ድለ

ጳጳሳት ሱዳን ንማሕበረሰብ ዓለም ኲናት ደው ንምባል ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት ሱዳን ንማሕበረሰብ ዓለም ኲናት ደው ንምባል ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ  (ZOHRA BENSEMRA)

ጳጳሳት ሱዳን ንማሕበረሰብ ዓለም ኲናት ደው ንምባል ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ካቶሊካውያን ጳጳሳት እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ጻዕርታት ከሐይል ጻውዒት የቕርቡ። እቲ ዝተናውሐ ውግእ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሱዳን ዘሎ ምክብባርን ምትሕግጋዝ ዝብል ክቡር ዋጋ ንምእላይ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ስክፍታኦም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን፡ ኣብቲ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሃገሩ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ዳርጋ 7 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብሮኦም ከም እተመዛበሉን፡ ተኹሲ ደው ክብል ነዚ ዕላማ እዚ ደገፍ ንምእካብ ዝዓለመ ዞባዊ ዑደት የካይድ ምህላዉን ይንገር።

እቲ ናይ ሱዳን ኩናት ዕለት 15 ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝጀመረ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ብዝብል ክስታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብቲ ኩናት ኢድ ዘለዎም ኩሎም ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ኣብ መዓልቲ ልደት ኡርቢ ኤት ኦርቢ ንመላእ ሮማን ዓለም ንኽባርኹ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ዘኪሮም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሱዳን ከይርስዕ ከም እተማሕጸኑም ቅዱስነቶን፥“ንዞባ ሳሕል፣ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱዳንን ዘሸግሩ ወጥርን ግጭታትን ኣይነርስዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጻውዒት ካቶሊካውያን ጳጳሳት

ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኖርወይን - ትሮይካ ተባሂለን’ውን ዝጽውዓ (ድርገት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ) ከምኡ’ውን ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ኣብ... ሱዳን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ንምቁራጽ በብወገኖም ጻዕርታቶም ከሐይሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ብተወሳኺ እቶም ብፁዓን ጳጳሳት በቲ ዓመጽ ንዝተሃስዩ ዝቐርብ “ኣድላዪ ደገፍ” ክቕጽሉ ሓድራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉባኤ ካቶሊካዊት ጳጳሳት ሱዳን ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ "እቲ ግጭት ዓቢ ክሳራ ህይወትን ንብረትን መነባብሮን ደቂ ሰባት የስዕብ ኣሎ። ንብዙሓት ከምዚ ዓይነት ዘይተጸበይዎ መዓት ብምዃኑ የደንጽዎም ኣሎ" ቢሎም፥ እቲ ኩነታት ኣብ ሱዳን እዩ ዝፍጸም ዘሎ። እዚ ግጭት ውጽኢት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ውልቀ መላኺ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላይ ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ጀነራላትን ሓደ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለን ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቃልሲ ምዃኑን ኣብ መንጎ ወተሃደራውን በርገሳውን ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ማዕቀፍ ስምምዕ ናብ በርገሳዊ መንግስቲ ምስግጋር ዝብል ውሳኔ ዘማእከለ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝተታሕዙ ሰላማውያን ሰባት ዘጋጠሞም ጸገም ዘጉልሑ ጳጳሳት ሱዳን “ብድሆታት ህዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ ዳርፉርን ቆርዶፋንን” ብብርቱዕ ከም ዘሕዝኖም ኣመላኺቶም፣ ኣብተን ዞባታት “ዓድታት ተቓጺሉን፣ ዜጋታት ቤቶምን ንብረቶምን ስኢኖም መላእ ህዝቢ ናብ መዓት ይዳርግ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ፖለቲካዊ ምልውዋጥ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ተዋጋእቲ ጀነራላት፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም፡ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ኣይፈልጡን፡ እንተኾነ ግን ዞባዊ ሓይልታት ኣብ መንጎ መራሒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ንምርኻብ ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎን ይንገር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ተንተንቲ ጉዳያት ፖለቲካ ሱዳን እቲ ሓቀይና ድራኸ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ዑደት ዳግሎ፡ ንመላእ ሰራዊት ሱዳን ንምቁጽጻር ዞባዊ ደገፍ ንምርግጋጽ እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ እታ ናይ ሱዳን መሶብ እንጌራ ተባሂሉ ዝግነረሉ - ንግዝኣት ገዚራ ብምሓዝ ዝዕብልል ሓይሊ ከም ዘለዎ ንምርኣይ ይፍትን ምህላዉን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ልክዕ ከምቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘተ ድሕሪ ነዊሕ ምቁራጽ ዳግማይ ክጅምር ትጽቢት ኣብ ዝነበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ዘይርጉእ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሓያሎ መደበራት ሰራዊት ኣብ ኢዱ ከም ዘእተወ ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ሓይሊ ጸሎት

ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱዳን "መራሕቲ እተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ሱዳን ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝገብርዎ ቓልሲ ንረብሓታት ህዝቢ ቐዳምነት ንምሃብ እተፈላለየ መድረኽ" ምጥቃም ክቕጽሉ መብጽዓ ብምእታው "ብርታዐና ኻብ ሓይሊ ጸሎት ኢዩ ዝመጽእ እዚ ድማ ንጽባሕ ዝሓሸ ተስፋ ከም ዝህልወና ዝገብር ተግባር ኢዩ" ዝብል እምነቶም ገሊጾም፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ህዝቢ ሱዳን ዘሎ ንቡር ናይ ምታሕብባር ክብሪ ንምዕጋት ዝግበር ፈተነ ክኸውን ከምዝኽእል ስክፍታኦም’ውን ኣቕሪቦም “ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሰንሰለታዊ ፍጻመታት፡ ሰባት ከም ኣሕዋት ኮይኖም ዝነብሩሉ ሕብረተሰብ ንዝብል ባህጊ ንምዕጋት ዝግበር ፈተነ እዩ ዝብል ሓያል ስምዒት ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 January 2024, 16:58