ድለ

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ልደት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ውግእ ተስፋ የለዓዕል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ልደት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ውግእ ተስፋ የለዓዕል  (AFP or licensors)

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ልደት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ውግእ ተስፋ የለዓዕል

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፓትርያርካትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ ዓመታዊ መልእኽቲ በዓለ ልደት፥ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ሞንጎ ዓቢ መከራ ከም እተወልደ ብምዝካር ክርስትያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ቅድስቲ መሬት ፍትሓዊ ሰላም ንኽህሉ ከይተሓለሉ ክዓዩ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓል ልደት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፓትርያርካት መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘዕኑ ዘሎ “ዘስካሕክሕ” ውግእ ብቕጽበት ደው ክብል ዳግማይ ተማሕጺኖም።

ዘይሕሰብ መከራ

መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ልደት ነቲ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዞባ “ንማእለያ ዘይብሎም ስድራቤታት ሕሰምን ዘይጸናናዕ ሓዘንን” ዘምጽእ ዘሎ ግጭት “ዘስዓቦ ክግመት ዘይከኣል ኵለ መዳያዊ መከራ” ነቒፎም።

“ነቶም ኣብ ማእከል ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ኩነታት ዝርከቡ፡ ተስፋ ርሑቕን ዘይብጻሕ ይመስል። ጎይታ ባዕሉ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኩነታት ተስፋ ክህበና ተወልደ” ክብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣስተብሂሎም፣ ቅድስቲ ስድራቤት ናብ ግብጺ ክትሃድም ዘጋጠማ ጽንኩር ኩነታት ኣዘኻኺሮም።

“ኣብ ቀዳማይ በዓል ልደት፡ እቲ ኩነታት ካብ ናይ ሎሚ ዝረሓቐ ከምዘይነበረ ክንዝክር ይግባእ። በዚ ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ንወዶም ዝውለደሉ ቦታ ንምርካብ ተጸጊሞም። ምቕታል ህጻናት ስለ ዝነበረ። ወተሃደራዊ ጎበጣ ነይሩ እዩ። ቅድስቲ ስድራ ድማ ስደተይና ኮይናን ተመዛቢላን።

ልደት ክርስቶስ ናይ ተስፋን ሰላምን መልእኽቲ የነቓቕሕ

“ ልደት ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ዘነቓቕሖ መለኮታዊ መልእኽቲ ኣብ ማእከል መከራ እውን ከይተረፈ ተስፋን ሰላምን እዩ” ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም፡ “ክርስቶስ ተወሊዱ ኣብ ማእከል ብርቱዕ መከራ እውን ይነብር ነበረ። ብርግጽ ንጸልማት ብምስዓር ብርሃን ተስፋ ናብ ዓለም ምእንቲ ክበርህ፡ ምእንታና ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል መከራ ተሳቐየ።”

ብተመሳሳሊ እቲ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ቅድስት መሬትን ኣብ መላእ ዓለምን ዘለዉ ምእመናን “ኣብ መገዲ ፍትሕን ምሕረትን ሰላምን ንሓድሕድና ክንመላለስ ምእንቲ ክንመሃር ጸጋ ኣምላኽ ክንደሊ” ይዕድም።

ኣብ መደምደምታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ፓትርያርካትን መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ንክርስትያንን ኩሎም እቶም ሰናይ ድሌት ዘለዎምን “ኣብዛ ንሰለስቲአን ሃይማኖታት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ብማዕረ ቅድስቲ ዝኾነት መሬት ሓገዝ ንዝሳቐዩን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኽህሉን ከይተሓለሉ ክዓዩ” ይዕድም።

ንጉስ ዓብደላሕ ዮርዳኖስ ምስ መራሕቲ ክርስትያንን ኣስላምን ተራኺቦም

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋንን ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ንጉስ ዓብደላሕ ዮርዳኖስ ዕለት 20 ታሓሳስ ካብ ኢየሩሳሌምን ዮርዳኖስን ምስ ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትያንን ኣስላምን ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ጉጉስ ኣብዱላሕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠም ዘሎ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ኩነታት ኣጠንቂቑ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝለዓለ ወጥሪ እውን ብምስትውዓል ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ እስላምን ክርስቲያንን ቅዱሳት ቦታታት ኣብ ምክልኻል ብሓባር ደው ምባል ከምዘድሊ ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ክርስትያን ኣብ ቤተልሄም ኣብ ዝካየድ ቅዳሴ ልደት ከይሳተፉ ክኽልክሉ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ከምዘለዉ ኣጠንቂቖም፣ ዮርዳኖስ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትሕብባር መንፈሳውያን ነጋዶ ናብ ቅድሳት ቦታታት ክነግዱ ዝኽልሉ መገዲ ንምፍጣር ክትዓዪ እያ እንክብሉ ኣረጋጊጾም ብተወሳኺ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ዒላማ ምግባር ዮርዳኖስ ብጽኑዕ ከምእትኹንኖ ብምግላጽ ብዙሓት ኣብዞም ቦታታት ዕቝባ ከም ዝሓተቱን ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ኣመልኪቶም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዝኾነ ይኹን ዕርቂ ናብ ምቁራጽ ተኹስን ናብ መኣዲ ዘተ ንምምላስን ክድርኽ ከምዘለዎ ደጊሞም ምስ ገለጹ እዚ ድማ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ምርድዳእ ዝድገፍ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኮሰ ፍታሕ የድሊ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ወተሃደራዊ ፍታሕ የለን

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓደ ክኾኑ እንከለዉ ዮርዳኖስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ምድላይ ንትገብሮ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ተራ ብምንኣድ “ብሓባር ብኹሉ ዝከኣል መገዲ ንዓለምን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓቂ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ንምባል ንጽዕር ኣሎና” ኢሎም ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ንመጻኢ ቓዛን ፍልስጤማውያንን ሓድሽን ክውንነታውን ኣረኣእያ ንምርካብ ክሕግዝ ዘለዎ ህጹጽ ምትእስሳር ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ብተወሳኺ ንግስነት ኣብዱላሕ ነቲ ብዙሕ ሃይማኖታውን ብዙሕ ባህላውን ባህሪ ቅድስቲ ከተማን ‘ዝነበረ ኩነታትን’ ንምዕቃብ ኣብ ምሕጋዝ ዝጻወቶ ወሳኒ ተራ ኣጉሊሖም።

ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ቴዎፍሎስ ሳልሳይ እውን ኣቃሊሖም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ፍታሕ ሰላም ከምጽእ ኣይክልን እዩ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

22 December 2023, 17:03