ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ቡወኖስ ኣይረስ፡ ኣርጀንቲናውያን ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ይጽበዩ! ሊቀ ጳጳሳት ቡወኖስ ኣይረስ፡ ኣርጀንቲናውያን ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ይጽበዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ቡወኖስ ኣይረስ፡ ኣርጀንቲናውያን ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ይጽበዩ!

ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ኢግናስዮ ጋርስያ ኩርቫ፡ ህዝቢ ኣርጀንቲና ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ይጽበ ከምዘሎ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ኢግናስዮ ጋርስያ ኩርቫ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ናብ ኣርጀንቲና፥ “ጓሳ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ህዝቡ ምርኻብ” ዝብል እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኣርጀንቲና እዚ ምብጻሕ እዚ ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ዘካይድዎ ምብጻሕ እውን ስለ ዝኸውን ከምኡ እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ናብ ዓዶም ክምለሱን ኣብ ዓዶም ንፈለማ ግዜ ዘካይድዎ ምብጻሕ ክኸውን እዩ” ኢሎም።

ዋላ እኳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ መንግስታዊ ተክለ ሰብነት ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣርጀንቲናውያን "በርጎልዮ ፍራንቸስኮ ክኸውን ከም ዘይፈቕዱ ወትሩ ኣብቲ ኣብ ሃገር ጉዳይ ምይይጥ ክጠቕሶምን ከእትዎምን ትርኢ፡ ይኹን እምበር “ብዛዕባ ናይ ኵልዊት ቤተ ክርስቲያን መራሒ ዓለም ኢና ንዛረ ዘሎና” ኢሎም።

ቀዳማይቲ ናይ ብሓቂ ኣርጀንቲናዊት ቅዱስ

ሊቀ ጳጳስ ጋርስያ ኩርቫ ንመንፈሳዊ ሱባኤ - ኣገባብ መመያ ቅዱስ ኢግናጥዮስ ብምስፋሕ ትፍለጥ ዝነበረት ብኣዴና ኣንቱላ እትፍለጥ ብጽእቲ ኣንቶንያ ፓዝ ደ ፊጉሮኣ ሰንበት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ቢላ ንምዋጅ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሓብሩ ኣርጀንቲናውያን መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ናብ ሮማ ከም ዝመጹ ገሊጾም፥ “ኣምሳል ናይታ ቀዳመይቲ ኣርጀንቲናዊት ቅድስቲ፡ ከም ሕብረተሰብን ከም ቤተ ክርስቲያንን ይፈታተነና፡ እቲ ዝገደፈትልና ኣገባብ ህይወት ኣብ መሰውኢታት ጥራይ ክተርፍ የብሉን።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፥ "ሰጋእ መጋእ ከይበሉ ወይ ከይፈርሁ" ወንጌል ክእውጁ ምስቶም ነጋድያን ተራኺቦም ዝሃብዎ ማዕዳ ብምዝካር - "እታ ኣዴና ቢልና እንጽውዓ ኣንቱላ ነቲ ወንጌላዊ ተልእኾ መንፈስ ኣብ ግዜኣ ኣብቲ ወንጌል ናይ ምእዋጅ ዝነበራ ትብዓት ከምኡውን ናይ መሃዝነት መንፈስ ከም ዘንጸባረቐቶ እኣምን ኢየ።"

"እናቴ ኣንቱላ ከምቲ ወትሩ ር.ሊ.ጳ. ክንኮኖ ዝሓቱና፥ “ንቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ከም እንቕበል ህዱኣት ክርስትያናት ዝገብረና ተስፋ ኣብ ምድላይ ዘይትቦክርን ኩሉ ረኺበ ዝብል ልሙስ ባህርይ ዘይነበራ ኢያ" ብምባል ይገልጽዋ።

ኣብ ኣርጀንቲና ዘሎ ኩነታት

ሊቀ ጳጳሳት ቡዌኖስ ኣየርስ እውን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ክዛረቡ እንከለዉ፥ 40 ሚታዊ  ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ብድኽነት ዝነብር ኮይኑ ሃገሮም 12 ሚታዊ ዝቕባበ ዋጋ ከም ዘጋጠማ እውን ሓቢሮም፥ "ብሓደ ወገን፡ ንዓና እቶም ናይ ድኽነትን ስእነትን መዐቀኒታት ጭቡጥ ወጅሂ፡ ጭቡጥ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዮም ሕማቕ ግዜ ዘሕልፉን ዘለዉ እያቶም። ስለዚ ሽለል ክንብሎ ዘይግባእ ጉዳይ እዩ . . . ንዓመታት ኣርጀንቲና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዞም ኣሃዛት እዚኣቶም ኣለዉዋ፣ እቶም ብድኽነትን ስእነትን ዝጥቅዑ ዘለዉ ቁጽሪ ዘይኮኑስ ጭቡጥ ወጅህታት እዮም፣ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ ድማ እቶም ፖለቲካዊ፣ ንግዳውን ሃይማኖታውን መራሕቲ፣ ኩላትና ሓላፍነት ኣሎና፥ ኣብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘሎና ኩነት ነፍሲ ወከፍና ይንኣስ ይዕበይ ሓላፍነት ኣሎና” ኢሎም።

ተስፋን ክርስትያናዊ ሓጎስን

ሊቀ ጳጳስ ጋርስያ ኩርቮ ናብቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ብምምላስ ክርስትያናዊ ሓጎስ መልሲ ናይቲ እታ ሃገር ትገጥሞ ዘላ ጽንኩር እዋን ምዃኑ ሓቢሮም፥ ክርስትያናዊ ሓጐስ ማለት “ድኹም ተስፋ ኣይኰነን፣ ወይ ከምቲ ብጽዩፍ እንብሎ: ኣብ ልዕሊ ጸገማት ህይወት መኸወሊ ምግባር ማለት ኣይኮነን . . . ክርስትያናዊ ሓጎስ ኢየሱስ ከም ዘሰንየና ምስ ዘሎ ምፍላጥ ዝተኣሳሰር እዩ፤ ብትንሳኤኡ ንሞት ንዘለኣለም ከም ዝሰዓረ ብሓቂ ምፍላጥ ማለት እዩ።”

ኣድላይነት ክርስትያናዊ ሓጎስ ኣብ ጽቡቕ ባህሪ ተስፋ እዩ ዝምርኮስ . . . “ከቢድ ምርምራት ኣድላዪ ኣይኮነን፤ ሰባት ድሮ ይፈልጥዎ እዮም፤ ሰባት ድሮ ዝነብርዎ ዘለዉ እዩ፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ዝገጥምዎ ሓቅን ተመክሮን እዩ።”

እቲ ብድሆ፡ "ከመይ ጌርና መሰኻኽር ብስራት ክንከውን ከም እንኽእል" ከምኡ'ውን ነቲ "እግዚኣብሄር ንህይወትና ከም ዘሰንዮ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎና ከም ዘሎ፡ ኣምላኽ ነቲ . . ንሱ ምሳና ከምዘሎን፡ ነቲ እንነብሮ ዘለና ከቢድ ክውንነት ንምቕያር ኩላትና ንሓድሕድና ክንተባባዕ ከምዘለናን” ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት ዛዚሞም።

10 February 2024, 17:27