ድለ

POPE-AFRICA/ POPE-AFRICA/ 

ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ 'ብሓድነት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ' መልሲ አውጺኦም

ኣቦ መንበር ሰካም፣ (ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቅን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት) አቦ መንብንበር ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ነቲ "ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ዘይነቓነቕ ሓድነት" እንደገና ብምርግጋጽ፣ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ኣቡን ኣብ ሰበኻኡ ዘለዎ ምሉእ ናጽነት ብምጉላሕን፣ ቤተክርስቲያን ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣዋጅ 'ስኢል ተአምኖ' ኣስተንትኖአ ከም ዚቕጽል ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህሩ - ሃገረ ቫቲካን

"ነቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ርክብ ኣትሪሮም ብምርግጋጽ፣ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ብኣዋጅ ስኢል ተአምኖ  ዝቐረበ ካብ ሊጢርጊያዊ ሥርዓታት ወጻኢ ዝኾነ ቡራኬ ምንንም እንቅፋት ከይሃብካ ኣብ ኣፍሪቃ ክግበር ከም ዘይከኣል እምንቶኦም ምዃኑ ገለጹ።"

ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳን ኣቦ መንበር ሰካምን (ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤታት ብፁኣን ጳጳሳት ሕብረት) ብዛዕባ እቲ ብጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ኣዋጅ ‘ስኢል ተአምኖ’፣ ብፁኣን ጳጳሳት አፍሪቃ አብ ጉዳያት እቲ "ካብ ሊጡርጊያዊ ሥርዓታት ወጻኢ ዝኾነ" ቡራኬ ብዝምልከት ዘለዎም መርገጺ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እታ ብ18 ታሕሳስ እተሓትመት ስኢል ተአምኖ ዘርእስታ ኣዋጅ፣ ብመሰረት ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቶም አብ ዘይንቡር ሓዳር ዝርከቡን፣ እንተላይ ነቶም መጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባትን ብራኼ ክወሃቦም ይኽእል ዝብል ተኽእሎታት እዃ እንተ አቕረበ፣ እዚ ቡራኬ እዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ኣገባባትን ሥርዓታትን ወጻኢ ኮይኑ፣ ንቃል ኪዳንን ሥርዓተ መወስቦ ብዝመስል መገዲ ክግበር የብሉን ዝብል ኣዋጅ ኢዩ ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ በታ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 11 ጥሪ ዝኸተምዋ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ እዚ አመልኪቶም ኣብ እተገብረ እተፈላለየ ሃገራዊ ዀነ ኣህጉራዊ ጉባኤታት ብፁኣን ጳጳሳት ዝተወስደ መርገጺ "ጽማሬ ሓሳባት" ዘቕርብ መልእኽቲ አመሓላሊፎም ።

ብመሰረት እታ መልእኽቲ ከም ዝገለጽዎ፣ ዓዋጅ ‘ስኢል ተአምኖ’ ንላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርስቲስን ከም ዘሰንበዶምን፣ ከምኡውን "ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ቅኑዓትን ውፉይትን ምእመናን ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ግጉይ ርድኢትን ምድንጋራትን ከም ዝዘርአን፣ ሓያል ተቓውሞ እውን ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ እዮም፣" ገሊጾም።

ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣብ መልእኽቶም ነዛ መልኽቲ "ብፍቓድ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ከምኡውን ብፍቃድ ናይቶም ብጉዳይት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ከም ዝጸሓፍዋ" ገሊጾም ።

ኣቡናት ኣህጉር ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ሓድነትን ርክብን ከም ብሓድሽ ኣጽኒዖም የረጋግጹ። "እቲ ኣብ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ስድራቤት ኣምላኽ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብቶም እተፈላለየ መልእኽቶም ምስቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ጳጳስ ዘለዎም ዘይነቓነቕ ሓድነትን ርክብን ብምጥቃስ፣ ከምኡውን ንወንጌል ዘለዎም ተኣማንነት እንደገና ብምርግጋጽ ኢዮም ዝጅምሩ።"

ይኹን እምበር ካርዲናል ኣምቦንጎ ኸም ዝገለጽዎ እዞም ጳጳሳት ዋላ እውን ካብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ወጻኢ ዚግበር እንተ ዀነ ነመጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት ንኣብ ዘይንቡር ሓዳር ዝነብሩ ሰባትን ቡራኬ ምሃብ ብልሽውናን ዕንቅፋትን ኸም ዘምጽእ ኢዮም ዚኣምኑ።

ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እዞም ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ብሓፈሻ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣቡን ኣብ ሰበኻኡ ናጻ ዀይኑ ክውስን ኢዮም ዝመርጹ፣ ንመጻድቲ ሓደኣዊ ጾታ ድማ ቡራኬ ከም ዘይወሃቦም ኢዮም ዝወሰኑ ።”

