ድለ

መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፥ ሓምሻይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፥ ሓምሻይ ኣስተንትኖ 

መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፥ ሓምሻይ ኣስተንትኖ

ካብ ዕለት 19 - 24 ለካቲት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ናይ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ሰባኬ ቤት ጳጳስ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ ዝመርሕዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ሱባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉን፡ ካርዲናል ካንታላመሳ ዕለት 23 ለካቲት ኣብ ሓምሻይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተሓባበርቶም ናይ ክርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ ሰሙን፡ ሰባኬ ቤት ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ኣብ ተክለ ሰብነት ዘኬዎስ ዘማእከለ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘኪዮስ ንዓ

"እዚ ሎሚ ዘሰንየና ዘሎ ቃል - ይብሉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ካርዲናል ካንታላመሳ - ኢየሱስ ነቲ ክርእዮ ናብ ኦም ሳግላ ዝሓኾረ ዘኬዎስ ዝበሎ ቃል እዩ። ብእኡ እናሓለፈ ከሎ ኢየሱስ ንላዕሊ ጠሚቱ - ብዘዋርድ ቃል ዘይኮነስ ብናይ ዕድመ ቃና ኣቢሉ ይዛረቦ . . . ‘ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ’ (ሉቃ 19, 1-10) በሎ፡ ኣነ እየ ዝዛረብ ንስኻ ድማ ትሰምዕ። 'ናብ ቤትካ ክመጽእ ደልየ ኣለኹ' ዝብላ ቃላት 'ናብ ውሳጣዊ ህይወትካ ክኣቱ እደሊ ኣለኹ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣብ ኣደባባይ ወይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክራኸበካ ኣይኣኽለንን እዩ.’ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዋ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን” ‘ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኩነታትን ይሃሉ፣ ሎሚ እታ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ዝገበረላ መዓልቲ ከሐድሳ ወይ፣ እንተወሓደ፣ ብኣኡ ንኽርከብ ፍቃደይና ናይ ምዃን ውሳኔ ክገብርን ብዘይ ምቁራጽ ክደልዩን እዕድም” (EG, 3)” ዝበልዎ ቃል የዘኻኽረና።

ካንታላሜሳ ደጊሞም "እዚ ፍሉጥ 'ውልቃዊ ርክብ' ምስ ክርስቶስ እንታይ ዝሓቖፈ እዩ?" "ምስ ሓደ ሰብ ብኣካል ምርኻብ ማለት እዩ፡ ንዓመታት ብስእሊ ጥራይ ድሕሪ ምፍላጥካ። ኣብ ዓውዲ ፍጥረት ሰብ እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ካብ ተራ ምፍላጥ ናብ ፍቕራዊ ምፍላጥ ምባል ከም ዘድሊ ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ። እዚ ካብ ተራ ምፍላጥ ናብ ፍቕራዊ ምፍላጥ ዘሎ ምስግጋር ካብ መንሰያት ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ የሎን። ብሓቂ ንሕይወት ኣብ ዝቕይር ፍርቕሪ ምውዳቕ እዩ” እንክብሉ ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ነዚ ምራኻብ እዚ ወትሩ ምሕዳስ ከም ዘድልን የዘኻኽሩ።

24 February 2024, 16:53