ድለ

ኣብ ኒካራጓ ካልእ ጳጳስ ብሓይሊ ጸጥታ ናብ ማእሰርቲ ኣብ ኒካራጓ ካልእ ጳጳስ ብሓይሊ ጸጥታ ናብ ማእሰርቲ  (AFP or licensors)

ኣብ ኒካራጓ ካልእ ጳጳስ ብሓይሊ ጸጥታ ናብ ማእሰርቲ

ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓ ናይ ሲዩና ጳጳስ ኢሲዶሮ ደል ካርመን ሞራ ኦርቴጋ ነቶም ብመንግስቲ ኒካራጓ ዝተእኣሰሩን ብዝይ ገለ መርትዖታትን ገበናትን 26 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈረዶም ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ምእመናን ክጽልዩ ብወግዒ ዓዲምኩም እንክብል ከም ዝኣሰሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 20 ታሕሳስ ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓ ንጳጳስ ኢሲዶሮ ደል ካርመን ሞራ ኦርቴጋ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሲዩና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎምን፡ ድሕሪ እቲ ብዘይ ግቡእ መስርሕ ን26 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዶም ጳጳስ ሮላንዶ ጆሴ ኣልቫረዝ ላጎስ ጳጳስ ሰበኻ ማታጋልፓን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻ ኤስተልፍ ኣብታ ሃገር ዝተኣስሩ ካልኣይ ጳጳስ ከም ዝኾኑን ጳጳስ ኣልቫረዝ ካብ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ጀሚሮም ቅዩድ ኣቤቶም ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብውዲት፡ ናይ ሓሶት ዜና ምዝርጋሕ፡ ፍትሒ ምትዕንቃፍን ንሰበስልጣን ንዕቀትን ብዝብል ገበን ተኸሲሶም ካብ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዝርከቡን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብመሰረት ጸብጻባት፡ ጳጳስ ሞራ "ኣብ ሰበኻ ላ ክሩዝ ደ ሪዮ ግራንደ ምሥጢረ መሮን ክሰርዑ ኣብ ዝኸድሉ እዋን" ብሓይሊ ጸጥታን ብኣባላት ሓውሲ ወተሃደራትን” ከም እተታሕዙን ምስእኦም ዝነበሩ "ኣለስተር ሳአንዝን ቶንይ ፓላሲዮን እተባህሉ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን እውን ከም እተኣሰሩን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይፍለጥን።

ምኽንያት መእሰሪ ጳጳስ ሞራ

ናጻ ክፍሊ ሓበሬታ ኒካራጓ፡ ምንጭታት ቤተ ክርስቲያን ብምጥቃስ፡ ማእሰርቲ ጳጳስ ሞራ ምስቲ ብዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ሃዋርያ ምስ ዘስምዕዎ ስብከት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክሕብር እንከሎ

ኣብቲ ኣጋጣሚ እውን ጉባኤ ጳጳሳት ኒካራጓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ ጳጳስ ኣልቫረዝ ዘቕርቦ ጸሎት ይቕጽል” ቢሎም "ንፍቑር ኣባላት ሃገረ ስብከት ማታጋልፓ ኣብ ዘቕርቦ ጸሎት ሕቡራት ኮይና ንቕጽል፡ ንጳጳስ ሮላንዶን ንነፍሲ ወከፍ ኣባላት ሰበኻኦም ድማ ንጽሊ” ቢሎም ቀጺሎም፥ "ብጸሎትን ሕብረትን እምነትን ፍቕርን ለውሃትን ተጠርኒፍና ኣለና" እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ክሕብር እንከሎ፡

ካብ ልዕልና ሕጊ ርሒቓ ትሕንበብ ዘላ ሃገር

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምክትል ላዕለዋይ ድርገት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣልናሺፍ፥ ኒካራጓ ካብ ግዝኣተ ሕጊ ብፍላይ ድማ "ካብ መሰረታዊ ናጽነታት ዝያዳ ተንሳሕብ ከምዘላን፡ ስቓይ ህዝቢ እናገደደ፡ እዚ እውን ንስደት ዝድርኽ ነዳዲ ኮይኑ ኣሎ” እንክብላ ገሊጸን ናይ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን መጻኢ ደሞክራስያዊ ተቕዋማት ዘዳኽም እዩ” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ማናጉዋ ዝርከቡ ሰበስልጣን "ነቶም ኣብ ህዝባዊ ዓውዲ ኣማራጺ ራእይ ሒዞም ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ከም ፖለቲካውን ደቀባትን መራሕቲ፡ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ደለይቲ ፍትሕን ጋዜጠይናታትን ዝገብርዎ ኣሳዶ ንኹንን” ቢለን . . . "ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ቦታታት ዝግበር ቀይድታት ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም መሰረታዊ ናጽነቶም ዝጥቀሙ ሰባት ብተደጋጋሚ ማእሰርቲ ይፍጸም ኣሎ" ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

23 December 2023, 16:06