ድለ

ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት መበል 80 ዓመት ቅዋመኡ የብዕል፡ ዕለት 7 ታሕሳስ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት መበል 80 ዓመት ቅዋመኡ የብዕል፡ ዕለት 7 ታሕሳስ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ.  (Vatican Media)

ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት መበል 80 ዓመት ቅዋመኡ የብዕል፡ ዕለት 7 ታሕሳስ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ.

ዕለት 7 ታሕሳስ 1943 ዓ.ም. ኪያራ ሉቢክ ገዛእ ርእሳ ንምሉ ሕይወታ ንእግዚኣብሔር ዘወፈየትሉን ካቶሊካዊ ምንስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ዝመስረተትሉ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ምኽንያት ናይቲ ማሕበር ኣደ መንበርን ኣባላትን ዕለት 7 ታሕሳስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ 80 ዓመት ኣብ ዕንወት ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መንጎ ኩሉ ሰላምን ሓድነትን ዳግማይ ክሃንጽ ዝደለየን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ጨንፈር ዘለዎን ንእሽቶ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ከም እተወልደን፣ ኣካል ናይቲ ዋሕዚ ሓድሽ መንፈሳዊ መስህብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ሕመረት መንፈሳዊ መስህብ ኣፍቅሮተ ዘቤት፥ ወንጌልን ብፍላይ ድማ ጸሎት ኢየሱስ "ኩሎም ሓደ መታን ክኾንኑ" (ዮሃ 17.21) ዝብል ከም ዝኾነን፡ ሎሚ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ 182 ሃገራት ጨንፈር ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ ህጹጽነት ሓድነትን ሕውነትን ኣብዚ ዝተበታተነን ዘሕዝንን እዋን ምልክት ኩላውነት እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ ምእመናን፣ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናንን ፍሉይ ሃይማኖታዊ መወከሲ ዘይብሎም ሰባትን እውን ዝሓቁፍ እዩ።

ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት
ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት

ርክብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ዕለት 7 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንኣደ መንበር ምንቅስቓስ ፎኮላረ ማለት ኣፍቅሮተ ዘቤት ማርጋሬት ካራምን ሓባራዊ ኣቦ መንበር ኸሱስ ናይቲ ምንስቓስ ጨናፍር ወከልትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኪያራ ሉቢክ ንመጀመርታ ግዜ ንኣምላኽ ኣነኹልካ ቢላ ገዛእ ርእሳ ምስ ኣወፈየት ዘበገሰቶ ማሕበር ልክዕ ድሕሪ ሰማንያ ዓመት ዕለት 7 ታሕሳስ 2023 ናይቲ ማሕበር ላዕለዎት ኣካላት ምስ ቅዱሰንቶም ክራኸቡ ምዃኖም - እዚ ርክብ እዚ ንዓና ፍሉይን ዘገርምን ህያብ እዩ” እንክብላ ኣደ መንበር እቲ ማሕበር ማርጋሬት ካራም  ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ሓቢረን፡ እዚ ርክብ እዚ “ኣብዚ ናይ ሓድነት መንፈሳዊ መስህብ ወይ ህያብ ዝነብሩን ንቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትናን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበትናን ፍቕርናን ኣነረጋግጸሉን፣ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሰላም ከነበሩ እነቕርቦ ኣገልግሎትን ... ብፍቕርን ሓልዮትን ቁስሊ ሰብኣውነት ንምህዳእ” ዝብል ናይ ማሕበር ዕላማ ንምሕዳስ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ክንራኸቡናን ቃለ ምዕዳን ክልግሱልና ሕራይ ምባሎም ነመስግን” ኢለን።

ጽምብል ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ማለት ዕለት 7 ታሕሳስ ሰዓት 18 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ዓቢይ፡ ንዓለማውያን፡ ስድራቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኬቪን ጆሴፍ ፋረል ምስ ካልኦት ሓያሎ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ብሓባር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ውልደት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ ናይቲ ማሕበር ኣደ መንበር ካራም ኣስዒበን፥ “እዛ መዓልቲ እዚኣ – ይብላ ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት - ብምኽንያት እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ኣሲዚ፡ ሎሬቶ ማርያማዊ መካነ ንግደትን ሮማን ዝተፈላለዩ ናይ ምስጋናን ኣምልኾን መደባት ክካየድ እዩ፡ . . .  ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣፍቅሮተ ዘቤት እውን ነዚ ዝኽሪ ብተመሳሳሊ ስምዒታትን ዕላማታትን ከስተማቕርዎ እዮም፣ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዕንቅፋት ሰጊሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ወዲ ሰብ ዝበጽሕ ሕውነታዊ ፍቕሪ ናይ ቅርበት መሰኻኽር ክኾኑ መብጻዓኦም ከሐድሱ እዮም" ኢለን።

06 December 2023, 12:29