ድለ

ሓይቲ፡ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ  ዝተጨውያ ሽዱሽተ መነኮሳት ተፈቲሐን ሓይቲ፡ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተጨውያ ሽዱሽተ መነኮሳት ተፈቲሐን 

ሓይቲ፡ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተጨውያ ሽዱሽተ መነኮሳት ተፈቲሐን

ዕለት 19 ጥሪ ብዕጡቓት ጅሆ ተታሒዘን ዝነበራ ሽዱሽተ መነኮሳን ኣባላት ማሕበር ደናግል ኣነ ምስ ክልተ ዝተጨውዩ ዓለማውያን ምመናን ናጻ ከም እተለቃ ናይ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ሊቀ ጳጳሳት ማክስ ሌሮይ ሜሲዶር ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እተን ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተጨውያ ሽዱሽተ ደናግል ኣባላት ማሕበር ቅድስቲ ኣን ናጻ ከም ተለቃን እቶም ናጻ እተለቁ ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ክጭወያ እነከላዋ ናይታ ዝጓዓዛላ ዝነበረት መጋዓዝያ መራሕን ናይ ሓንቲ ካብተን ናጻ እተለቃ ደናግል ጓል ሓወን ምዃና ክሕበር እንንከሎ እቶም ነታ ደናግል ዝጓዓዛላ ዝነበረት ንሽተይ መጓዓዝያ ዝጨወዩ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጉጅለ ነቶም ዝተጨውዩ ኩሎም ናጻ ክለቑ 3.5 ሚልዮን ዶላር በጃ ከም ዝሓተቱ ናይ ሃይቲ ምንጭታት ሓበሬታ ከም ዘፍለጣን ናይ ሃይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ሊቀ ጳጳሳት ማክስ ለሮይ ሜሲዶር እተን ደናግል ናጻ ምልቃቐን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እውን ሓቢሮም ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላጽ ንኹሎም ኣብዚ ኩነታት ኣቓልቦ ሂቦም ደገፍን ንዝገበሩ ኪሎም ኣመስጊኖም።

"ንኣምላኽ ነመስግኖ! ስለ ዝገበርኩምልና ደገፍ የቐንየልና" ኢሎም።

ጻውዒት ጳጳስ፣ ጸሎት ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን

ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 21 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ተረኽቡ ምመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቆዑ እተን ዝተጨወያ ሽዱሽተ መነኮሳንን ካልኦት ኩሎም ጅሆ ዝተተሓዙን ናጻ ክልቀቑ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

"ንኽፍትሑ ኣብ ዘቕረብዎ ልባዊ ጻውዒት፡ ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ስምምዕ ክህሉ እጽሊ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ህዝቢ ዓቢ ስቓይ ዘስዕብ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ክጽሊ እዕድም" እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃይቲ ምእንቲ እተንን ዝተጨውያ መነኮሳንን ካልኦት ኩሎምን ሓሳብ ዝገበረ መዓልቲ ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ከም ዝዓረገ ይሕበር።

ጳጳስ ዱማስ፡ 'ናብ ኣምላኽ ኣእዊና'

ናይ ሃይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ኦንሰ ኣ ቨኣው ሚራኦጋነ ጳጳስ ፒየር ኣንድሬ ዱማስ ናይ ኣንሰ-ኣ-ቬው-ሚራጎን እውን ነቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ሸሞንተ ብምፍታሖም ምስጋና ኣቕሪቦም።

"እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ንእምነትና ዳግማይ ኣብ ፈተና ኣእቲዎ እዩ ይኹን እምነር እምነትና ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፥ ናብ ኣምላኽ ኣእዊና፡ ኣብ ፈተናታትና ኣደልዲሉና፡ ምሩኻትና ድማ ናብ ናጽነት መለሶም . . . ጳጳስ ዱማስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣክንዲ እተን መነኮሳን ገዛእ ርእሶም በጃ ከቕርቡ ፍቓደይና ምዃኖም ኣፍሊጦም ከም ዝነበሩን፡ . . . ንድኻታትን መንእሰያትን ንምድሓን ህይወተን ዘውፍያ ደቂ ኣንስትዮ ምጭዋይ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ዘርኢ ምልክት እዩ" ከም ዝበሉ ይዝከር።

26 January 2024, 16:04