ድለ

SPAIN-SENEGAL-EUROPE-MIGRANTS SPAIN-SENEGAL-EUROPE-MIGRANTS 

ርእሴ ብሄር ደሴታት ካናሪ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ስደተኛታት ኣብጺሑ

ርእሰ-ብሄር ደሴታት ካናሪ ፈርናንዶ ክላቪጆ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክልተ መልእኽትታት ኣብጺሑ፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ብዛዕባ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ስደተይናታትን ዘትዮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ካብ ቅዱስነቶም ዝዀነ ይኹን ነገር ዝሓትት ሰብ ኣይኰንኩን፣ እንተዀነ ግን ምቹእን ኣገዳስን ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፣ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ሒደት ዘተባብዕ ቃላት ክውፍየሎም ይከአል እንተኾይኑ፣ ከመይሲ ቅዱስነቶም ነቲ ዘለዎም ፍሉይ መሰልን ጽፍሕን ተጠቂሞም ምስ ዝዛረቡ ኣብ መላእ ዓለም ክስማዕ ስለዝኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ዘሎ ኣቕዋምን ከምኡውን ባህሊ ንምቅርራብን ንምትሕብባር ድምጺ ንኽኾኑን፣  ርሕራሐ ኸም ንምኹስኳስን ንምስፍሕፋን ስለ ዝሓለንኩ ኢየ።"

ማማዱ ማላል ዲያሎ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝጸሓፋ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ፣ ንባዕሉን ነቶም ንኻልኦት ኣብ ደሴታት ካናሪ ዝርከቡ ዝለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ድምጺ ክኾንዎም ይሓቶም ።

እዚ መልኽቲ እዚ ድማ ርእሰ-ብሄር ደሴታት ካናሪ ፈርናንዶ ክላቪጆ ባትል ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብጽሓሎም፣ ቅዱስነቶም ውን ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ተቐቢሎም አብ ዘዘራረብዎ ነዚ መልኽቲ ተቐበልዎ ።

ምስቶም ኣሰነይቶም ድማ ምክትል ርእሰ-ብሄር ማኑወል ዶሚንጐዝ ጎንዛሌዝን ከምኡ ውን ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት አቡነ በርናርዶ ኣልቫረዝ፡ ኣቡነ ሆሴ ማዙዌሎስን ከምኡውን ኣቡነ ክሪስቶባል ደኒዝ ወከልቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ደሴታት ካናሪ ኮይኖም፣ አብ ደሴታ ካናሪ አብ ምክንኻን ስደተይናታት ኣብ መዓስከራትን ምቕባልን፣ ምዕዳል መግብን መጽለልን ብዙሕ ዝዓዩ ኢዮም ።

መልእኽትታት ስደተኛታት

እዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክብ ኣስታት 40 ደቓይቕ ኣቢሉ ዝወሰደን፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ክልተ ደብዳቤታት ስደተይናንታት ኣብ ኢድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘብጽሐን አጋጣሚ ኢዩ ዝነበረ፣ እታ ሓንቲ መልእኽቲ ኻብ ማማዱ ጊኒ እያ ዝነበረት ።

ኣብታ ደብዳበ ብዛዕባ እቲ ብ2008 ከመይ ኢሉ ኣባኡ ከም ዝበጽሐ፣ ብዛዕባ እቲ ኣባኡ ዘጋጠሞ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋትን ባህላዊ ነውጽን ከምኡ ውን "ንከማኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝኾነ ዕድላት ዘይምህላውን" ኸምኡውን ነቲ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት ከም ባህላዊ ማእከላይን ተርጓምን ኰይኑ ዝዓዮ ዝሎ ዘዘንቱ ኢዩ ።

እታ ኻልአይቲ ደብዳበ ከአ ካብ እተወሰኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እተላእከት ኮይና፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ህጻናት እዮም፣ ኣብታ ካብተን ደሴት መሪድያን ኤል ሂሮ እትብሃል ዚነብሩ ኢዮም ። ማለት አብታ ካብተን እኩባት ደሴታት እታ ዝነኣሰት ደሴት ኮይና፣ ኣብቲ ሓደገኛ ዝዀነ "መገዲ ትላንቲካዊ ውቅያስ" ብቐጥታ እትርከብ ኢያ፣ ኣብ ገማግም እዛ ደሴት ከኣ ብቐጻሊ ስደተይናታት ይውሕዙ ኣለዉ ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ልዕሊ 1,100 ስደተይናናት፣ ከምኡ ውን  አብ ዝሓለፈ ቀዳም 650 ስደተይናት ኣትዮም ።

