ድለ

ሊቀ ጳጳስ ሎምፖ፥ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምንቲ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኒጀር ይጸልዩ ሊቀ ጳጳስ ሎምፖ፥ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምንቲ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኒጀር ይጸልዩ 

ሊቀ ጳጳስ ሎምፖ፥ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምንቲ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኒጀር ይጸልዩ

ኣብ ኒጀር ርእሰ ከተማ ኒያመ ሊቀ ጳጳሳት ጃልዋና ሎረንት ሎምፖ፡ 2024 ዓ.ም. ዓመተ ሰላምን ድሕነትን ጸጥታን ሃገሮም ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ብምሕባር፡ ኩሎም ኒጀርያውያን፡ ሃይማኖት ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ እሙናት ክኾኑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ መዝዛም 2023 ዓ.ም. ሒደት መዓልትታት፥ ናይ ኒጀር ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ጃልዋና ሎረንት ሎምፖ፡ ኒጀር ኣብ 2023 ዓ.ም. ከቢድ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠማ ህዝቦምን ሃገሮምን ስለቲ ዘርኣይዎ ተጻዋርነት ንኢዶም፡ ገለ ካብዚ ኸኣ፡ ግብረ - ሽበራ ዘሳቕያ ዘሎን በቲ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ውድብ ዘንበሮ እገዳታ ኣብ ሃገሮም ኣብ ተወሳኺ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ብድሆታት ከም እትርከብን። እቲ እገዳ ድማ ኻብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ዓ.ም. እተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኣትሒዙ ዝቝጽል ዘሎ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ንክርስቶስ ከም ውሁዳን ጉጅለ እምነት ምምስካር

ሊቀ ጳጳሳት ሎምፖ ን2023 ዓ.ም. ንድሕሪት ተመሊሶም ክሓስቡ እንከለዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተጀመረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጉስነት ዓመት ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎን ምስ ሲኖዳውነት ዝሰማማዕ ምዃኑን ገሊጾም።

“ከም ቤተ ክርስቲያን - ስድራቤት ኣምላኽ ኣብ ኒያመይ፡ ብሓባር ክንመላለስ ንደሊ፡ ብኽብርታት ወንጌል ተደሪኽና መነባብሮና ከባቢናን ክንቅይር ንደሊ። እዚ ብሓባር ምጉዓዝ ድማ ነዚ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ይጠቕመና” ምስ በሉ፥ ወሲኾም፡ “እዚ ድማ ኣብታ ኣስላም ኣብላጺ ኣብ ዝኾኑላ ሃገርና ንፍቕሪ ክርስቶስ ህያው መሰካኽር ክገብረና እዩ” እቲ ለውጢ፡ እዚ ናይ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናንን ሕንጸት ተዋፍይነትን ዝሓትት ምንዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ሃገር

ናብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ኒጀር ኣብ ዓመት 2023 ዓ.ም. ዝተፈጠረ ለውጢ፡  ነቲ ብ26 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ንርእሰ ብሔር መሓመድ ባዙም ካብ ስልጣን ዝኣለየ ኩነት ብቐዳምነት ዘኪሮም። እዚ ዕልዋ መንግስቲ እዚ ድሕሪ ናጽነት እታ ሃገር ካብ 1960 ዓ.ም. ንሓሙሻይ ግዜ ዝተፈጸመ እውን ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ነቲ ብዕልዋ መግንስቲ ዝተኣለየ ነበር ስርዓት እታ ሃገር ናብ ስልጣኑ ንምምላስ ድማ ኣባላት ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ከቢድ ቁጠባዊ እገዳታት ኣንቢረን፣ ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓት ክምለስ ከም ዝጠለባን፡ ብመሰረት ጳጳስ ሎምፖ፡ እገዳታት ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ዜጋታት ንጸገም ዝዳረገ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ግን “ኣብ ዘይሓልፍ እግዚኣብሔር ንኽውከሉ ዝሕግዝ ዕድልን ኣብ ትእዛዛት ኣምላኽ ሓቀይታትን እሙናትን ኮይኖም ንኽጸንዑ ዝቐርብ ጻውዒት እዩ፡ ብተወፋይነትናን ኣብ ክርስቶስ ብዘለና እምነትን እውን ኢና ንሃገርና ናብ ሓዘን ዘጥሕሉ ዘለዉ ኣሸበርቲ ብድሆታት ናብ ዓወት ብዘብጽሕ ኣገባባት ክንገጥሞም እንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ዕሸል ኢየሱስ ናብ ሰላም ክመርሓና እዩ።

“ብመንገዲ ምውላድ ኢየሱስ ኣብ በዓቲ፡ ማሕበረሰባትና ወትሩ ህያዋን ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም፡ ዋላ’ኳ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ዘይውሕስነት እንተሃለወ፡ ዝሓሸት ዓለም ንኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ብምትስፋው ክቕጽሉ እዮም። “ኣብ ኩሉ መብጽዓታትና ንኣምላኽ ዝህልወና ተኣማንነትና ናብ መንገድታት ዓወት ክመርሓና እዩ” እንክብሉ ዘረጋገጹ ሊቀ ጳጳሳት ሎምፖ፥ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን እታ ሃገር ሰላምን ሓድነትን ክህሉ ውዕዉዕ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም እምነታት ብስኒት ኣብ ምንባርን ጎኒ ንጎኒ ኮይኖም ኣብ ምውሳእ ክቕጽሉ ኣለዎም፡ እዚ ኣብ ተኣማንነት ዝምርኮስ ሓድነት፡ ንሃገርና ኒጀር ዓወት” ከምጽእ ይኽእል’ዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

27 December 2023, 15:11