ድለ

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት መግለጺ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት መግለጺ ዛዕባ ከባቢ ኣየር 

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት መግለጺ ዛዕባ ከባቢ ኣየር

ኣብቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንናይ መላኣ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ነቲ ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስጉምቲ ኹነታት ኣየር ዝሃብዎ መምርሒ ክሰዓብ ተማሕጺኖም እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ፍትሒ ኣብ ምድጋፍ ዘለዋ ግደ ዘጒልሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት፥ ኣህጉራዊ መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ኣህጉራዊ መበል 27 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ብዙሕ ስለ ዘይተፈጸመ ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ብዝብል ርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንበርዎ ለበዋታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካር ኣባይቲ ጳጳሳት ሕብረት ናይ ፍትሕን ሰላምን ልምዓትን ጉዳይ ሽማግለ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ዣን ገርማይን ራጆኤሊሶን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ገሊጾም።

ንግዳያት ለውጢ ከባቢ ኣየር

ሓደ ካብቶም ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘድልዮም መዳያት “ምንካይ ልቀት ካርቦን ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብፍላይ ንኸም በዓል ማዳጋስካር ዝኣመሰላ ተቓላዕቲ ዞባታት ዓቢይ ሓገዝ ዘለዎ እዩ፥ . . . ንኣምር ፍትሒ ከባቢ ኣየር ብምጉላሕ ንዝደኸያ ሃግራት ንምድጋፍ ድልውነት ገለ ገለ ምዕቡላት ሃግራት ኣቃልቦ ገይሮም፥ ንፍሪቃ ፍትሒ ከባቢ ኣየር ኣገዳሲ እዩ . . . ስለዚ ንድኻታት ሃገራት ንምድጋፍን ነቶም ግዳያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝኾኑ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳስን ግብረ ገባውን ሓላፍነትን እዩ!” ኢሎም።

ተራ ቤተ ክርስቲያን

ብዛዕባ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ግዳያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ምጉስጓስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ዓቢ ተራ ክገልጹ እንከለዉ፥ “ንሕና ምስቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ዞባዊ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳትን ውፉያን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮም ኣብዚ ጉዳይ ሰባት ኣስተውዕሎ ክገብሩ ብንጥፈት ንዋፈር ኣሎና፡” ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ድኽነት ንምቅላስን ዘለዋ ተወፋይነት የጉልሑ።

“ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ብሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ልምዓትን ኣቢላ ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም እያ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ብኣድማዒ መገዲ ንምትሕልላፍን ሕብረተሰብኣዊ ፍልልያት ንምምካትን ምስ ካቶሊካውያን ኣካላትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣጉሊሖም፥ ኣብ COP28 - መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ውክልና ኣፍሪቃ፥ “ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃ ፍትሒ ሰላምን ሕውነትን ዝነግሰላ ሓዳስ ዓለም ንምምስራት ኣብ መንጎአን ምትሕግጋዝ ከርእያ ከም ዘለዎንን እዚ ተግባራዊ ክኸውን ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

06 December 2023, 12:25