ድለ

ካፎድ፡ ህዝቢ ቓዛ ብህጹጽ ሓገዝ የድልዮ ካፎድ፡ ህዝቢ ቓዛ ብህጹጽ ሓገዝ የድልዮ  (AFP or licensors)

ካፎድ፡ ህዝቢ ቓዛ ብህጹጽ ሓገዝ የድልዮ

ካፎድ እተሰምየ ድኸንት ኣብ ምውጋድን ንምዕባለ ብድኽነት ዝነብሩ ዝድግፍ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ወግዓዊ ካቶሊካዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ቓዛ ‘ህጹጽ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ’ ደጊሙ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ህዝቢ ብጥሜትን ቁሪን ዝሳቐየሉ፡ ፍርቂ መላእ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ዘመዛበለን ንህዝቢ ቓዛ ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ዘለዎ ውግእ ደው ክብልን ሓገዝ ክቐርብን ዝጸውዕ ወፍሪ ከም ዘብገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌይልስን (CAFOD) ብህጹጽ ተኹሲ ደው ምባልን ንህዝቢ ቓዛ ሓገዝን ክቐርብን ቅድም ክብል ዘቕረቦ ጻውዒቱ ደጊሙ ብምቕራብ፥ ንሕዝቢ ቓዛ ዘድሊ “መድሃኒት፡ ነዳዲ፣ መግብን ማይን ብሓቂ ኣዝዩ ከም ዘድሊ” ናይቲ ካፎድ እተሰምየ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግልጣርን ወይለንስ ንማእከላይ ምብራቕ ወኪል ኤሊዛቤት ፉነል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፡ ቅልውላው እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተስፋ ዘቑርጽን ንሸውዓተ መዓልታት ኣብ ዝተገብረ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ቓዛ ዝኣተወ ሰብኣዊ ቀረብ ይውዳእ ከም ዘሎ እውን ሓቢረን፡ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ እቲ ተጻብኦታት መሊሱ ምስ ተጀመረ “እቲ ኩነታት ብሓቂ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ናህሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ የብል ኣሎ፡” ሰባት ብድኻምን ብጥሜት ይሳቐዩን ኣለዉ፡ ይመዛበሉን ፋሕ ይብሉን ምህላዎም ድማ ሓቢረን፡ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ከባቢ ዝስቓይ ዝዳረግ ዘሎ ህዝቢ ሓበሬታ ንምርካብ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ” ኢለን።

ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ተዓቚቦም ዘለዉ ሰባት “ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ኣዝዩ የድልዮም ኣሎ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ውግእ ምኽንያት ኣገዳሲ ነገራት ኩሉ ንምርካብ ንኽወጹ ይፈርሑን እተን ሓገዝ ዘቕርባ ትካላት እውን ሓገዝ ንምብጻሕ የጸግመን ኣሎ - ምስ በላ - እቲ ናብ ቓዛ ክኣቱ ዝኽእል ቀረብ ኣዚዩ ውሕድ እዩ። ዝለዚ ዝለኣኽ ሓገዝ ክብ ምባል የድሊ” ይብላ።

ቀረብ ነዳዲ

ነዳዲ ብመሰረቱ ኣብተን ኣባይቲ ሕክምና ንዝቐርብ ሓይሊ መብራህቲ ኣገዳሲ ከም ዝኾነን፣ ነቲ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ንኽቕጽል፣ እንኮላይ ህይወት ናይቶም ቅድሚ ግዜኦም ዝውለዱ ህጻናት ንምድሓን ዝቐርብ ኣገልግሎት ሕክምና ንምክያድን ንኽንክን ጥዕናናን ሕይወትን ዘድሊ ማይ እውን ከም ዘየለን ገሊጸን” እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ብዙሓት ንሞትን ንዘይ ሓዊ ማህሰይትን የቃልዕ ኣሎ፡ ስለዚ

“እቲ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ንኽቕጽል ነዳዲ የድሊ።”

