ድለ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ካቶሊካውያን ተቐቲሎም ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ካቶሊካውያን ተቐቲሎም  (SESAME PICTURES)

ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ካቶሊካውያን ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣካል ናይ ሰበኻ ዶሪ ኣብ ዝኾነ ቑሸት ኤሳካነ ኣብ እትርከብ ቢተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረገ እንከሎ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ምእመናን ከምዝተቐትሉን ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ እቲ ምስ ዓል ቃይዳን ዳዒሽን ጥምረት ዘለዎ ኣብ ዞባ ሳሄል ዝንቀሳቐስ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጽሞ ሽበራዊ መጥቓዕቲ እውን ክብ ይብል ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ ዝነበሩ ብውሕዱ 15 ካቶሊካውያን ዕለት 25 ለካቲት ኣብታ ብጅሃዳውያን ዝተዓብለለት ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ከባቢ ክሕብር እንከሎ እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ምስ ማሊን ኒጀርን እትዳብው ዞባ ዶሪ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ኦውዳላን እትርከብ ቁሸት ኤሳካነ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ናይታ ብኣቡነ ሎረን ብሪፉረ ዳቢረ ዓቃቤ መንበር እትምራሕ ሰበኻ መርበብ ሓበሬታ 12 ምእመናን ከም እተቐትሉን ካልኦት ሰለስተ ብብርቱዕ ዝቖሰሉ ድማ ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱ የመላኽት።

ጸሎት ምእንቲ ሙታንን ኣብ ከባቢ ኣብ ራዕዱ ዝነብሩን

ኣብቲ ኣባ ዣን-ፒየር ሳዋዶጎ ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ፥ ምእመናን ነቶም “ብእምነቶም ምኽንያት ዝተቐትሉ ክጽልዩን ምእንቲ እቶም ዝቖሰሉ ድሕነትን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ንክረኽቡ ክጽልዩ ክዕድሙ እንከለዉ፡ ናይታ ሰበኻ ዓቃቤ መንበር ኣቡነ ዳቢረ እውን ብወገኖም ነቶም “ኣብታ ሃገር ሞትን ዕንወትን ዘስዕቡ ዘለዉ” ሰባት ክልወጡ ክጽለ ጻውዒት ከም ኣቕሪቦም፥ "ኣብዚ ዝተባርከ ዘመነ ጾም ኣርብዓ ናይ ንስሓን ጸሎትን ጻዕርታትና ንሃገርና ቡርኪናፋሶ ሰላምን ውሕስነትን ዘጸግው ይኹነልና" እንክብሉ ኣብቲ መግለጺ ይምሕጸኑ።

ኣብ ዞባ ሳሔል እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣውን ጸጥታውን ኩነታት

እዚ ዕለት 25 ለካቲት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ንማሊን ኒጀርን እውን ዘጠቓልል ሰፊሕ ዞባ ሳሕል፡ ዓልቃይዳን ምስቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝጽውዕ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ካብ ዝፍጽምዎ ነዊሕ ተኸታታሊ ግፍዕታት ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንኽመዛበሉ ምኽንያት ኮይንዎም ከም ዘሎ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሊብያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ብፍላይ ድማ ካብ 2012 ዓ.ም. ጀሚሮም ንሰሜናዊ ማሊ እስላማውያን ጉጅለታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ኣሸበርቲ ከም ዝርከቡን ዋላ’ኳ መንግስቲ ማሊ ኣብ 2013 ዓ.ም. መብዛሕትኡ መሬት ብደገፍ ሓይልታት ፈረንሳ ዳግም ክቆጻጸር እንተኸኣለ ድሕሪ 2021 ዓ.ም. ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ለውጢ እውን ይሃሉ እቲ ግብረ ሽበራ ይቕጽል ከም ዘሎን የመላኽት።

መዓታዊ ጽልዋ ግብረሽበራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቡርኪናፋሶ

ኣብ 2023 ዓ.ም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣዚዩ ከቢድ ዓመት ከም ዝነበረ ናይ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ናይ ሓባር ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ቢርፉረ ገሊጾም፡ እቶም ኣሸበርቲ ብጀካ እቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያን ዝፍጽምዎ መጥቃዕ ወጻኢ፡ ልኡካነ ወንጌልን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከም ዝጨውዩን እዚ ተግባር እዚ እውን ይሰፍሕ ከምዘሎን ቁጽሮም እውን እናወሰኸ ዝኸይድ ስለ ዘሎ ምእመናን በቲ ዝወርድ ዘሎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት እውን ናብ ቁምስናታት ምኻድ ከቋርጹ ከም ዝግደዱን ብዙሓት ቁምስናታት ዳርጋ ይዕጸዋ ከም ዘለዋን፡ ብሓቂ እቲ ዘሎ ፍርሒ እውን ቀሊል ኣይኮነን፡ ፍርቂ መሬት እታ ሃገር በቶም ኣብ መላእ ሃገር ምስልምና ሃይማኖት ብጸቕጢ ናይ ኩሉ ክኸውን ዝብል መትከል ብዘለዎም ጅሃዳውያን ጉጅለታት ቁጽጽር ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም፥ "እቶም ኣሸበርቲ ኩሉ ሃይማኖት ምስልምና ክቕበል ኣለዎ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝስዕቡ ብምዃኖም ንገዛእ ርእሶም ንሰዓብቲ ሃይማኖት እውን ንስቓይ ዝዳርጉ እያቶም፡ ጸላእቲ መላእ ሃገር እዮም እዚ እውን እቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግብረ ሽበራ የረጋግጾ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ግብረሽበራ ዝተተሓሓዘ ሞት ኣብ ሳሕል 43 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ቅትለት እዩ

ብመሰረት ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለማዊ መዐቀኒ ግብረሽበራ (GTI) ኣብ ሳሔል ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰር ሞት ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ 43 ሚእታዊት ዝውክል ኮይኑ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ካብ ዝነበረ ብሓደ ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ቡርኪናፋሶን ማሊን ብሓባር ካብ ጠቕላላ ብግብረ ሽበራ ዝፍጸሞ ቅትለት ነቲ 73 ሚእታዊ ይሕዛ፡ ዞባ ሳሔልን ብ52 ሚእታዊት ድማ ካብ ጠቕላላ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝቕተሉ ይውክል።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግብረሽበራ ርኡይ ወሰኽ ከምዘመዝገባ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ሞት ብ50 ሚእታዊት ክውስኽ እንከሎ እዚ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዓመጽ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ይሰፍሕ ምህላዉን ናብ ቶጎን ቤኒንን እውን ይተኣታተው ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ካብ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኣይቮሪኮስትን ጋናን ዝመጹ 10 ካቶሊካውያን ኣስላምን መራሕቲ ሃይማኖት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ልኡኽ ምስ ኣባላት ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ኣብ ዞባ ሳሕል እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣውን ጸጥታውን ኩነታት ንምዝታይ” ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰብኣዊ ኣእዳው እተሰምየ ኣገልግሎት ረድኤት ሓቢሩ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 February 2024, 16:11