ድለ

ጳጳሳት ኤኳዶር ኣብዚ ምልዕዓል ዓመጽ ጕጅለታት ሓድነት ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት ኤኳዶር ኣብዚ ምልዕዓል ዓመጽ ጕጅለታት ሓድነት ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ 

ጳጳሳት ኤኳዶር ኣብዚ ምልዕዓል ዓመጽ ጕጅለታት ሓድነት ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ምስ ናይ ገበን ጉጅለታት ተኣሳሲሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ንምውጋድ መንግስቲ ኤኳዶር ድሕሪ ዘቐረቦ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፥ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤኳዶር ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምላስ ሓድነትን ሕውነትን ክህሉ ጻውዒት ዘቕርብ መገልጺ ከም ዘውጽኡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ኢኳዶር ንሓድነትን ሰላምን ሕውነትን ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ፥ ኣዝዩ ዝድለይ እሱር እታ ሃገር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝሃደመሉን ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ናዕቢ ኣብ ዝተለዓዓለሉን እሱራት ድማ ሓለውቲ ጨውዮም ኣብ ዘፈራርሕሉ ወጥሪ ኣብ ዝተመልአ ኩነት ኣብ እትርከብ ኤኳድሮ፡ ዕለት 7 ጥሪ መራሒ ናይ ሎስ ቾነሮስ ናይ እተሰምየ ሓደገይና ዕጸ ፋርስ ናይ ዘንቀሳቕስ ገበነኛታትት ጉጅለ ኣባል ኣዶልፎ ማሲያስ ካብቲ ን34 ዓመታት ዝተፈርደሉ ቤት ማእሰርቲ ጓያኪል ከም ዘምለጠን ነዚ ስዒቡ ኣብ ሓያሎ ልዕሊ ዓቐን ብሱራት ኣብ ዘዕለቕልቓ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓመጽ የጋጥም ምህላውን፡ ካብ 2021 ዓ.ም. እቲሑዙ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ግጭት ድሕሪ ምብጋሱ ልዕሊ 400 እሱራት ከምዝሞቱ ክንገር እንከሎ፡ ዕለት 8 ጥሪ ገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት ጓያኪል ናብ ዝርከብ ቀጥታዊ መደብር ተለቪዥን ብምቅኡጽጻር ሰራሕተኛታት ጅሆ ምስ ሓዙ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝገጠሙን እዚ ኹሉ ንናይታ ሃገር ዘይምርግጋእ ከም ዘጋደዶን

ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብታ ከተማ ክልተ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ዝርከብዎም ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ከም ተቐተሉን ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቶ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ፍንጀራታት፡ ምንዳድ መካይን፡ ምዝማት፡ ቶኽስን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ሕክምና ከይተረፈ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ክሕበር እንከሎ፡ ሰብመዚ ብጀካ እቲ ዘምለጠ ተደላዪ እሱር ካልኣይ ዓቢ መራሒ ናይ ገበን ጉጅለ ተባሂሉ ዝንገረሉን ካልኦት ተደለይቲ እሱራት ካብ ካልኦት ዝተፈላለያ ኣባይቲ ማሕቡስ ከም ዘመለጡ ይሕብሩ።

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን

ነዚ ምዕባለታት እዚ ስዒቡ፡ ጸጥታ ንምምላስን ነታ ሃገር ካብ ዓመጽ ኣዘዋወርቲ ዕጽ ፋርስ ጉጅለታት ገበን ሓራ ንምውጻእ ቀዳምነት ዝሃበ ሓድሽ ዝተመርጸ ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኖቦኣ፡ ዕለት 9 ጥሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዘመሓላለፉ ሓይልታት ምክልኻል ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር ኣብ ከተማታት ንሓለዋ ክዋፈሩ ከም ዝገበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ሃገር ሓቆፍ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ሰዓት እቶእቶ እውን ከምዝወሰነን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ጎደናታት ክዋፈሩን ኣብያተ ማእሰርቲ ክቆጻጸሩን እውን ከም ዝኣዘዘ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳሳት፡ 'ዓመጽ ኣይስዕርን እዩ'

ኣብ ቅድሚ እዚ ቅልውላው እዚ ኣቦ መንበር ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኤኳዶር "ዓመጽ ኣይስዕርን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ዜጋታት ኣብ ስንባደ ከይወድቁን ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከይቅየዱን ጸዊዖም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣንጻር ናይ ገበን ጉጅለታት ዝግበር ቃልሲ ናይ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እውን ምዃኑ ከም ዘጉልሑን፡ ዓመጽ "ካብ ዝኾነ ወገን ክመጽእ ይኽእል" ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ፍሉይ ኩነታት፡ ኤኳዶራውያን "ንመጻኢ እናማዕደዉ ንኤኳዶር ወትሩ ከምቲ ዝነበረቶ ክብርቲ ሃገር ኮያን ክትቕጽል ዝድርኽ ሓይሊ ሒዞም፡ ሰላምን ሕውነትን ክዕቅቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እቶም ጳጳሳት ብተወሳኺ “ዝኾነ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ሕብረተሰብን መንግስትን፡ ከም ክሕደት ዓዲ፡ ናይቲ ኣዝዩ ቅዱስ ክብርታት ናይ ኤኳዶራዊ መንነትናን ናይቲ ፈራዲ ሕይወትና ዝኾነ ኣምላኽን ክቑጸር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሓድነት፡ ሕግን ስርዓትን ሰላም ክምለስ

ብመሰረት ጳጳሳት ኤኳዶር እምበኣር ክብርታት ሕውነትን ሰላምን ምምላስ ግድን እዩ። “ዜጋታት እምነት ናይ ዘለዋ ሃገር ኢና። ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦና እናበልና ኩላትና ኣሕዋት ምዃንና እንገልጸሉ መዕበያ ዘለዎም እውን ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ጳጳሳት "ቅንዕና ነፍሲ ወከፍ ሕያዋይ ኤኳዶራዊን ምርግጋእ መንግስትን ከም ውሕስነት ሰላም ናብታ ሃገር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክምለስ" ጸሎቶም የረጋግጹ” ቢሉ፥ ኣቦ መንበር ካሪታስ ጨንፈር ኤኳዶር ጳጳስ ኣንቶንዮ ክራሜሪ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሲር ኢጣልያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ከምቲ ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ዝግበር ዝነበረ፡ ብኣካል ዝግበር ቅዳሴ ንግዚኡ ክቋረጽ ክሳብ ዝተወሰነ፡ ኩነታት እታ ሃገር ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

11 January 2024, 16:35