ድለ

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ቅዳሴ ስዒቡ ኣብ ኒካራጓ ማእሰርቲ ካህናት ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ቅዳሴ ስዒቡ ኣብ ኒካራጓ ማእሰርቲ ካህናት  (AFP or licensors)

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ቅዳሴ ስዒቡ ኣብ ኒካራጓ ማእሰርቲ ካህናት

ኣብ ኒካራጓ ኣባ ጉስታቮ ሳንዲኖ ዝተባህሉ ካህን ሃገረ ስብከት ኺኖተጋ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣባታ ሃገር ብውሕዱ 14 ካህናት፣ ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሓደ ጳጳስን ኣብ ቀይዲ ከም ኣዝተዉን ነቲ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምታው ካርዲናል ብሬነስ ንካህናትን ንማሕበርሰብን ንስድራ ቤት ካህናትን ዘለዎም ቅርበትን ጸሎት ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ጉሳታቮ ስንዲኖ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅድሰ ማርያም መጸናንዒት ሕዙናት  ድሕሪ’ቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኺኖቴጋ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዘፓስቶስማ ንዋዜማ ሓድሽ ዓመት ዕለት 31 ታሓሳስ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን። ምንጭታት እቲ ከባቢን ኣብ ስደት ዝርከባ ጠበቓ ማርታ ፓትሪሲያ ሞሊናን እቲ ፍጻሜ ብናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ዝተረጋገጸ ምዃኑ ይሕበሩ።

ኣብ ማናጉዋ፡ ኣባ ፈርናንዶ ቴለዝ ባኤዝ ቆሞስ ቤተ ክርስትያን ኣኖ ኣመሪካ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ማእሰርቲ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ኣደ መለኮታዊ ጓሳ ኣባ ላደር ሄርናንደስ፡ ምሸት ዕለት 30 ታሕሳስ ብሓይሊ ጽጥታ ከም እተወስዱ ይንገር።

ማዕበል ማእሰርቲ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብውሕዱ 14 ካህናት ከምኡ’ውን ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣለስተር ሳንዝን ቶኒ ፓላስዮን ከምኡ’ውን ናይ ሰበኻ ሲዩና ጳጳስ ኢሲዶሮ ደል ካርመን ሞራ ኦርቴጋ ከም እተኣሰሩን ነቶም ናይ ማታጋልፓ ኣቡን ከምኡ እውን ናይ ሰበኻ ኤስተሊ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ሮላንዶ ሆሴ ኣልቫረዝ ላጎስን ነቲ ግቡእ መስርሕ ከይሓለፈ ን26 ዓመት ክእሰሩ እተፈርዶም ስለ ዝጸለዩን ምእመናን ክጽልዩ ስለ ዝሓተቱ እዮም ዝብል ጥረራታት ከምዘሎ ይንገር።

ቅርበት ካርዲናል ብሬነስ

ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሊዮፖልድ ኾሰ ብረነስ ሶሎርዛኖ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ "ኣብዚ እዋን'ዚ ብዘይ ካህናቶም ንዝተረፉ ኣባይት ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን" ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም፡ ኩሉ ሰብ "ብትሪ" ኣብ ሓድነት ክቐውም ጻውዒት ኣቕሪቦም

"ቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነት ሓይልና እዩ" ቢሎም "ምስ ማርያም ኣዴና ኣብ እግሪ መስቀል ጎይታ ኣጸናንዓናን ምሕረቱ የርእየናን" እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማርታ ፓትሪሲያ ሞሊና ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ በዓላት ክቐርብ ተመዲቡ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተሰረዘን ምመናን ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ከምዝተሓተቱን ገሊጻ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብተን ሰበኻታት ዝነበሩ ካህናት ተኣሲሮም ድዮም ኣይተኣሰሩን ኣይተፈልጠን” ትብል።

ግብረ መልሲ ካብ ሕቡራት ሃገራት

ዛጊት መንግስቲ ይኹን ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ናይዞም ኣባላት ውሉደ ክህነት ዘረጋግጽ ኮነ ዝኽሕድ ወግዓዊ መገልጺ ከም ዘይሃቡሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኒካራጓ "ፖለቲካውን ደቀባትን መራሕቲ፡ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ደለይቲ ፍትሕን ጋዜጠጠይናታትን" ምእሳር ይቕጽል ምህላዉ ሓቢሮም ነቲ ናይ መንግስቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ይኹንኑ።"

02 January 2024, 17:18