ድለ

2022.01.14 ፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይን ኣብ ልቢ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን 2022.01.14 ፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይን ኣብ ልቢ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን 

ፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይን ኣብ ልቢ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን

ብምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝተደረኸ ናይ 2024 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን ንፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይናን ክንጽሊ ዝዕድም እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብምትሕብባር ኣብ ዝተበገሰ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን ከም እትዓይን እቲ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን በብዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ – ካብ ዕለት 18 ጀሚሩ ኣብ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ዕለት 24 ጥሪ ዝዛዘም ኮይኑ – ኣብቲ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ኣብ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት በቲ ናይ እዋኑ መርሕ ቃል ዝተሰነየ መደባት ጸሎትን ርክባትን ዓውደ ጉባኤታትን ዘተን ከም ዝካየድ ይፍለጥ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዝሃቦ ኵላዊ ድርኺት ስዒቡ፡ ኣብ 1966 ዓ.ም. እቲ ሓድሽ ዝቖመ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ሽማግለ እምነትን ስርዓትን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ብምትሕብባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ዝመርሕ ናይ ጸሎት ጽሑፋት ከም ዘሰናድው ይፍለጥ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን መርሕ ቃል፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅር... ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ለምዘበን 2024 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ምርሓ ግብሪ ጸሎታት ኣብ ብርኪናፋሶ ዝርከብ ማሕበረሰብ ቸሚን ነውፍ ኣተሰምየ ጉጅለ ንሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሰናደዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

17 January 2024, 15:52