ድለ

Aftermath of attack at Italian Santa Maria Catholic Church in Istanbul Aftermath of attack at Italian Santa Maria Catholic Church in Istanbul 

ፓትርያርክ በርጠሎሜዎስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ድሕሪ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ንካቶሊካውያን ቅርበቶም ገሊጾም

ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኤቁመናዊ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ምስቶም ናይ ኢስታንቡል ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ጻውዒት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቱርኪ -ኢስታንቡል ኣብ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘድራፐሪስ ዝወረደ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝተሰምዖም ሓዘንን ቅርበርን ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢስታንቡል ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘድራፐሪስ፣ ሓደ ወዲ 52 ዓመት ሰብኣይ ድሕሪ ምቕታሉ፣ እቶ ናይ ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቁመናዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ በርጠሎሜዎስ ቀዳማዊ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ምጽንናዖምን ነቕ ዘይብል ደገፎምን ገለጹሎም።

ፓትርያርክ በርጠሎሜዎስ ነዚ ምስ ሰምዑ ንብፁዕ ኣቡን ማሲሚልያኖ ፓሊኑሮ ናይ ኢስታንቡል ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ብስልኪ ረኺቦም ዝተሰምዖም ሓዘንን ቃል ምጽንናዕን ነቶም ሓዘንተኛታት ስድራቤት ናይቲ ግዳይ ኣብ ክንዲ ገዛእ ርእሶምን መላእ መንበረ ስብከቶምን ገሊጾም ።

እስላማዊ መንግስቲ በቲ ዝውረዶ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ

ብሰንኪ እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ኽልተ ብረት እተዓጥቁ ሰባት ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 47 ዝኾኑ ጥርጡራት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ክልተ ኻብቶም እተኣስሩ ጥርጡራት በቲ ትማሊ ሰንበት እተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝዀኑ ምስቲ እስላማዊ መንግስቲ ISIS ዝተሃባበሩ አባለት ከም ምዃኖም ተአሚኖም አለዉ።

ድሕሪ እቲ ብዕለት 31 ታሕሳስ 2017 ኣብ ኢስታንቡል ብምኽንትያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝካይድ ዝነበረ ክበብ ሪያና ለይታዊ ትልሂት እተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ፣ ኣብታ ሃገር እቲኣ 39 ሰባት ዝሞቱሉ ናይ መጀመርታ መጥቃዕታዊ ግብረ-ሽበራ እዩ ዝነበረ።

ርእሰ ብሔር ሃገር ቱርኪ ሬስፕ ታይፕ ኤርዶጋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኵሉ ሓይልታት ጸጥታን መሳርሒታትን እታ ሃገር ናብ ኩሉ ተዘርጊሁ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ፓትርያርክ በርጠሎሜዎስ ኣብቲ ምስ ኣቡነ ፓሊኑሮ ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ እቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቖም ንኽምርምርዎ ኣብ ዝገብርዎ ቘራጽነት ዘለዎም ምትእምማን ገሊጾም፣ ፍርሂ ደው ንምባልን ንሰላማዊ ህላወ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብ ቱርኪ ንኸይዝረግ ምክልኻልን ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነዚ ኩነታ እዚ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ አመልከቱ ። ከምዚ ድማ በሉ - "ምስ ማሕበረሰብ ኢስታንቡል ዘሎኒ ጥቡቕ ቅርበት እገልጽ፣ ገለ ዕጡቓት ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓደ ሰብ ከም ዝቀተሉሎምን ንካልኦት ድማ ከም ዘቁሰልዎምን ብሓዘን ሰሚዐ ኣሎኹ ።” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

30 January 2024, 12:36