ድለ

ጳጳሳት ካመሩን ኣብ ዞባታት ሰሜንን ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቀምትን ዝፍጸም ዓመጽ ይኹንኑ ጳጳሳት ካመሩን ኣብ ዞባታት ሰሜንን ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቀምትን ዝፍጸም ዓመጽ ይኹንኑ 

ጳጳሳት ካመሩን ኣብ ዞባታት ሰሜንን ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቀምትን ዝፍጸም ዓመጽ ይኹንኑ

ኣብ ማሩዋ-ሞኮሎ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኦም ዝካየዱ ጳጳሳት ካሜሩን ንኹሎም ኣብ ዞባታት ርሑቕ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ግዳያት ዓመጽ ንዝኾኑ “ቀጻሊ ኣቦኣዊ ምሕጽንታኦምን ቀጻሊ ጸሎቶምን” የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ካሜሩን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስቶም ኣብቲ ምስ ናይጀርያ ዝዳወብ ሰሜናዊ ዞባ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብግጭት ዝተዓብለለን ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ዝርከቡሉ ዞባታት፡ ካብ 2017 ዓ.ም. ጀሚሮም ምስቲ ቋንቋ ፈረንሳ ተጠቓሚ ዓብላሊ ዝኾነሉ ማእከላይ መንግስቲ ንምፍላይ ናይ ናጽነት ቃልሲ ኣብ ዘካይድሉ ቦታታት ግዳያት ዓመጽ ንዝኾኑ ኩሎም ጸሎትምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ካመሩን (NECC) ኣብ ዕለት 13 ጥሪ ኣብ መዛዘሚ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣብ ሃገረ ስብከት ማሩዋ-ሞኮሎ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቶም ጳጳሳት ነቲ ካብ ጎረቤት ሃገር ናይጀርያ ዝመጹ እስላማውያን ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም ዝፍጽምዎ “ዘስካሕክሕ ተግባራት” ከምዘሕዝኖም ገሊጾም ነቲ ተግባር ዓመጽ እውን ከም ዝኾነኑን ኣፍሊጡ።

መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜን

መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ኣብ ናይጀርያ ክፍለ ግዝኣት ቦርኖ ኣብ 2009 ዓ.ም. ዝጀመረ ኮይኑ፡ ናብ ካሜሩን፡ ጫድን ኒጀርን ሓዊሱ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምዝርጋሕ ኣብ ዶብ ዝርከባ ዓድታት ራዕዲ ይዘርእ ምህላዉን ኣብ ርሑቕ ሰሜን ካሜሩን፡ እቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 320 ሽሕ ሰባት ካብቲ ዞባ ክሃድሙን ክመዛበሉን ከምዘገደደን ገሊጾም፥ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን በቶም ቋንቋ እንግሊዘይና ተጠቀምቲ ሓይልታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግፍዒ እውን ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም፥

ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ዘሎ ቅልውላው ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና

ማእከላይ መንግስቲ ኣብ 2016 ዓ.ም.  ኣብ መጀመርታ ስሳታት ካብ ናጽነት ጀሚሮም ነታ ሃገር ክመርሕዋ ዝጸንሑ ዓሌታት ተጠቀምቲ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ማሕበረሰብ ዝፍጽምዎ ኣድልዎን ሕራጎትን ብምቅዋም ማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ዘበገስዎ ናይ ናጽነት ቃልሲ፥ ስዒቡ ዝቕጽል ዘሎ ስእነት ሰላም ከም ዘሰክፎም እውን ሓቢሮም፥ ኣብዞም ከባቢታት ትምህርቲ ምቁራጽ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከም ዘሎን ምስ ሽፍትነት ጎኒ ጎኒ ኣብ ህዝባዊ ህይወትም ዝተፈላለዩ ሓደጋታት የስዕብን እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ክፍሊ እታ ሃገር ሰባት ምጭዋይ ልሙድን ናይ ብሓቂ ንግዲ ኮይኑ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡

ምንቲ ሰላም ምዕያይ

ካሜሩናውያን ጳጳሳት “ኣብ ተልእኾ ዘላ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ኣኼባኦም ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ኣብታ ሃገር” ከምዘሕዝኖምን “ቀጻሊ ኣቦኣዊ ምሕጽንታን ቀጻሊ ጸሎቶምን ንኹሉ” ብምርግጋጽ ብጀካ’ዚ፡ ብዛዕባ “ኣብ ሞንጎ ህዝቢ እናዓበየን እናሓንከረን ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት” ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም: “ዝዓበየ ፍትሒ: ምትሕግጋዝ: ጻዕሪ: ከምኡውን ኣብ ኣምላኽ ቀጻሊ ምትእምማን” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣይሲኣይ ኣብ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሪቃ፥ ናይ ካመሩን  ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ባማመንዳ ሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪው ፏንያን ከኣ ኩሎም ዜጋታት ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሃገር “ሓቀይና ሰላም” ክጭበጥ ንምርግጋጽ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ተስፋ ከይቆርጹ ኣጠንቂቑዎም፥"ኩሎም ካሜሩናውያን ሰላም ንምፍቃር፡ ንሰላም ንምስራሕ፡ ከምኡ'ውን ውሕስነት ካሜሩን ምእንቲ ዝኾነ ሰላም ንምርግጋጽ ክፉታት ክኾኑ ኣለዎም ቢልና ንሓስብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣይሲኣይ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

16 January 2024, 16:00