ድለ

2023.11.12 Eparchia di Keren - Ordinazione Sacerdotale 2023.11.12 Eparchia di Keren - Ordinazione Sacerdotale  

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ፦ “ካህን ነገረ ድሕነት ናብ አሕዋት ከብጽሕ ዝተላእከ ልኡኽ ኢዩ!”

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ዝሓለፈ ቀዳም 09 ታሕሳስ ኣብ ርእሰ አድባራት ቅዱስ ሚካኤል ከረን ንሓሙሽተ ዲያቆናት ናብ መዓርገ ክህነት አደዪቦም። ኣብቲ ሥርዓተ ሲመት አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ካህን ነገረ ድሕነት ናብ ኣሕዋቱ ከብጽሕ ዝተላእከ ልኡኽ ኢይ!” እንክብሉ አስተምሂሮም።

ኣባ ፍሰሃ ተኪኤ - ኤጳርቅና ከረን

ዝሓለፈ ቀዳም 9 ሕዳር 23 ኣብ ደብረ ቅዱስሚካኤል ከረን ካብ ምሉእ ኤጳርቅና ዝመጹ ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ዘዕብይዎም ወለድን መምሃራንን ኣሕሉቅ ገዳምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሓሙሽተ ዲያቆናት ብኢድ ብፁዕ ጳጳስ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ማዕርገ ክህነት ተቀቢሎም።

እዞም ሓደስቲ ካህናት
1. ኣባ ዓንዶም ቃልኣብ ካብ ደ/ቅ/ጊዮርጊስ ለበዳ
2. ኣባ ርእሶም ህያቡ ካብ ደ/ማርያም ጽዮን ቁኒዕ
3. ኣባ ብያኑ ቀለተ ካብ ደ/መድኃኔ ዓለም ሓቢንመንተል
4. ኣባ ተመስገን ግርማጽዮን ካብ ደ/ቅ/ ፕዮ ቀረጫ
5. ኣባ ምሉእ ዓንደብርሃን ካብ ደ/ቅ/ሚካኤል ባምቢ ኢዮም!

ሲመተ ክህነት ኤጳርቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነት ኤጳርቅና ከረን 2023

ብጹዕ ኣቡነት ኪዳነ አብቲ ዕለት እቲ አብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል አምላኽ ፡-
ሎሚ ኣብዚ ቅዱስ ደብሪ እግዚኣብሔር ንዝገበረልና ጸጋታት ንኽነመስግንን ነቶም ነዚ ጸጋ እዚ ዝቅበሉ ከኣ ሓይልን ረዲኤትን ንኽህቦም ነዚ መስዋዕተ ምስጋና ነቅርብ ኣሎና፡፡

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ከገልግሎ ኃይሊ ዝሃበኒ፣ ከም እሙን ቆጺሩ ከአ ናብዚ አገልግሎት እዚ ዝመደበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና፣ አመስግኖ አሎኹ” (1ጢሞ 1፡12) እናበለ እግዚእብሔር በቲ ዝጸወዓንን ዝተኣመነናን ሕድሪ ንዝበለንን የመስግኖ፡ ዘይመጠንና ዘይግበኣና ክንሱ ብጸጋኡ መዓርገ ክህነት ክንህብን ክንቅበልን ንዘብቅዓና ነመስግን አሎና።

ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023

ደቂሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ምስ ኣምላኽ መንጎኛ ዝኾኖም፡ ከም ዘድልዮም ብምእማን ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተወፈዩ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙ፡ መስዋዕቲ ዘዕርጉ ዝተመርጹ ውሱናት ሰባት ነበርዎም። እንተ ኾነ ንሳቶም ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮም ብምልኣት ድልድል ክኾኑ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ምልኣት ግዜ እግዚአብሔር ወልድ ስጋ ለቢሱ ሓቀኛ ድልድል ኮነ፡ ነዚ ድልድል እዚ ብቀጻልነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ክህነት ከኣ ሰርዓልና፡ በዚ ጸዋዔ ዘገልግሉ ከኣ ካህናተ ክርስቶስ ተሰምዩ፡፡

ሎሚ እምበኣርከስ ነዚ መንጎይናነት እዚ ዝውፈዩ ዘለው ደቅና ከም መምህሮምን ጎይትኦምን ኣሰር ኣሰሩ እናሰዓቡ ብጒዕዞ ቀራንዮ ኣቢሎም ኣብ መስቀል ብምዕራፍ ንኣሕዋቶም ወንጌል ክሰብኩሎም ብቃል እግዚኣብሔር ከም ዝነብሩ ንኽምህርዎምን ክመርሕዎምን "ኩሎ ኃደግነ ወተሎናከ" ከም ዝበልዎ ሓዋርያት፣ ነዚ ተልእኾ እዚ ንኽንፍጽም ኩሉ ገዲፍና ክንስዕቦ ተልእኮና ባርኹልና ይብሉ ኣለው። ንሕና ከኣ ንጽድቂ ይግበረልኩም፡ ተልእኾኹም ይባርኸልኩም ንብሎም አሎና። 

ሲመተ ክህነተ ኤጳርቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነተ ኤጳርቅና ከረን 2023

