ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ሙራድ፡ ዓለም ንህዝቢ ሶርያ ንሞት ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎ ይመስል ሊቀ ጳጳሳት ሙራድ፡ ዓለም ንህዝቢ ሶርያ ንሞት ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎ ይመስል 

ሊቀ ጳጳሳት ሙራድ፡ ዓለም ንህዝቢ ሶርያ ንሞት ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎ ይመስል

ኣብ ሶሪያ ናይ ሆምስ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ዝገብሮ ዝነበረ ሓፈሻዊ መደብ ሓገዝ መግቢ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ነቲ ብጥሜት ክመውት ኣብ ሓደጋ ንዝወድቕ ህዝቢ ሶርያ ሓገዝ ክቐርብ ጎስጓስ የበግሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ መርሓግ ግብሪ መግቢ ዓለም (WFP) ንሶርያ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብፍርቂ ከምዝነከየ ከም እተገልጸን። ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ ኣብ መላእ ሃገረ ሶርያ ዝገብሮ ዝነበረ ሓፈሻዊ መደብ ሓገዝ መግቢ ኣቋሪጹ ኣሎ።

ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሶርያውያን ብሰንኪ እቲ ንኣስታት 13 ዓመታት ንሶርያ ዘዕነዋ ኲናትን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ምስ ቱርኪ ዝዳወብ ከባቢታት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ኣብ ኣወሃህባ መግብን መሰረታዊ ድሌታትን ብርቱዕ ክትገልጾ ዘይከኣል ጸግም የስዕብ ኣሎ ይብሉ።

'ዘስካሕክሕን ዘይፍትሓውን ውሳነ' ምቁራጽ ሓገዝ መግቢ ውድብ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም

እቲ ናይ ምወላ ቅልውላው ምስ ለበዳ ኮቪድ፡ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብሪሁ። ሕጂ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ኣብ ከቢድ ውሕስነት መግቢ ከም ዝርከቡ ድማ ይግመት።

“ህዝቢ ሶርያ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ክመውት ተፈሪድዎ ኣሎ” ክብሉ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሶርያ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ሆምስ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ሊቀ ጳጳሳት ጃክ ሙራድ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ዘስካሕክሕን ዘይፍትሓውን ውሳነ እዩ . . . ንዓና ዓለም ንህዝቢ ሶርያ ‘ድምጽኻ ከየስምዕካ፡ ዋላ ሓንቲ ከይበልካ ክትመውት ተፈሪድካ’ ትብሎ ዘላ እዩ ዝመስል። ንምንታይከ? ህዝቢ ሶርያ እንታይ እዩ በዲሉ?

ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ድሌታት ክትሽፍን ኣይትኽእልን እያ

ህዝቢ ሶርያ ድሕሪ ናይ ዓመታት ኲናት ዘሕለፎ መከራ ዝድረኽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንኹሉ ተስፋታቱ ንኸጥፍእ ዝገብር ኩነታት የንብረሉ ኣሎ ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ሞራድ፥ ውሳነ ውድብ መርሓ ግብሪ ዓለም “ንህዝቢ ሶርያ ናብ ፍጹም ተስፋ ምቑራጽ ክድርብዮ እዩ፣ እምነትናን ተስፋናን ክንርእይ ዝድርኸና ብርሃን ከየጥፍእ እውን ንሰግእ እዚ ድማ ንዓና መወዳእታ እዩ ዝኸውን።

ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሶርያ ተኣምራት ዝሰርሑ ይመስሉ፣ ብኹሉ መዳይ ንህዝቢ ኣብ ምድጋፍ ህልው ብምዃኖም።

ሎሚ ዳርጋ ንኽልተ ሲሶ ህዝቢ ሶርያ ዘገልገለ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራጹ፡ ሰባት ገና ብጥሜት ከምዘይሞቱ ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ሕቶ የእትዎም ኣሎ።

“ቤተ ክርስቲያን ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኮይና ንኹሉ ድሌታት ህዝቢ ሶርያ ክትሽፍን ኣይትኽእልን እያ ምኽንያቱ ቁጠባዊ ዓቕማ ድሩት ስለዝኾነ” እንክብሉ ሊቀ ጳጳስ ሞራድ ይገልጹ።

ሶርያውያን ንሞት ተፈሪዶም

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ንሓገዝ ሶርያ ክውዕል ዝድለ ሃብቲ ገንዘብ ናብ ሶርያ ንምብጻሕ ብሰንኪ እቲ ብኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተገብረ እገዳ ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ፡ “እንታይ ንገብር? ህዝቢ ሶርያ ከመይ ኢሉ ክነብር ይኽእል?"፡ ድሮ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ሶርያ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሳዕ ጥራሕ ክምገቡ ጀሚሮም እዮም፣ “ናፍታ ይኹን ዕንጨይቲ ክንገዝእ ስለዘይንኽእል ኣብ ቤትካ ማሙቕ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ረሲዕናዮ ኣለና፤ ውዑይ ማይ እንታይ ምዃኑ ረሲዕናዮ ኣለና፤ ሕብረተሰብ እንታይ ማለት ምዃኑ ረሲዕናዮ ኣለና። ኣብ ሶርያ ዘለዋ ከተማታት ድማ ብርሃን ስለ ዘይብለን ኣብ ፍጹም ጸልማት ኢና እንነብር ዘለና።”

 “ብርግጽ እቶም ናይ ጠቕላላ ህብዚ ሃብቲ ዝውንኑ 5 ሚታዊ ዝኾኑ ሃብታማት ንኹነታት ህዝቢ ሶርያ ዝውክሉ ኣይኮኑን።”

ሕጂ እቲ እንኮ ተስፋኦም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ምዃኑን፡ ነቲ ብሙሉእ ዓለም ዝተደርበየ ዝመስል ህዝቢ ሶርያ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም "ቅንዕናን ሰብኣውን ተሃዋስነት" መሰረት ዝገበረ ንጹር መርገጺ ዘለዎ ማሕበረሰብ ዓለም የድልዮ፡ “ነዞም ሰባት ክሞቱ ኣብ ገዛእ ርእሶም ክንሓድጎም ንደሊ ዲና፥ እንታይ በዲልና ንሞት ንፍረድ?" ኣንክብሉ ጓሂኦምን ጓህይ ህዝቦምን ብምቅራብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

10 January 2024, 15:55