ድለ

ፒዛባላ፡ ኣብ ብርቱዕ ጽልኢ ዝጠሓልና ንመስል ግን በዓል ልደት ስለዝኾነ ኪኖ ቃንዛ ንጠምት

ካብታ ውግእ ካብ ዝካየደላ ካብ ዘላ ኢየሱስ ዝተወልደላ መሬት፡ ንዜና ቫቲካንን ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ንእተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለኣዊ ጋዜጣ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናይ ልደት መልኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዘበኢየሩሳሌም ናብ ዜና ቫቲካንን ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ናብ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንኻልኦት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍልጦ ክንህብ ይዕድሙ። ምኽንያቱ እዚ ትርጉም ናይቲ እግዚኣብሄር ስጋ ምዃኑ እዩ። ከምቲ ድሮ ኣብ ቅድስቲ መሬት ብዙሓት ሰባት ዝገብርዎ ንዘተ፡ ንዕርቂ፡ ንይቕረታ፡ ንዕርክነት ክክፉታት ክንከውን ተላብዮም፥ "ኣጠማምትና ክብ ኣቢልና ናይቲ ዝፍጸም ስራሕ እግዚኣብሔር ምርኣይ" የድልየና ይብሉ።

ኣብ ባሕሪ ጽልኢ ተሸሚምና ንርከብ

ሓሳባት ፓታሪያርክ ፒዛባላ ነቲ ንእንነብረላ መሬት ዝዓብለለ ዝመስል ዕስለ ዓመጽ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ኣተኩይሮም፥ "ዓመጽ፡ ጽልኢ፡ ምፍልላይ፡ ስምዒታት ሕነ ምፍዳይ ዝሰፈረሉ ዓለም ብምልእታ ዓቢ ጸገም ዘጋጥማ ዘላ ትመስል"፡ ኣንክብሉ ኣብቲ ናብ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርየት መልኽቶም ገሊጾም፥ ፓትርያርክ ፒዛባላ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ" ዘሎ ኩነታት እውን ስክፍታኦም ይገልጹ፡ ቀጺሎም ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣተኲሮም፡ "ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ጀሚርና ኣብ ባሕሪ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ሞትን ወዲቕና ኣለና"። ጽልኢ"ንሕብረተሰብ እስራኤልን ንሕብረተሰብ ፍልስጤም ይጸልዎ ኣሎ።" ልዕሊ ኩሉ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ኣዚዩ ልብና ዝትንክፍ እዩ፡ ቢሎም ሓሳቦን ናብቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዘሎ ውሁድ ማሕበረሰክ ክርስቲያን ገይሮም ዝነብርዎ ዘለዎ ኩነታት ድማ ብጓሂ ይኹንኑ።

ንኣምላኽ እወ ምባል ማለት ንዕርቂ ምኽፋት ማለት እዩ

"ኩሉ ሰብ ኣብ ናይ ቃንዛኡ ስቓይ ዝዕጸወሉ ዘሎ ህልው ኩነታት" ዘስተብሃሉ ካርዲናል ፒዛባላ ነቲ ዘይጋገን ዘይደናግርን ትርጉም ልደት ኣተኩሮ ሂቦም፡ "ኣምላኽ ናባና ይመጽእ፡ ንርእሱ ህልው ይገብረልናን  ንርክብ ምስ ካልኦት ልብና ይኸፍት፡ ነቲ... ካልእ ከም ኣገዳሲ ኣካል ገዛእ ርእስኻ ንምርኣይ"። ስለዚ ንበዓል ልደት ብኩለ መዳያቱ ዘይተቐየረን ቀጻሊን ክብሩ ዋጋኡ ናብ ምሕሳብ ይመልሰና። "እዚ ኩሉ ዓቢ ዓመጽ እናሃለወ፡ መልእኽቲ ልደት ህልው ከም ዝኾነ ክንርስዕ የብልናን፡ ምናልባት ኣብዚ ህሞት እዚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ይኸውን። ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ይስባእ - እዚ ድማ ኣብ ዓለም ኣብ ምዃን ክህሉ ዘለዎ ሓድሽ ኣገባብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ የረድኣና።" ንሱ ድማ ህይወትካ ንፍቕሪ፡ ንኻልኦት ምሃብ ዝብል እዩ።" ድምጺ ኣጽዋር ትኹረትካ ከስሕት ከምዘይክእል ካርዲናል ፒዛባላ ብዝያዳ ብንጹር ይገልጹ፣ "ኣብ ቅድስቲ መሬት እውን ልደት እዩ፡ ንኣምላኽ እወ ንሓዎምን ሓፍቶምን እወ ዝብሉ ሰባት ዘለዉሉ። ስለምንታይ ንኣምላኽ እወ ምባል - ይብሉ - ነቲ ካልእ ማለት ነቲ ሓውን ሓፍትን ምልላይ ማለት እዩ። ንሳቶም ድማ ንዘተ ክፉታት ንምዃን ፍቓደይናታት እዮም፣ ንዕርቂ እወ፣ እወ ንይቕሬታ፣ እወ ንዕርክነት ክብሉ ድሉዋት እዮም"።

ካብዚ ሕጂ ዘሎ ቃንዛ ሓሊፍካ ስራሕ ኣምላኽ ምርኣይ

ፓትርያርክ ኣብዚ ክቡር መዓልቲ እዚ ብቐዳምነት ንቤተ ክርስቲያኖም ዘመሓላልፍዎ መልኽቲ እውን እንተኾ፣ ንኹሎም ነዚ መልእኽቲ ዝሰምዑን "ነዛ ቅድስቲ መሬት ዝጥምቱን" እውን እዮም ዝዛረቡ። እቲ ህልው ኩነታት ጽንኩር እኳ እንተኾነ ግን ከኣ ኣብቲ ፈጺሙ ንበይንና ዘይሓድገና ኣምላኽ እምነቶም ዝፈጥረልና ህድኣት ዘኪሮም፥ "ካብዚ ሕጂ ዘሎ ቃንዛ ኪኖ ስራሕ እግዚኣብሔር ክፍጸም ክንርኢ የዕንትና ንላዕሊ ክብ ነብል  ምኽንያቱ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ ዝተወልደ ሕጻና እዩ፡ ብሓቂ ጎይታ ታሪኽ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ውልቃዊ ናይ ዓለም ታሪኽ ዝለ ዝኾነ"። እቲ ኩሉ ጸገም እናሃለወ "ኣብኡ እኣምን" ኢልና ክንእውጅ ግዜኡ እዩ። ሎሚ በዓል ልደት ድማ ምዃኑ ካርዲናል ፒዛባላ፥ ኩሉ ሰብ ከምኡ ክገብር ተላብዮም። በረኸት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ተማሕጺኖም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ይዛዝሙ።

24 December 2023, 16:40