ድለ

ናይ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ጳጳሳት ጉባኤ 7ይ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ናይ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ጳጳሳት ጉባኤ 7ይ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ 

ናይ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ጳጳሳት ጉባኤ 7ይ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ

ኣብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝርከቡ ወከልቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘራኽብ ሓባራዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ብፍሉይ ኣብ መንሰያት ብዝተኮረ ዛዕባ ይብገስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወከልቲ ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይሮቢ ንሻብዓይ ግዜኦም ሓባራዊ ዓውደ ጉባኤ ሕብረት ጉባኤ ጳጳሳት ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM)፡ ከምኡ እውን ቤት ምኽሪ ጉባኤታት ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት (CCEE) የካይዱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ሕብረት (SECAM)፡ ከምኡ እውን ቤት ምኽሪ ጉባኤታት ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት (CCEE) ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝዓሞቐ ሕብረትን ምትሕግጋዝን ንምምዕባል ኣብ 2004 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ “ምትሕብባር ንዘተን ንሓድሕዳዊ ምርድዳእን ኣገዳሲ መድረኽ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ” ዋና ጸሓፊ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኣባ ራፋኤል ሲምቢነ ጁንየር ቅድሚ እቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ የመላኽት።

መንእሰያት ኣብ ምስማዕ ዘተኩር

እዚ ካብ ዕለት 23 - 26 ጥሪ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ፡ "ሲኖዳውነት፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብሓባር ምጉዓዝ" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተዳለወ ኮይኑ፡ "ኣብ ክልቲአን ኣህጉራት ድምጺ መንእሰያት ብምስማዕ፡ ... መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ቅርጺ ምሃብ” ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኮይኑ፥ ብመሰረት እቲ መግለጺ፥ “ኣብ ውሽጢ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ሓድሽ ኣድማስ ብምጥማት ምህናጽ ዝብል እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም. . . እቲ መስርሕ ዕለት 23 ጥሪ ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳስ ፊሊፕ ኣርኖልድ ሱቢራ ኣንዮሎ ብዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተዘተየሎም ኣርእስትታትን ቀንዲ መዳርያንን

ካብ’ቲ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵነታት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ ቅዋም ‘ወንጌል ስበኹ” ዘርእስቱ ኩርያ ሮማና ኣብ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዝህቦ ኣገልግሎትን ንምርዳእ ዝዓለመ ኣቀራርባን ዘተን ምይይጥ ክካየድ ከም ዝኾነን፡ ተሳተፍቲ ብተወሳኺ “ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ኣኼባ ሲኖዶስ መሰረት “ኣብ ኣህጉራዊ ጦብላሕታታት ርድኢት ክረኽቡ እዮም።

ቀንዲ መደረ ዘስምዑ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ካብ ኪንሻሳ (ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ)፣ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ ካብ ሉክሰምበርግ፣ ናይ ቪልኒየስ ሊቀ ጳጳስ ጂንታራስ ግሩሳስ ካብ ሊትዋንያ፣ ካብ ሞዛምቢክ ናይ ዛይ ሻይ ጳጳስ ሉቾ ኣንድረስ ሙኣንዱላ፣ ናይ ሰበኻ ረነስ ሊቀ ጳጳስ ኣሌክሳንደር ጆሊ ካብ ፈረንሳ፡ ካብ ታንዛንያ ናይ ሰበኻ ኮንዶዋ ጳጳስ በርናርዲን ፍራንሲስ ምፉምቡሳ  እዮም።

ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ መስርሕ፥ "ቤተክርስትያን ብመንጽር መስርሕ ሲኖዳውነት ንመንእሰያት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከመይ ጌራ ክትሰምዖም ትኽእል" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምይይጥ ክካየድ እዩ። እቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 26 ጥሪ ክቕጽልን ብናይ ሓባር መግለጺ ክዛዘም እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ጳጳሳት ንሲኖዶውነት ዘለዎም ተወፋይነት

“እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ንመንፈስ ሲኖዳውነትን ንሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ቀጻሊ ተወፋይነት ዘመልክት እዩ” እንክብሉ ኣባ ሲምቢነ ከም ዝገለጹን፥ “ኣብ ክልቲኡ ኵነታት ዝቐርቡ ፍሉያት ብድሆታትን ዕድላትን ንምርዳእን ንምፍታሕን ዝዓለመ ሓይሊ ዘተን ምትሕብባርን ኣብ መላእ ኣህጉራት ዝምስክር እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ብተወሳኺ እዚ ምትሕብባር እዚ ሎሚ፡ ብመንጽር ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ወሳኒ ኩነታት ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጥታትን ብድሆታትን ኣብ እትገጥመሉ ዘላ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድንፋዕ ፍትሕን ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘለዋ ተራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወሳኒ ይኸውን ኣሎ፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ተራ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣገደስቲ ኣካላት ኣድማሳዊ ቤተክርስትያን ናይ ሓባር ትምህርትን ናይ ምትሕብባር ስጉምትን መድረኽ ዘቕርብ እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

25 January 2024, 16:49