ድለ

2024.01.02 ኣብ ዛምብያ ሃገረ ስብከት ሶልዌዚ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጎመ መጽሓፍ ቅዳሴ 2024.01.02 ኣብ ዛምብያ ሃገረ ስብከት ሶልዌዚ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጎመ መጽሓፍ ቅዳሴ  

ኣብ ዛምብያ ሃገረ ስብከት ሶልዌዚ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጎመ መጽሓፍ ቅዳሴ

ኣብ ዛምብያ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ሶልዌዚ ጳጳስ ቻርለስ ካሶንደ፣ ካህናት ገዳማውያትን ገዳማውያንን ካቶሊካውያንን ምእመናን ሃገረ ስብከቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ከእትውዎ ኣብ መመረቕታ ናይቲ ሓድሽ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጎመ ናይ ሰናብቲ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዛምቢያ ናይ ዞልወዚ ጳጳስ ቻርለስ ጆሰፍ ሳምፓ ካሶንደ  ክርስትያን ነቲ ሓድሽ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጐመን ዝተሓትመን ናይ ሰናብቲ መጽሓፈ ቅዳሴ ክሕልውዎ ተማሕጺኖም። እቲ መጽሓፈ ቅዳሴ ቃል ኣምላኽ ዝሓዘን ኣብ ሃገረ ስብከት ሶልወዚ ንዝርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ መግቢ ዝረኽብሉ መጋበርያ ምዃኑ የመልክቱ።

ኣምላኽ ንርእሱ የረድኣና

ጳጳስ ካሶንደ ኣብ ዛምብያ ዞባ ካቦምፖ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ደብረ ቀርሜሎስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምረቓ ስነ ስረዓት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ ካህናት ሃይማኖታውያንን ዓለማውያንን ቃል ኣምላኽ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ክነብርዎን ድሌት ኣምላኽ ንኹሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሰብ ዘረድእን ዝገልጽን እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቁ ብውልቅን ብሕብረትን ከግዛእ ርእሱ ከራኽብን ክግለጽን ይደሊ . . . እቲ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ምእመናን እዩ ንቃሉ ፍሉይ ኣቓልቦ ክህብ . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ብቋንቋ ሉቫለ ዝተተርጎመ ናይ ሰናብቲ መጽሓፈ ቅዳሴ ኩላትና ብፍላይ ኣብ እዋን መስዋእቲ ንዕምቆት ቃል ኣምላኽ ንኸነስተማቕር የኽእለና። እዚ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ እዚ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰናብቲ ክንሳተፍን ቃል ኣምላኽ ክንበርን ስጋሁ ወደሙ ንምቕባል ዘድሊ ምቅርራባት ንኽንገብር ክሕግዘና ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መጽሓፈ ቅዳሴ ኣብ ቅዳሴ ጥራሕ ዝሕጸር ኣይኮነን

ግና ንኣጠቓቕማ መጽሓፈ ኣብ ጭቡጥ በዓለ ቅዳሴ ጥራይ ክድረት ከምዘይብሉ ነቶም ዓለማውያን ምእመናን ኣዘኻኺሮም። “ኩላትና ዓለማውያን ምእመናንን ናይ ጸሎትን ኣምልኾን ሓላፍነት ዘለዎምን ብእኹል መንገዲ ክንዳሎ ክሕግዘና ይግባእ። ንቅዳሴ ትርጕም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምስትንታን ዝሕግዝ እዩ’ እዚ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ኣስተንትኖ ንቃል ኣምላኽ ብዝበለጸ ክንወሃሃዶ፡ ንቅዱስ ቁርባን ብዕምቆት ከነስተንትኖን ኣብ ቅዳሴ ብዝያዳ ብንጥፈት ክንሳተፍን የኽእለና፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስጋና ንተርጐምቲ

ኣስዒቦሞ ነቲ ናይ ሰናብቲ መጽሓፈ ቅዳሴ ናብ ቋንቋ  ሉቫለ  ንምትርጓምን ምጥርናፍን ዝተሳተፉ ኣመስጊኖም። “ንጉስነትን ቅዳሴን ሽማግለ ሃገረ ስብከትና ንዝገበርዎ ዓቢ ስራሕ ናይ ምትርጓምን ምጥርናፍን ልባውን ዝግባእ ምስጋና እውን ከቕርብ እፈቱ፡ ብተወሳኺ ሃገረ ስብከት ሱዎን ደቡብ ኮርያ እቲ ናይ ሰናብቲ መጽሓፍ ቅዳሴ ንሕትመት ንምብቃዕ ንዝገበሮ ሓገዝ ብልቢ ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 January 2024, 16:54