ርእሴ ብሄር ደሴታት ካናሪ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ስደተኛታት ኣብጺሑ
ርእሴ ብሄር ደሴታት ካናሪ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ስደተኛታት ኣብጺሑ

'ዕልቕልቕ' እኳ እንተ ኾነ ክቕበልዎም ፈቐደኛት ኢዮም

እዚ ድራማ ዘይኮነስ ሓቀይና ህይወት ኢዩ፣ እዚ ነቶም ካብ ጥሜትን ጽምእን ሞትን ብዝሃድሙ ሰባት ዘዕለቕለቐ ሃገር ሕጅውን ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎምን ሓድነት ከርእዩን ፍቓደኛታት ምዃኖም ብሓቂ ዘገርም ኩነት ኢዩ ።

እቶም ስደተኛታት ባዕላቶም ካብ መረበቶምን ስድራቤቶምን ብኸመይ ከም ዝወጹ ንምግላጽ ኣብታ ደብዳበ ከምዚ ይብሉ - "ካብቶም እንናፍቖም ስድራቤትና ምፍላይ ቀሊል ኣይነበረን፣ እንተዀነ ግን ኣብኡ ኣብ ሓደጋ ኢና ዝነበርና፣ ክንመሃር ኣይንኽእልን፣ ንስድራቤትና ንምምጋዝ ስራሕ ኣይነበረናን ልብና አውዲቕና እንአምኖም ምንም ኣጋጣሚ ስለዘይብልና ኣባኡ ምንባር ክንቅጽል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ፣" ይብሉ ።

በዚ ኸምዚ እምበር ብመልእኽትታቶም ኣቢሎም ንዅሎም እቶም ዚድግፉናን ዚሕግዙናን ትምኒታትና ንምፍጻም ብቐጻሊ ኽንቃለስ ዜተባብዑናን ህዝቢ ኤል ሂሮ "ካብ ልቢ አመስግነኩም " ክብሉ ምስጋናኦም ይገልጹ ። ክንመሃርን ከነጽንዕን ምስ ዓበና ኸኣ ንስድራቤትና ክንሕግዝን ክንሰርሕን ንደሊ ኢና።" ድማ ይብሉ።

ምትሕብባርን ምዕብልናን ንኣፍሪቃ፦

ርእሰ ብሄር ካናሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ምርኻብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ጕጅለ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክብ እንክገልጹ፣ ነዚ ዅሉ ኸም ዝነገሮም ኣዘንተወሎም ።

ቅዱስ ኣቦና ጽን ኢሎም ይከታተልዎ ከም ዘለዉን፣ የገድሶም ከም ምዃኑን ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኣጸቢቆም ከም ዝግደሱ ድማ መስከረ ።

"ኣነን ምክትል ርእሰ-ብሄር ማኑወል ዶሚንጐዝ ጎንዛሌዝን ጸገም ስደት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኺፍታሕ ከም ዚኽእል ፖሊሲታት ምትሕብባርን ምዕብልናን  ከም ዜድልየና ኽንዘራረብ ክኢልና ኢና" ድማ በለ።  ኣስዒቦም ውን “ሰብኣውነት” ነዚ ክርስዕ የብሉን፣ እዚ ድማ “ሰባት ካብ ራዕድን ጥሜትን ሞትን መከራን ከም ዝሃድሙን ከምኡውን ሕዝብታት ደሴታት ካናሪ ውን ሓደ እዋን ስደተኛታት ምንባሮም ክርሳዕ የብሉን።" ክብሉ መስከሩ።

ሓገዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብ20 ሕዳር እተጻሕፈት ደብዳበ ናብ ጳጳሳት ደሴታት ካናሪን ንዅሎም ተቐማጦን "ነቶም ዝሳቐዩ ኣፍ ደገ ልብኹም ስለ ዝኸፈቱሎም ኣመስግነኩም" ክብሉ ኣመስገንዎም ።

ከም ኩነታት ናይቶም ናብቲ ከባቢ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተይናታት እዚ መንገዲ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ "ኣዝዩ ሓደገይና" ኢዩ፣ ከምኡውን ብዓይኒ እቶም ተቐበልቲ ስደተናይናታት ውን ኺርአ ኸሎ ኣዝዩ ሓደገይና ኢዩ። "ብ2023 ናብ ገማግም ባሕርና ዝመጹ 40,000 ዝዀኑ ስደተይናታት ይርከቡ፣ 70 ሚእታዊት ካብቶም ናብ ስጳኛ ተሳጊሮም ይርከቡ። ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 16 ሰባት ይሞቱ አለዉ፣" ብምባል ክላቪጆ ኣመልኪቱ።

