ድለ

2023.12.16  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ንናይ ኤጳርቅና እምድብር ተካኢ ጳጳስ ሰምዮም 2023.12.16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ንናይ ኤጳርቅና እምድብር ተካኢ ጳጳስ ሰምዮም  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ንናይ ኤጳርቅና እምድብር ተካኢ ጳጳስ ሰምዮም

ዕለት 16 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ንናይ እምድብር ኤጳርቅና ተካኢ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይቲ ኤጳርቅና ካህንን ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ተሾመ ፍቅረ ወልደትንሳኤ ከም ዝሰመዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ተሾመ ፊቅረ ወልደትንሳኤ ዕለት 6 ሰነ 1972 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ጉራጌ ዝተወልዱን ኣብ 1992 ዓ.ም. ተመሃራይ ዘርኣ ክህነቶ ኮይኖም ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያ ተቕዋም ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቖም ዕለት 11 ጥሪ 1998 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ናብ ሮማ ተላኢኾም ብሕገ ቀኖና ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያናት ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ኣብ ኣጣጥ ቆሞስ ኮይኖም ንኣስታት 10 ዓመታት ከምኡ እውን ናይ ኤጳርቅና እምድብር ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣወሃሃድን ካብ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ኢትዮጵያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከም እተመዙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 December 2023, 16:22