"ዋላ'ውን ቀረብ ካብ ግብጺ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ እውን እንተተፈቐደ፡ ነቲ ነዳዲ ዘበጻጽሓ ናይ ጽዕነት መካይን ንገዛእ ርሰን ነዳዲ የድልየን ስለዚ ነዳዲ እንተዘይሃልዩ ዘድሊ ኩሉ ሓገዝ ንምቕራብ ዝከኣል ኣይኮነን።” ኢለን።

ንመሰረታዊ ድሌታት ምላሽ ዝህቡ ናይ ውሽጢ ዓዲ መሻርኽቲ

ኣብ ቓዛ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን እንግልጣርን ዌልስን ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ መሻርኽቱ ብቐረባ ብምትሕብባር ነቶም በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ሰባት ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ። ዋላ እኳ ሓደጋ እንተሃለወ፡ ሰራሕተይናታት ናይቲ ትካል ረድኤት ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም እዚ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ንደሓር ንጠለባት ህዝቢ ንምምላእ ይቃለሱ ኣለዉ።”

ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ገለ ክፋል ደቡብ ቓዛ ህጹጽ ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ ከብጽሑ ከም ዝኸኣሉን፡ መሻርኽቲ ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ንሰባት ኣዝዮም ዘድልዮም ነገራት የበጽሑ ኣለዉ። "ዋላ'ኳ እቲ ኩነታት ጽንኩር እንተኾነ ነቲ ህብዚ ኣብ ምብጻሕን ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዘደንቕ ብልሓትን ጽንዓትን የርእዩ ኣለዉ" ኢለን።

ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ነቲ ኣዚዩ ዝተጎዳአን ገና ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብን ቁጥባዊ ሓገዝ ከቐርብ ጻውዒት የመሓላልፍ ኣሎ።

ሓደጋ ተላባዒ ሕማማት

እቲ ኲናት ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ፍልስጤማውያንን 1,400 እስራኤላውያንን ክም ዝሞቱን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን፡ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ቓዛ ተመዛቢሎም ከም ዘለዉን፥ "ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ቓዝ ዝሽፍን ሕጂ ኣብ ሓደ ከባቢ ራፋሕ ከም ዝርከብ እዚ ድሮ ነቲ ከባቢ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ዘዕለቕለቕ ስፍራ ምዃኑ" ሓቢራ፥

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ኩነታት፡ ብዘይ ኣገደስቲ ነገራት፡ ደረጃታት ጽሬት ምሕላው ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነ፥ “ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመሰላ ትካላት፡ እቲ ሕማም ብዙሓት ሰባት ክቐትል እዩ ዝብል ስክፍታ እናወሰኸ ይኸይድ” ምህላዉ ተዘኻኽር።

ህያባት ልደት ንህዝቢ ጋዛ

ብመንጽር እቲ ዝመጽእ በዓላት ልደት፡ ነቶም ብዝያዳ ሰላም ዝደልዩን፡ ኣብ ቓዛ ንዝሳቐዩ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ብጸሎት፡ ብጻውዒት ይኹን ብወፈያ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእሉ መንገድታት ከምዘለዉ ድማ ገሊጸን፥ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መሻርኽቲ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፥ “ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ንገዛእ ርእሱ ኮነ ንደቁ ሰላማዊ መጻኢ ክርእዩ ዘይከኣሎ ኮይኑ ከም ዘሎን” ውግእ ዘስዕቦምን ዝፈጥሮን ተስፋ ቁርጸት” ኩነታት ከቢድ እዩ፣ "ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ ናይ ቤተክርስቲያንን ካልኦት ትካላት ረዴትን መሻርኽትና ተነጺሎም ከም ዘለዉ እዩ ዝስምዖም፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዝተረስዑ ኮይኑ ይስምዖም" ዝበለት ፉነል፥ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፥ “ምእንታኦም ክጽለ ዘተባብዕን መራሕቲ እቲ ከባቢ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ክድግፉን ንዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ሓገዝ ንምቕራብ ቁጠባውን ንዋታውን ሓገዝ ክቐርብ ጎስጓስ” የካይድ ምህላዉ ሓቢረን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

16 December 2023, 16:35