ብሓባር ምዕያይ

ምክትል ርእሰ ብሔር ዶሚንጐዝ ብወገኖም "ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት በይንና ኽንዋጽኦ እንኽእል አይኮነን" በለ። "ኣዚና ኢና ብስደተይናታት ኣዕለቕሊቕና ዘሎና፣ ንኽንሕግዞም ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኣሎና፣ ንተሓባበር ኣሎና እንተዀነ ግን እኹል አይኮነን ።"

መራሕቲ እተን ደሴታት ሎሚ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝገብርዎ ምብጻሕ "ንኣውሮጳውያን ትካላትን መንግስቲ ስጳኛን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ብዛዕባ እታ ብድርቂ፣ ውግእ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ትሳቐ ዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ አጸቢቖም ንኽፈልጡ ክሕግዞም ዘኽእል ኣጋጣሚ ኢዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም። " ይብል።

ርእሴ ብሄር ደሴታት ካናሪ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ስደተኛታት ኣብጺሑ
ርእሴ ብሄር ደሴታት ካናሪ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ስደተኛታት ኣብጺሑ

መሰነይታ ዘይብሎም ርሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘሕለፍዎ ዅነታት

ከምቲ እዞም በጻሕቲ ኣጋይሽ ንመራኸቢ ብዙሓን ዝገለጽዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባዕሎም ውን "ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ክብሉ ምእንቲ ከይስደዱ ኣብ ኣፍሪቃ ፖሊሲታት ምምዕባል ክዕየየሉ  ዘለዎ ምዃኑ ምፍላጥ ኣድላዪን ኣገዳስን ምዃኑ ገለጹ ። ብዛዕባ እዚ ኺጽሊ እዩ፣ ንሳቶም እውን ንዘለኣለም ከመስግኑ ኢዮም ።" ክብሉ መስከሩ።

ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ፣ ወትሩ ኣፍደገኦም ከይዓጽውሎም የግዳስ ንኹነታት ነፍሲ ወከፍ ተቐበልቲ ሃገራት ውን ምግምጋም ወትሩ  ርእሰ ኣገዳሲ ምዃኑን ከምኡ ውን ብዛዕባ ጕዳይ ናይቶም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት "ኣብ ዞባና እንታይ ንገብር ከም ዘለና ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። " ክብሉ መስኪሮም።

ቍጽሪ ናይዞም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዘሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጕዳያት ኢዩ፣ ከመይሲ ቍጽሮም እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ "ምስቲ ሕብረተሰብ ናይ ምትሕውሳስን ምስናይን ኩነታት ብሓቂ ኣጸጋሚ ኢዩ፣ ናይ ህጻንነትን ከምኡውን ናይ ህይወት መሰሎም ንምርግጋጽ ዳርጋ ዘይከኣል ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ጉዳይና ከም ናቶም ገይሮም ጽን ኢሎም ምክትታሎም ኣዝዩ ዘገርም ነገር ኢዩ ድማ ክብሉ መስከሩ።

ነተን እኩባት ደሴታት ክበጽሐን ዕድመ ቐረበሎም

ኣብ መንጎ ሰላምታን ቡራኬን ህያባት ምልውዋጥን ዝገበርናዮ—ሓደ ጳጳሳዊ ሰነድ ናይ 1462 ናብ ሓደ ጳጳስ ደሴታት ካናሪ ዝተላእልከት ነቶም ደቀባት ኣቦርጅን ናይታ ሃገር ባሮት ንዝገብርዎም ዝነበሩ ሰባት  ዝውግዝ ስልጣን ዝህብ ኢዩ ዝነበረ፣  ከምኡውን ካብ ላ ላጉና ዝመጸ ምቁር ህያባት ተለዋወጡ — ርእሰ-ብሄርን ምክትል ርእሰ-ብሄር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብተን እኩባት ደሴታት ንኽበጽሕዎም ዕድመ ኣቕረቡሎም "መጺእኩም ክትበጽሑና ንደሊ አሎና ኢልናዮም ። ነቶም ኣቡናት እውን ክዕድምዎ ሓቲትናዮም አሎና።" ክብሉ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸንሖምም ግዜ ይገልጹ።

16 January 2024, 13:17