ድለ

2024.01.23 Accordo tra le Università cattoliche del Sacro Cuore e dell’Africa centrale insieme per l’assistenza e per la cura 2024.01.23 Accordo tra le Università cattoliche del Sacro Cuore e dell’Africa centrale insieme per l’assistenza e per la cura 

ኣብ ኢጣልያን ካመሩንን ዚርከባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጠበብ ውዕል ሽርክነት ሕክምና ፈሪመን

ኣብ ሮማ ዚርከብ መንበረ ጠበብ ቅዱስ ልብን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ብዛዕባ ምርምርን ስልጠና ክንክን ጥዕናን ዚገልጽ ውዕል ሽርክነት ፈሪመን ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካምን

ዋና ኣመሓዳሪ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዣን ምባርጋ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ጥዕና ክውንነት ኣዝዩ እተሓላለኸን ኣጸጋምን ኢዩ። ኣብ ካመሩን ጽቡቕ ክንክን ጥዕና ሳሕቲ እዩ ዚርከብ ። እዚ ስምምዕ እዚ ንሃገርና ኼድሕና ይኽእል እዩ" በሉ።

ብፁዕነቶም ነዚ ዝበሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልብን መንበረ ጠበብ ኣጐስቲኖ ቤተሕክምና ጀመልን አብ ሮማ ዝርከቡን ኣብ ካመሩን ዚርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን እተገብረ ስምምዕ ኣመልኪቶም አብ ዝሃብዎ መግለጺ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ስምምዕ እዚ ናይ ምምህርናን ናይ ደገፍን ተመክሮታት ምልውዋጥ፣ ኣብ ናይ ሓባር ናይ ምርምር ውጥናት ምትሕብባር፣ መሳርሒታትን ናውትን ምርካብ፣ ንመምህራን ቀጻሊ ስልጠና ምሃብ፣ ምምሕዳራውን ተክኒካውን ሰራሕተኛታት ከምኡውን መምህራንን ተማሃሮን ናይ ምልውዋጥ ኣጋጣሚታት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ ።

ሓባራዊ ብልጽግና ዘለዎ ምድላው

እቶም ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝዓዩ ፕሮፌሰር ኮኮንቸሊ "ከም ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ  መጠን ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ናይ ምግባር ግዴታ ኣሎና" በሉ።

ብፁዕ ኣቡን ክላውድዮ ጁልዮዶሪ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ከም ሓፈሻዊ ናይ ቤተክርስቲያን ሓጋጋዚ ኮይኖም ዘገልግሉ ብወገኖም "እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ድሮ ብኣቴናዩም ዝፍለጥ ሰፊሕ መርበብ ሓበሬታና ዘበልጽግ ኢዩ። ኣባ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሓደ ኻብቶም ንኣህጉራዊ ፈደረሽን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዜተባብዑ ዝነበሩ ... ኣቀዲሞም ነቲ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎ ሓይሊ ልዕሊ ዅሉ ኣብቲ 'ካቶሊካውነቱ' ማለት፣ ኣብ ኣድማሳዊ ትውፊቱ፣ ማለት ኣብቲ ዝውንኖ ዓለምለኻዊ መርበብ ኸም ዝምርኰስ ድሮ ኣስተውዓሉ፣" ክብሉ መስከሩ።

ወሲኾም ድማ "ኣብዚ ሓድሽ ውጥን እዚ፣ ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ኣህጉራዊ ምትሕብባር፣ ንሓደ ዝማዕበለ ትካል ንድግፍ ኣሎና፣ እንተዀነ ግን ብፍላይ ንተመሃሮና ኣብ ምስልጣን ንባዕልና ብዙሕ ኢና እንቕበል ዘሎና፣" በሉ።

24 January 2024, 12:04