ድለ

2023.12.05 ኣብ ኩዋይት ዝተሃንጸት ደብረ ኣኖና ቅድስተ ማርያም ዘዓረብ ኣልማዛዊ ኢዮቤል ተብዕል 2023.12.05 ኣብ ኩዋይት ዝተሃንጸት ደብረ ኣኖና ቅድስተ ማርያም ዘዓረብ ኣልማዛዊ ኢዮቤል ተብዕል  (Copyright (c) 2018 Ryle Silva/Shutterstock. No use without permission.)

ኣብ ኩዋይት ዝተሃንጸት ደብረ ኣኖና ቅድስተ ማርያም ኣልማዛዊ ኢዮቤል ተብዕል

ኣብ ኩዋይት ዝተሓንጸ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ቀዳማይ ደብረ እኖና ቅድስተ ማርያም መበል 75 ዓመት ከብዕል ምዃኑን ነዚ ኣልማዛዊ ኢዮቤል ንምብዓል ዓቢይ ምስንዳዋት ይግበር ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኩዋይት ዝርከብ ካቶሊክዊ ማሕበረሰብ ኣብታ መሬት ዝተሓንጸት ፈላመይቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እኖና ቅድስተ ማርያም ዘዓረብ ዝተሓነጸትሉ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ኣብ ሰበኻ እቲ ባሕረይን ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን እውን ዝሓቁፍ እኖ ኣምላኽ ሓዋርያዊ መስተናብር “ወርቃዊ ኢዮቤል ደብረ እኖና ቅድስቲ ማርያም ካብ ዝሓለፈ ዕለት 11 ታህሳስብ 2022 ዓ.ም. ብዝተበገሰ መንፈሳዊ መደብን ዕለት 8 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ሓዋርያዊ መስተናብር ኣቡነ ኣልዶ በራርዲ ኣብ ኩዋይት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት አውጀነ ማርቲን ኑገንት ከምኡ እውን ዓቃቤ ክርስቲያናዊ ውርሻታት ኣባ ሚካኤል ፈርናንደስ ተዓጂቦም ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክበዓል ምዃ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዝጽለው በዓል

ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ኣልዶ በራርዲ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ብዙሕ ምስዚ ወርቃዊ ኢዮቤል ዝተተሓሓዙ ፍጻሜታት ክካየዱ ተሓሲቦም ከም ዝነበሩን መንግስቲ ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ብምትሕብባር ከይካየድ ከም ዝወሰነን እታ መበል 75 ዓመት ቅዋመኣ እተብዕል ዘላ ቤተ ክርስቲያን እኖና ቅድስተ ማርያም ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣል ኣህማዲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾነ ናይ ኤሌትርክ ጸዓት መመንጨዊ ስፍራ ኣብ ዝርነበረ ቦታ ኣብ 1948 ዓ.ም. ዝተሓንጸት ከም ዝኾነትን ድሕር እዚ ኣብ 1952 ዓ.ም. ንናይ ኩዋይት ናይ ነዳዲ ዓቢይ ትካል ሓዳሽ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ከተማ ክትህነጽ ድሕሪ ዝሃቦ ፍቓድ ዕለት 8 መስከረም 1955 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ 12 ዝባርኸዎ መሰረተ እምን ዝተነብሮ ኮይና ከም እተሃነጸትን ኣብ 1956 ዓ.ም. ንቅድስቲ እኖና ማርያም ከም እተወፈየት ሓዋርያዊ መስተናብር በራርዲ ንኣገልግሎት ዜና ፊደስ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን - ኩዌትን

ኩዌት ብ1968 ምስ ቅድስቲ መንበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝመስረተት ናይ መጀመርታ ኣባል ባይቶ ምትሕብባር ወሽመጥ ሃገር ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ ይኹን እምበር ኣብታ ሃገር እቲኣ ነቲ ርክብ ንምድልዳልን ሃይማኖታዊ ዘተ ንምድንፋዕን ኣብ 2000 ዓ.ም. ጥራይ መንበሩ ኣብ ኩዋይት ዝገበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከም ዝቖመ ኣቡነ በራርዲ ንፊደስ ኣገግሎት ዜና ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

07 December 2023, 16:20