ካርዲናል ኣምቦንጎ ንካህናትን ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንዅሎም ምእመናን አብ ዘመሃላለፍዎ መልእኽቶም "እቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ክርስትያናዊ መውስቦን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ዘለዋ ትምህርቲ ዓንቀጸም እምነት ኣይተቐየረን" ብምባል ብንጹር ኣመልከቱሎም ኣመሓላለፉ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ስለዚ ንሕና ኣቡናት ኣፍሪቃ ንመውስቦ ሓደአዊ ጾታ ወይ ንመጻመድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝኾኑ ሰባት ክንባርኽ ይከአል ኢዩ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ከመይሲ እዚ ኣብ ዘሎናዮ ከባብን ኩነትን ሕንፍሽፍሽን ምድንጋራትን ዝፈትር ኢዩ፣ ምስ ባህላዊ ስነ-ምግባርናን ምስ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ኸኣ ብቐጥታ ዝጋጮ ኢዩ።" ምስ በሉ ቀጺሎም ድማ "እቲ አብ ስኢል ተአምኖ እተጠቕሙሉ ቋንቋ ኣዝዩ ረቂቕ ስለ ዝዀነ ተራ ዝኾኑ ሰባት ኪርድእዎ ዝከአል አይኮነን ። ኣብ ርእሲ እዚ ውን ኣብ ርጉእ ሓዳር ዝነብሩ መጻምድቲ ሰብ ሓደኣዊ ጾታ ንዝኾኑ ሰባት ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ኩነት ሓዳር ከም ዘይንቡር ምዃኑ ንምእራምን ምርዳእን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝገብሮ።"

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እዛ ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ቤተ-ክርስትያን "ንዅሎም ኣባላታ ብቐጻሊ ናይ ጕሳነት ደገፍ ንምሃብ ተበግሶታት ከም እትገብር" እንደገና ተረጋገጹ ።

ካርዲናል ኣምቦንጎ አብ መልክእኽቶም ካህናት "ብፍላይ ኣብ ዘይስሩዕ ኵነታት ሓዳር ንዘለዉ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሎም ንኽቕበልዎምን ንኽድግፍዎምን ምትብባዕ ክህብዎምን ይግባእ” በሉ ።

ብፁዕነቶም አስዒቦም  - "ናይ ኣፍሪቃ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ነቶም ዝንባሌ ሓደኣዊ ጾታ ዝለዎም ሰባት ብኣኽብሮትን ብኽብርን ክቐርብዎም ከም ዘለዎም ብምምዓድ፣ እዞም ሰብ ሓደዓዊ ጾታ ዝኾኑ  ዝገብርዎ መውስቦ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝጻረርን እሞ ከአ ቡራኬ ቤተ-ክርስትያን ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ከዘኻኽርዎም አለዎም።" በሉ።

ቤተ-ክርስትያን ብቀጻሊ ከም እተስተምህሮ ተግባራት ሓደኣዊ ጾታ "መሰረታዊ ዝኾነ ብልሽውና" ከም ዝኾነን፣ ከምኡውን "ምስ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዝጻረር" ከም ምዃኑን ገለጹ ።

"ገሊአን ሃገራት ነቲ ነዚ ቡራኬ እዚ ናይ ምሃብ ተክእሎ ብዘይተጽዕኖ ንምዕማቝ ዝያዳ ግዜ ክህልወን ኢየን ዝመርጻ፣ ናብ ተግባራውነቱ ከይ ሓላፋ" ድማ በሉ። "ዝዀነ ዀይኑ ካብቲ ቡራኬ አብ ዘይንቡር ሓዳር ንዘለዉ ሰብት ፈሊና፣  ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ጕስነት ካህናት ዝግበር ዘለዎ ተራን ኣንደበታዊን ቡራኬ ንዝዛራብ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ናይዚ ሰነድ እዚ ከነስተንትን ክንቅጽል ኢና።"

ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ኣምቦንጎ ንክርስቲያን ምእመና "ከይናወጹ" ተማሕጸንዎም።

ብፁዕ ካርዲናል አብ መልእኽቶም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባዕሎም ዝበልዎ ከምዚ ክብሉ ይጠቕሱ  "ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበር ባህላዊ መግዛእትታት ኣበርቲዖም ይጻረርዎ፣ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ብምሉእ ልቦም ድማ ይባርኽዎም፣ ንክርስትያናዊ እምነትን ስነምግባራዊ ክብርታቶምን ዝጣበቑ ምእመናን ኰይኖም ክቕጽሉ ድማ የተባብዖም ኢዮም! " በሉ።

12 January 2024, 16:50