ድለ

ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ትምኒት 2024 ዓ.ም.፡ ሕውነት ዝንበረላ ዓለም ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ትምኒት 2024 ዓ.ም.፡ ሕውነት ዝንበረላ ዓለም  (ANSA)

ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ትምኒት 2024 ዓ.ም.፡ ሕውነት ዝንበረላ ዓለም

ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት መዓልታት ኣብ ሞሮኮ ናይ ርእሰ ከተማ ራባት ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሮሜሮ፡ ኣብ ዘመነ ደማዊ ምፍልላይ፡ "ፍልልያትና ዘራኽብ ስንቂ ክንገብሮ" ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዓዲሞም፥ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ማራከሽ ልዕሊ 2500 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ርእደ መሬት እውን ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓል ልደት ናይ ሃገረ ስብከት ስድራ ቤት ራባት "ንምትሕግጋዝ ድርኺት፡ ኣብ ሓጎስ ከም ስምርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ውህደትን ከምቲ ብዙሕ ግዜ ቅዱስ ኣቦና ዝብለዎ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ እትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘረጋገጸ ከም ዝነበረ ሓቢሮም፡ ብኹሉ ኩርናዕ ንዓለም ዘናውጽ ዘሎ ዓመጽ ይኹንኑ።

መከራ ንዝስደዱ ክርስትያናት

"ኩላትና መሰኻኽር ናይዚ ኩሉ ዓለም ዘጋጥማ ዘሎ፡ ብዙሕ ግዳያት ዘስዕብ ዘሎ ዓመጽ ኢና - ካብ ሞሮኮ ኮይንና ድማ ነቲ ቃንዛ ንካፈልን ብርህራሄን ሕውነትን ነቲ ህዝቢ ኣሕዋት ሃገራትና ዝኾነ ብዝተፈላለየ ጸገም ንዝሳቐ ንከባቢ ሳሄል ኣብ ቅድሚ ግብረሽበራ ንዘጋጥሞ ጸገማትን ቅርበትና ነረጋግጽ"። ካብዚ ሓሊፉ "ቃንዛን ስቓይን ናይቶም ዝስደዱ፡ ዝጭወዩን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝቕተሉን ክርስትያን ኣሕዋትና ንካፈል" ኢሎም።

ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ትምኒት 2024 ዓ.ም.፡ ሕውነት ዝንበረላ ዓለም
ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ትምኒት 2024 ዓ.ም.፡ ሕውነት ዝንበረላ ዓለም

ተስፋ ናይ ሰላምን ሕውነትን ፍትሕን ዓመት

ኣብ ዓለም ስቓይ እናኣጋጠመ ኽነሱ ኣብ ዓለም ሰላም ሱር ምእንቲ ኽሰድድ ከምኡውን "ካብ ዜግነት ሃይማኖታት ከምኡውን ካልኦት ዓይነት ፍልልያት እናሃለወ ኽነሱ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ምእንቲ ኽንነብር መስፍን ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ" ክንልምን ተማሕጺኖም። ኣብ ሓድሽ ዓመት 2024 ህዝብታት "ብተስፋ ናይ ሰላም ዓለም ሓድነት ከምኡውን ፍትሒ ኣብ ዝመልኦ ሃዋሁ" ምእንቲ ኽንነብር ፍልልያት ሃብቲ ምዃኑ ዘስተውዕለሉ ዓመት ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ሲኖዶስ ሃገረ ስብከትን ርእደ መሬትን ኣብ ማራከሽ

እዞም ኣባል ማሕበር ሳሊዥያን ናይ ሃገረ ስብከት ራባት ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮሜሮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ብሃይማኖታዊ ደረጃ ይብሉ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከት ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ስራሕ ከም እተዛዘመን "ንክርስቶስ ብምስዓብ ሎሚ ንሃገረ ስብከት ራባት እንታይ ቤተ ክርስቲያን ኢና ንደሊ?" ዝብል ሕቶ ኩሎም ኣካላት ናይታ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን ራባት ኣብ እዋን ዕዮ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከት ዝመለስዎ ሕቶ እዩ። ብመሰረት ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን፡ ንክርስቶስ ብምስዓብ ቤተ ክርስቲያን "ናይ ርክብ ቤተክርስትያን፡ እትቕበልን እትሰምዕን እተሰንይን፡ ተሳትፎ ኩሉ ዝረጋገጸላን" ክትከውን ከም ዘለዋ ደጊሙ ከረጋግጽ ኣኽኢልዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ "እትመሃርን እትህነጽን ቤተ ክርስቲያን" ከምኡ'ውን ኣብ ቅድሚ ከባብያዊ ብድሆታት "ናይ ሓባር ገዛናን ከባቢኣን እተኽብር ቤተክርስትያን፥ ዝበሉ ካርዲናል ሎፐዝ ሮሜሮ ኣስዒቦም ዕለት 9 መስከረም ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዞባ ማራካሽ ዘጋጠመ ብውሕዱ 2500 ሰባት ንሞት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንማህሰይቲ ዝዳረገ መዓት ርእደ መሬት ዘኪሮም ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይት ከቢድን ዘሰንብድን እዩ ቢሎም "ቤተክርስትያን ሞሮኮ ንግዳያት ርእደ መሬት ንምሕጋዝ ብዝወሰደቶ ግብረ ሰናይ ኣቢላ ኣካል ሕብረተስብ ምዃና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክህሉ ዘለዎ ምቅርብን ሕውነትን ብቓልን ተግባርን መስኪራ እያ እንክብሉ 2024 ዓ.ም. ሕውነት ዝንበረላ ዓለም ዳግማይ እንረኽበሉ ዓመት ክኸውን ተመንዮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 December 2023, 17:23