ድለ

ዕጡቓት ኣብ ሃይቲ ሽዱሽተ መነኮሳት ጨውዮም ዕጡቓት ኣብ ሃይቲ ሽዱሽተ መነኮሳት ጨውዮም  (ANSA)

ዕጡቓት ኣብ ሃይቲ ሽዱሽተ መነኮሳት ጨውዮም

ኣብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ብውሑዱ ሽዱሽተ መነኮሳትን ካልኦትን ብዕጡቓት ሰባት ጅሆ ከም እተተሓዙ ምንጭታት ዜና ሃይቲ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃይቲ ልክዕ ከም ኮቪድ - 19 ንህዝቢ ዝውሽብ ዘሎ ለበዳ ዓመጽ ንምዕጋት ትቃለስ ኣላ። ኣብ ማእከል እዚ ህውከት እዚ፡ ሽዱሽተ ደናግል ኣባላት ማሕበር ቅድስቲ ሃናን ካልኦትን ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ንእሽተይ ኣውቶቡስ ምስ መራሒኣ ከም ዝተጨውዩ ምንጭታት እቲ ከባቢ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ጭውያ ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተፈጸመ ምዃኑ የመላኽት።

ጻውዒት ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን

ጉባኤ ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ሃይቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረጋገጸ ጭውያ ብጳጳስ ፒየር-ኣንድረ ዱማስ እውን ብትሪ ዝተወገዘ ኮይኑ። እዞም ናይ ሰበኻ ዓንሰ-ኣ-ቬዮን ሚራጎናን ጳጳስ "እቲ ተግባር ፍንፉንን ጭካነ ዘመልኦ ክብሪ ናይተን ገዛእ ርእሰን ንእግዚኣብሔርን ንህዝበ እግዚኣብሔርን ዘወፈያ መንእሰያትን ድኻታትን ኣብ ምህናጽ ዝተዋፈራ ዝፍጽምኦ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ዝጻረር እዩ" እንክብሉ  ከም ዝኾነኑን እተን ደናግልን ኩሎም ጅሆ ዝኾኑ ናጻ ክልቐቑ እዚ ዘሕዝንን ገበናውን ተግባራት ደው ክብልን፥ ይጽውዑ። ጳጳስ ዱማስ "ሕብረተሰብ ሃይቲ ኣብ ዙርያ ኩሎም ዝተጨውዩ ሓቀይና ዓንኬል ምትሕግጋዝ ንምፍጣር ኢዶም ክተሓባበሩን እቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ናጻ ክልቀቑን ቅልጡፍን ውሑስን ምምላስ ናብ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ክረኽቡ ጻውዒት የቕርቡ።

ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዕጡቓት ጕጅለታት ቅትለታዊ ንጥፈታቶም ከሐይሉ እንከለዉ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣንጻር ስእነት ጸጥታ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ከም ዘሎን ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ዞባ ሶሊኖ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ዓመጽ ዝመልኦ ምልውዋጥ ተኹሲ ምክያዱን ኣብቲ ዝተኽያደ ግጭት ካብ ጎረቤት ዞባ ቤል-ኤር ዝመጹ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተጸንብርዎ ኮይኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር በቲ ግጭት ኣስታት ዕስራ ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብሩ።

ሰልፍታት ኣንጻር ናዕቢ

ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ መዓልታት ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ጸረ-መንግስቲ ሰልፍታት፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዕጸፋርስን ገበን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኣሲሩ ዝነበረ ነበር ሓላፊ ጸጥታ ሃይቲ ፖለቲከይና ጋይ ፊሊፕ ዝምራሕ ከም ዝኾነን ሰልፈይናታት ነቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ካብ ዝቕተል ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሔ መግንስቲ ኣሪኤል ሄንሪ ስልጣኑ ክለቅቕ ይጽውዑ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሃይቲ ጠቒሱ የመላኽት።

20 January 2024, 16:51