ድለ

ካርዲናል ኩፒች፡ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ዛዕባ ቡራኬ ‘ስጉምቲ ንቕድሚት’ እዩ ካርዲናል ኩፒች፡ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ዛዕባ ቡራኬ ‘ስጉምቲ ንቕድሚት’ እዩ  (Vatican Media)

ካርዲናል ኩፒች፡ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ዛዕባ ቡራኬ ‘ስጉምቲ ንቕድሚት’ እዩ

ሊቀ ጳጳስ ቺካጎ ብላዘ ኩፒች "ስኢል ተአምኖ" ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዓንቀጸ እመንት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ዝገበሮ ዛዕባ “ጉስነታዊ ቡራኬ” ዝምልከት ሰነድ ብሓጎስ ይቕበልዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይስሩዕ ወይ ዘይንቡር ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት - ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዝፍጠሩ ዝምድናታት ሓዊሱ - ጉስነታዊ ኣቀራርባ ክግበረሎም ትሓትት፥ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ብላዘ ኩፒች ኣብቲ “ስኢል ተኣምኖ“ ዘርስቱ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ናይ ሰበኻኦም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ድማ ንብዙሓት ካልኦት ኣብ ማሕበረሰብና ቅርበትን ርህራሄን ኣምላኽ ክስምዖም ዝሕግዝ እዩ” ኢሎም።

ዕለት 18 ታሓሳስ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ዝኾነ “Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ዘርስቱ ናይ ኣዋጅ ሰነድ “ብዛዕባ ጉስነታዊ ቡራኬ ትርጉም” ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዓይነት ሊጡርጊያውያን ቡራኬታት ዘለዎ ፍልልያት ዘነጽር ኮይኑ፡  ኣገልገልቲ ማለት ካህናት ኣብ ዘይስሩዕ ወይ ዘይንቡር ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ- ጾታዊ ዝምድናታት ንዝርከቡ ሓዊሱ ቡራኬ ክህቡ ዝኽእሉሉ ኩነታት ዘመልክት ከም ዝኾነ የብርሁ።

ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣዋጅ ይብሉ ካርዲናል ኩፒች ኣብ ናይ ሰበኻኦም መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ጓሶት ንሰባት ንኽርከቡ ጉስነታዊ ኣካይዳ ክኽተሉ ዝጽውዕ እዩ” ይብሉ፡ ኣብ ህይወቶም ሓገዝን ህላወ ኣምላኽን ከምዘድሊ ዝግንዘቡ፡ ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ዅኔታ ሕጋውነት ክለብስ ብዘይ ምሕታት ምዃኑ የነጽሩ።

“ከምኡ ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ” ክብሉ ብምግላጽ፡ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ብጉስነት ንሰባት ከሰንዩ ዘለዎም ድሌት” ዝሰማማዕን ከምኡ’ውን ምስቲ “ኢየሱስ ኣብ ኩሎም ጸጋን ሓገዝን ዝምነዩ ሰባት ህልው ክኸውን ምስ ዘለዎ ድሌት ዝሰማማዕ ምዃኑን...” የብርሁ።

ካርዲናል ኩፒች እቲ ኣዋጅ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሓዳር እትህቦ ባህላዊ ትምህርቲ ከም ዝሕሉ ይሕብሩ፣ እዚ ድማ ምስቲ  ኣቐዲሙ ምስ ቶም ኣቅከሳውያን ሰበ-ስልጣን ንዝዀነ ይኹን ኵነታት "ብቐጻልን ብወግዓውን ኣሰራርሓታት ወይ ጽምብላት ምቛም" ግቡእ ከም ዘይኰነ ዝሕብር ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣቐዲሙ ምስ እተዋህበ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኢዩ።

ኣብ ዘይስሩዕ ወይ ዘይንቡር ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ቡራኬ ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት በርገሳዊ ሕብረት ወይ ምስኡ ብዝተኣሳሰር፡ ከምኡ’ውን ንመርዓ ብዝምጥን ቃላት ወይ ተግባራት ፈጺሙ ክወሃብ የብሉን ዝብል ጽኑዕ መርገጺ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር የጉልሕ፤ ከምኡ’ውን እዚ ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ንዝርከቡ ውልቀሰባትን ኣብ ተመሳሳሊ ጾታዊ ዝምድና ንዝርከቡን ዝምልከት እውን እዩ።

ስለዚ ከምዚ ዝበለ ቡራኬ ኣብ ካልእ ኵነታት ክፍጸም ከም ዘለዎ ይዛረብ፣ ኣብቲ ኩነታት ቡራኬ ብምሃብ ““ንዝኾነ ነገር ሕጋዊ ንምግባር፣ ኣብ ክንድኡስ ህይወትካ ንኣምላኽ ንምኽፋት፣ ሓገዙ ንምልማት እምበር፣ ንዝኾነ ነገር ሕጋዊ ንምግባር ዝብል ዕላማ የብሉን፡ ከምኡ’ውን ክብርታት ወንጌል ብዝዓበየ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብሩ ንመንፈስ ቅዱስ ምልማን እዩ።”

ምሉእ ጽሑፍ መግለጺ ካርዲናል ኩፒች ኣብቲ ናይ ሃገረ ስብከት ቺካጎ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽብዎ ከም እትኽሉ ንሕብር!

21 December 2023, 16:57