸሲሶም ኣውስትራልያዊ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ብ19 ጾታዊ ገበናት ተኸሲሶም  (ANSA)

ኣውስትራልያዊ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ብ19 ጾታዊ ገበናት ተኸሲሶም

ድሕሪ ምእሳር ኣውስትራሊያዊ ልሂቅ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ስዒቡ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ነቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ “ቅኑዕን ግቡእን፡ ብሓቂ ድማ ኣድላዪን” እክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከብ ሰበኻ ብሩም ልሂቅ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ዕለት 21 ለካቲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምታዎም ንጽባሒቱ ማለት ዕለት 22 ለካቲት ብዋሕስ ከም እተፈትሑን ክሳብ ነቲ ጉዳይ ናይ ዘጻርይ ቤት ፍርዲ መስርሕ መርመራ ዝኽፈት ማለት ክሳብ ወርሒ ሰነ ካብታ ዝነብሩላ ከተማ ከይወጹን ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ውሳኔ ከም እተወሃቦም ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ጳጳስ ሳንደርስ ብኽልተ ገበናት ዓመጽ፡ 14 ዘይሕጋውን ዘይስነ-ምግባራውን መጥቃዕቲ ምፍጻም ከምኡውን ሰለስተ ሳዕ ንትሕቲ ዕድመ ብስልጣኑ ብዘይስነ-ምግባራዊ መገዲ ብምሓዝ ብዝብል ብጠቕላላ ብ 19 ጾታዊ ዓመጽ ገበናት ዝተኸሱ ምዃኖም የመላኽት።

ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳኣት ቲሞትይ ኮስተሎ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “እቲ ዝቐረበ ኽስታት ኣዝዩ ከቢድን ኣዝዩ ዘጨንቕን" እዩ ቢሎም፥ "ኵሉ ግዜ ብፍላይ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ገብን ዝቐርብ ክስታት ብዕምቈት ክምርመር ቅኑዕን ግቡእን ኣድላይን ኢዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ቤተ-ክርስትያን ምስ መርማሪ ፖሊስ ምሉእ ብምሉእ ክትተሓባበርን ንቕንዕናን ናጻን መርመራ ፖሊስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ እደ ኣታውነት ተግባራት ንምውጋድ ዘድሊ ስጉምቲ ክትወስድን እያ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ቀጻሊ መርመራ

እቲ ክሲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰበኻ ብሩም ልሂቅ ጳጳስ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝቐረበ ኮይኑ፡ ናይ መጀመርታ መርመራ ፖሊስ ብዘይ ክሲ ተዓጽዩ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመሰረት ድንጋገታት ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን፥ “ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምቅላስ ጾታዊ ዓመጽ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ዘጸቕዎ ሕጊ መሰረት፡ ሕገ ቀኖናዊ መርመራ ክግበር ወሲኖምን ነዚ ብምኽባር ናብ ዝምልከቶ በርገሳዊ ቤት ፍርዲ ክመሓላለፍ ኣለዎ ብዝል ውሳኔኦም መሰረት እቲ መርመራ ብሓላፍነት ናይቲ ሰበኻ ብሪዝበን ሊቀ-ጳጳሳት ማርክ ኮለሪጅ ዝተመርሐ ሓደ ናጻ ናይ መርማሪ ኣካል ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ምጽራይ መርመራ 200 ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ ከም ዘቕረበን።

እዚ ጸብጻብ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ሕጊ ከም ዝእዝዞ ንፖሊስ ኣውስትራልያ ምስተረከበ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ሶንደርስ መርመሪ ፖሊስ ሓድሽ መርመራ ከም ዝኸፈተን እቶም ጳጳስ ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ብውሳኔ ቅድስቲ መንበር ካብ ስልጣኖም ከም ዝተኣለዩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

23 February 2024, 17:03