ድለ

2024.02.12 L'orinazione del vescovo Etiope, Vescovo Teshome Fikire. Diocesi di Endibir.  2024.02.12 L'orinazione del vescovo Etiope, Vescovo Teshome Fikire. Diocesi di Endibir.  

ቅብዓተ ጵጵስና ክቡር አባ ተሾመ ፍቕሬ ተኻዪዱ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ካቶሊካዊት ኤጳርቅና እምድብር ክቡር ኣባ ተሾመ ፍቅሬ ተካኢ ጳጳስ ብምዃን ቅብዓተ ጵጵስና ተቐቢሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሊቀ-ጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን አብ ኢትዮጵያ በቲ ዕለት እቲ እንትተኻየደ ድሙቕ ሥርዓተ ቅብዓተ ጵጵስና መሪሖም፣ ከምኡ ውን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓውርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስት ኣንቷን ካሚሌሪ ፣ ብጹዕ ኣቡነ ሙሴ ጳጳስ ኤጳእቅና እምድብርን ፣ ካብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ እተረኽቡ ብፁዓን ጳጳሳት ፣ ብፁዓን ጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያን፣ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ሕብረት ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ኣንቶኒ ማኩንዴ ኣብቲ ሥነ ስርዓት ተረኺቦም ነይሮም።

ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ
ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ

ኣብቲ ዕለቲ እቲ ከም ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ዝተረኽቡ ድማ ናይ ምብራቕ ምዕራብን ጉራጌ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሊቀጳጵሳት ብፁዕ ኣቡነ መልከፄዲቅ፣ ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኣቦ መንበር ክቡር ዶክተር ቀሺ ዮናስ ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስተር ጉዳይት ወጻኢ ክቡር ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋውን ከምኡ ውን ካብ ምላእ ኢትዮጵያ ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናን ከም ዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና የመላኽት።

ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ
ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ

ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምልኽ፣ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ ከም ዝመዓዶ መሰረት ብምግባር፣ ብግዚኡን ብዘይግዚኡን ወንጌል ምስባኽን ምእዋጅን ሓደ ናይ ጳጳስ ተልእኾ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ምስ እዞም ሓድሽ ቅብዓተ ጵጵስና እተቐበሉ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፣ ነዝን ካልእ ብርክር ዝበሉ ሓላፍነታት ተልእኾ ሓዋርያነት ክዋጽኡ ምስኡም ሓቢሮም አብ ጐኖም ደው ከም ዝብሉን፣ ብጸሎቱም ከም ዝድግፍዎምን ቃል ኣተውሎም ።

ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ
ቅብዓተ ጵጵስና ብፁዕ አቡነ ሉቃስ

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝተሰናደወ ናይ ዕለቱ መርሓ ግብር ክቡር ኣባ ሃብቴ ናይ ኤጳርቅና እምድብር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሙሴ ኣብቲ ኤጳርቅና ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ንዘካየድዎ ሓውርያዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቶም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም ። ከምኡ ውን ንተቕባል ተኻኢ ጳጳስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ንኤጳእቅናኦም ወኪሎም ውን መደረ ኣስሚዖም። ኣብቲ ዕለት ዝተረኽቡ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ውን ናይ ሓጐስን ኣክብሮትን መልእኽቶም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ ።

13 February 2024, 15:31