ድለ

2024.02.15 Opening ceremony of the Center for Ethics at the Isaac Abarbanel University Institute was inaugurated in Rome (Pawel Rytel-Andrianik) 2024.02.15 Opening ceremony of the Center for Ethics at the Isaac Abarbanel University Institute was inaugurated in Rome (Pawel Rytel-Andrianik) 

ሓድሽ ማእከል ግብረ-ገብነት፣ ንኣይሁድን ንክርስትያንን ኣብ ሮማ ሓድነት ይፈጥር

እቲ ምስ "ማርሻል ቲ. መየር " እተተሓሓዘ ኣካዳምያዊ ተቅዋም ዝለዓለ መጽናዕትን ምርምርን ዝዀነ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣይዛክ ኣባርባነል ዚርከብ ተቅዋም ግብረ ገብነት ኣብ ከተማ ሮማ ተመሪቑ ። እዚ ሓድሽ ማእከል እዚ ብምትሕብባር ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ህይወት ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ ኢዩ ተሓኒጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15 ለካቲት ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ተቅዋም መንበረ ጥበብ ኣይዛክ ኣባርባነል ሓድሽ ማእከል ግብረ-ገብነት ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ህይወት ናይ ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንችንዞ ፓሊያ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ሮሜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ" ንዓለምለኻዊ ትምህርትታትን ምዕባለታትን እተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ልምድታትን ዝጠቅም" ተቅዋም ዝበለጸት ቦታ ኸም ዝዀነት ተገሊጹ ።  ብፍላይ ድማ ንኣብርሃማውያን ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ናይ ግብረ-ገብነት ምሁራትን ተመራመርትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘሎ ዘተታት ዝእንግድ ከም ምዃኑ ኢዩ።"

ኣብ ቺለ ዀነ ኣብ ክንክን ጥዕና ቘልዑ ኣትላንታ ኮሚተ ባዮኤቲክስ ኣብ ምፍጣር ኣገዳሲ ግደ ዘለዋ ራቢ ኣናሊያ ቦርትዝ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ኩነት ስነ-ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢራ ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵሉ ደረጃ ሕይወት ወድሰብ፣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዜድልዮ ባህሪ ወድሰብ ዚገልጽ እንካብ መዝሙር ዳዊት ብቋንቋ እብራይስጢ ጠቐሰት ።

"ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሕብረተሰብና በዳሂ ኮይኑ አሎ ። ሓደ ክላውድዮ ሬጋዝዞኒ ዚበሃል ኣርጀንቲናዊ ሓኪምን ፖለቲከኛን ሓደ ኻብቶም መስረትቲ ኣባላት እዚ ሓድሽ ማእከል አብ መግለጺኡ “ሓደ ኻብቲ እዚ ማእከል ግብረ ገብነት ዜድልየሉ ምኽንያታት እዚ ኢዩ" ይብል። ደቅሰብ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ማሽናት ስልጣን  ዘለዎም እኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እዚ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብዘምጽዖ ኣልጎሪዝም ነዚ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ኣጕልሐ።

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት ብፁዕ ሊቀ -ጳጳሳት ቪንችንዞ ፓልያ ብወገኖም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ ዘመነ ለውጢ ዘይኮና ንነብር ዘሎና፣ ኣብ ዝተለወጠ ዘመን ኢና ዘሎና " ኢሎም ኸም እተዛረቡ ጠቒሶም ። ኣስዒቦም ድማ "ከምዚ ዝኣመሰለ ማእከል ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፣ እዚ ኢዩ። ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን  ከኣ ሕውነት የድልየና እዩ" በሉ።

እዚ ማእከል ግብረ-ገብነት በቲ ኣርየል ስቶፈንማቸር ዚበሃል ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ረበናት ላቲን ኣመሪካ እዩ ተመስረተ ። ስነ-ስርዓት ምረቓኡ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣፍቅሮተ ዘቤት (ፍኮላሪኒ) እዩ ተኻዪዱ ። ብዘዕባ እዚ ሓድሽ ማእከል ዝቐረበ ጋዜጣዊ መግለጺ "ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ዓውዲ ግብረ ገብነት ትምህርታዊ ምርምራትን መጽናዕትታት ንምክያድ ንመራሕቲ ጥዑይ ልምድታት ንምስልጣን ኣብ ህዝባዊ ይኹን ብሕታዊ ዓውድታት ስነ-ምግባር ስርዓታት ንምድንፋዕ ከምኡውን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓለመ ኢዩ ።"

16 February 2024, 17:25