ካህን ነገረ ድሕነት ናብ ኣሕዋቱ ከብጽሕ ዝለኣኽ ልኡኽ ኢዩ።

እዚ ከኣ ኣሰር ክርስቶስ ስዒብካ፡ ድላይካን ፍታውካን ኣብ ኢዱ ኣንቢርካ፣ ብዘይ ሰጋእታ ነቲ መድሓኒኻ ዘሰከመካ ሕድሪ ንምጻር ስንድው ምዃን ኢዩ። ስለዚ ክህነት ኣገልግሎት እምበር ሽመት ኣይኮነን። ከመይ መድሓኒና ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጻእኩን ስለዝበለ፣ ልክዕ ከማኡ ድማ ክህነት ምእንቲ ካልኦት ኲለንትናኻ ምውፋይ ኢዩ።

ክርስቶስ ኩለንትናኡ ብመልክዕ መስዋዕቲ ኣብ ቀራንዮ አወፈዮ፡ ካህን ከኣ ነዚ ቀራንዮ እዚ ብምንባርን ዕለት ዕለት መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን ነሕዋቱ ነዚ ድሕነት እዚ ከበስር ኩለንትናኡ ዝወፈየ ተኸታሊ ክርስቶስ ኢዩ።

ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ኣነ ካብ ኩሉ ሓራ ክንሰይ ንብዙሓት ምእንቲ ክረብሕ ንርእሰይ ባርያ ኩላቶም ኮንኩ ክብል፡ ንኹሎም ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ኣምላኽ ዝረሓቁ ንኹሎም ወንጌል ብምብሳር ናብ ኣምላኽ ከቅርቦም፣ ምእንቲ ኩላቶም ከም ኩሎም ኮንኩ ከም ዝበሎ፡ ካህን ከኣ ንናይ ዘመኑ ህዝቢ ከከም ጠባያቶምን ከከም ኩነታቶምን ነኣታቶም መሲሉ ብርሃን ወንጌል ንከብጽሕ ሕራይ ዝብል ኢዩ፡ በዚ ኸምዚ ከኣ ኣብ ክህነት ዘኣትዉ ነዚ መልእኽቲ ድሕነት ናብ ኩሉ ከብጽሑ፡ ገድሊ ድኻሞም ንናይ ዘመኖም ሕዝቢ ድሕነት ንምብስሳር ኢዩ። ጻማኡ ከኣ መስቀል ኢዩ፡ ምኽንያቱ መስቀል ናብ ትንሳኤ ስለዘብጽሕ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕይወት ዝመርጹ መንእሰያት ኣጆኹም ንክርስቶስ ሒዝኩም እንታይ ከይጎድለኩም፡ ንሕና ሕዝብኹም ከኣ ብተልእኮ ወንጌል ምሳኹም ኣሎና ንምባል ብጸሎት ነስንዮም ኣሎና። ነዚ ከቢድ ሕርየት ዘስተውዓለ ሓዋርያ ጳውሎስ አብ 1ይ ጢሞቴዎስ 1፥12 "ነቲ ኸገልግሎ ኃይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈጺሩ ኸኣ ናብዚ ኣገልግሎት እዚ ዝመደበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና አመስግኖ በለ"፡  ዘመስግኖ ከኣ መጀመርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ስለዝሓረዮ ሕርየት ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰብ ከምዘይኮነ እንከርኢ ፣ ንዝሓረየኒ ክርስቶስ አመስግኖ በለ። ንክንድዚ ዘኣክል ሓላፍነት እምነት ዘሕድረለይ አመስግኖ በለ፣ እዚ ቃል እዚ ነፍስወከፍ ካህን ክብሎ ዘለዎ ኢዩ። ምኽንያቱ ኩልና ብጸጋ ስለ ዝተሓረና ኣብዚ ሕርየት እዚ ንኽንነብር ሓይሊ እቲ ለኣኺ ክርስቶስ ስለዘድልየና፡ ነዚ ተልእኮ እዚ ንዝወፈየልና ኣምላኽ እናኣመስገንና ክንቀርቦ ይግባእ።

ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023

እቲ ወንጌል ዝተበሰረ ሰብ፦
1. ኣግዚኣብሔር ኣቦይ
2. ክርስቶስ መድኅኒየይ
3. ቤተክርስቲያን ኣደይ
4. መንግስተ ሰማያት ቤተይ
5. ቅዱስ መጽሓፍ መምርሒየይ
6. ኣማኒ ክርስቶስ ዘበለ ዘመደይ
7. ወንጌል መልእኽተይ
8. ክብሪ እግዚኣብሔር ዕላማይ
ንዝብላ መሪሕ ሓሳብት ንኸስርጹ ናብዚ ጽዋዔ እዚ ይኣትዉ ኣለው፡ ንሕና ከኣ ሎሚ ብጸጋኡ ነዚ ህያብ እዚ ንዝሃበና ክነመስግን ይግበኣና ኢዩ እሞ፡ ደቆም ንተልእኮ ወንጌል ዘወፈዩ ወለዲ፡ ዘዕበዩ ገዳምን መምህራንን፡ ገበርቲ ሠናይ ብጸሎቶምን ብውህበቶምን ናብዚ ንዘብጽሕዎም ንኹሎም ነመስግኖም። ንደቅና ከኣ ክህነት መልከጼድቅን ኣሮንን ይግበረሎም ኢልና ንምርቆም ክብሉ ኣስተንትንኦም ዛዚሞም።

ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023
ሲመተ ክህነት ኤጳእቅና ከረን 2023
12 December 2023, 13:20