ድለ

2024.01.07 ኣብ ኒካራጓ ማዕርገ ክህነትን ጻውዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽባር መሰል 2024.01.07 ኣብ ኒካራጓ ማዕርገ ክህነትን ጻውዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽባር መሰል 

ኣብ ኒካራጓ ማዕርገ ክህነትን ጻውዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽባር መሰል

ካርዲናል ብሬነስ ኣብ ማናጉዋ ንትሽዓተ ዲያቆናት ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝሃብሉ ዕለት ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኒካራጓ ሃለዋት ጳጳስ ሲዩና ኢሲዶሮ ሞራ ክሕብር ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ስብከት ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሊዮፖልዶ ጆሴ ብሬነስ ሶሎርዛኖ ትሽዓተ ሓደስቲ ካህናት ከም ዝሸሙን ብዙሓት ምእመናን ዕለት 6 ጥሪ ኣብ በዓለ ኣስተርዮ ካርዲናል ብሬነስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካህናት፡ መሰኻኽር ሕውነት

ካርዲናል ብሬነስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት’ ክህነት "ሓይሊ ዘይኮነስ" "ተልእኾን ኣገልግሎትን እዩ” ቢሎም ስለ እቲ ዘደንቕ ህያብ ሓደስቲ ካህናት ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም። ካህናት፡ "ኣገልገልትን" "መሰኻኽርን" ኮይኖም፡ “ውህደትን ሕውነትን ክነብሩ" ዝተጸውዑ ምዃኖም ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ማዕበል ማእሰርቲ

እቶም ሓደስቲ ዲያቆናት ኣብ ኒካራጓ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ክኾኑ እንከለዉ። ካብ ዕለት 20 ታሕሳስ ጀሚሩ ብውሕዱ 14 ካህናትን ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ናይ ሰበኻ ሲዩና ጳጳስ ኢሲዶሮ ደል ካርመን ሞራ ኦርቴጋን እውን ከም እተኣሰሩን። ዕለት 20 ታሕሳስ ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓ ንጳጳስ ኢሲዶሮ ደል ካርመን ሞራ ኦርቴጋ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሲዩና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎምን፡ ድሕሪ እቲ ብዘይ ግቡእ መስርሕ ን26 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዶም ጳጳስ ሮላንዶ ጆሴ ኣልቫረዝ ላጎስ ጳጳስ ሰበኻ ማታጋልፓን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻ ኤስተልፍ ኣብታ ሃገር ዝተኣስሩ ካልኣይ ጳጳስ ከም ዝኾኑን ጳጳስ ኣልቫረዝ ካብ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ጀሚሮም ቅዩድ ኣብ ቤቶም ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብውዲት፡ ናይ ሓሶት ዜና ምዝርጋሕ፡ ፍትሒ ምትዕንቃፍን ንሰበስልጣን ንዕቀትን ብዝብል ገበን ተኸሲሶም ካብ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዝርከቡን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጳጳስ ሞራ "ኣብ ሰበኻ ላ ክሩዝ ደ ሪዮ ግራንደ ምስጢረ መሮን ክሰርዑ ኣብ ዝኸድሉ እዋን" ብሓይሊ ጸጥታን ብኣባላት ሓውሲ ወተሃደራትን” ከም እተታሕዙን ምስእኦም ዝነበሩ "ኣለስተር ሳአንዝን ቶንይ ፓላሲዮን እተባህሉ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን እውን ከም እተኣሰሩን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይፍለጥን።

ብዛዕባ ዝሓመሙ ካህናት ስክፍታ

ብዛዕባ እቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ዝተጨውዩ ካህናት፥ ኣባላት ናይ ሰበኻ ማናጓ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ከምኡ እውን ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ጽንሰታ ለማርያም ክልቲኦም ናይ ጥዕና ጉድለት ዘለዎም ቀጻሊ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮምን ከም ዝኾኑን ጉዳዮም ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ልዑል ስፍክታ ይፈጥር ምህላዉ ዜና ቫቲካን የመላትኽት።

​ጻውዒት ሕቡራት ሃገራት ናብ መንግስቲ ኒካራጓ

ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ድርገት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንማእከላይ ኣመሪካ ንመንግስቲ ኒካራጓ "ን16 መዓልታት ግዳይ ዓፈና" ዝኾኑ ጳጳስ ሞራ ኣበይ ከምዝተኣሰሩ ብህጹጽ ክገልጽ ሓድሽ ጻውዒት ከም ዘቕረበን "ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቕ ኣሎ” እውን ከም ዝበለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ዕለት 28 ታሕሳስ "ምጥፋእ ጳጳስ ኢሲዶሮ ሞራን ሓድሽ ማዕበል ማእሰርቲ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ኮኒኑ "እቲ መግንስቲ ኑካራጓ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ዓንዲ ነፍሲ ወከፍ ደሞክራስያዊት ሃገር" ዝጥሕስ እዩ ከም ዝበለን። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ድርገት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኒካራጓ ዝርአ ዘሎ "ፖለቲካውን ደቀባትን መራሕቲ፡ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ደለይቲ ፍትሕን ጋዜጠኛታትን ኣሳዶን መስጎግትን እታ ሃገር ካብ ምኽባር ልዕልና ሕግን መሰረታዊ ናጽነታን ተንሳሕብን ኢደወነናዊ ማእሰርቲ ዝካየደላ ሃገር ኮይና ከምዘላ” ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ፍራንቸስኮ ጸሎት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት ሓደ ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኒካራጓ "ናጽነቶም ዝተነፍጎም ጳጳሳትን ካህናትን" "ዓሚቕ ስክፍታ" ከም ዘሕደረሎም ገሊጾም ቅርበቶም ጸሎትምን ኣረጋጊጾም ኩሉ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ክሳብ ሕጂ ሰበ-ስልጣን ኒካራጓ፡ ነቶም ደሃዮም ዘይተፈልጠ ካህናት ከም ዝኣሰሮም ኮነ ከም ዘይኣሰሮም ዘረጋግጽ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከምዘየለ ይንገር።

08 January 2024, 16:18