ድለ

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

መግለጺ ዓለምለኸ ጉባኤ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ብዛዕባ ህልቂት አብ ቅድስቲ መሬት

ውግእ እስራኤልን ሓማስን እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሕብረት ኣብያተ-ክርስትያን ብሕብርት እንደገና ካብ መላእ ዓለም ብሰብአዊ ሓልዮት ተዅሲ ደው ናይ ምባል ጻውዒት የቕርብ፣ ከምኡ ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንኸስፍን እንደገና ብሕብረት ንኽሰርሕ ይጽውዕ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምለኻዊ ጉባኤ ሕብረት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንኽህሉ ከምኡውን ብሕጹጽ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ውዕላት ክግበር ዳግም  ምሕጽንታኦም አቕረቡ።

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሕብረት አብያተ-ክርስቲያን ኣብቲ ኣቡጃ ናይ ጀርያ ዝገበሮ ዓመታዊ ኣኼባ አብ ዝዛዘመሉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ብዛዕባ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ኣካል እቲ ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ፍቕዲ ዘይብሉ ሞትን ዕንወትን በሰላን ዓሚቝ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ሰላማውያን ሰባት ዚወርድ ዓመጻ ንዅንን

እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝኸውን ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ዓመጽን መከራን ደው ንምባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ፖለቲካውያን መራሕትን ብዘይምዕዋቶም "ዜሕንኽ ፍሽለት" ክልብል ሰይምይዎ ይርከብ ።

እዚ ኮሚቴ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን፣ ነቲ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን እስራኤል ዝፈጸሞ ግብረ-ሽበራዊ ፍጻሜ ከም ብሓድሽ ኰነኖ፣ እዚ ድማ ቈልዑ ዝርከብዎም ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ብምቕታሎም ከምኡውን ሰላማውያን ሰባትን ጅሆ ብምሓዝ ንሰብ ከም ዋልታ ምጥቃም ዘስዓቦ ስቓይን ቍጥዓን ዝገልጽ ኢዩ።

ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ንልዕሊ 11,000 ሰባት ዝቐተለ እንተ ወሓደ ኸኣ 37,000 ዝዀኑ ኣንስትን ቈልዑን ዘቝሰለ ሰላማውያን ሰባትን ሆስፒታላትን ኣብያተ-ክርስትያንን ከምኡውን መሳጊድን ብዘይ ኣፈላላይ ዘዕኑ ዘሎ ግብረ-መለሳዊ መጥቃዕቲ ብምንቃፍ፣ ነቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ዝገበረቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባር ውን ኰነኖ።

ኣብ ምዕራባዊ ገምገም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻ

ብተወሳኺውን እቶም ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ሰፈራታት ብዕጡቓት ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ኣብያተ- ትምህርትን ማሕበረሰባትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓመጽ ከም ዝፍጸ ዘሎ ገለጹ፣ ነቲ ናብ ኣቝሻት ፍልስጥኤም ዘእቱ መንገዳት ውን ከም ዝዓጸውዎ ይምስክሩ ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሕብረት አብያተ-ክርስቲያን አብ መንጎ ወለዶታት ፍልስጥኤምን እስራኤልን በዚ ነዞም ንጹሓት ሕጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ በሰላ ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጕልሐ።

ስለዚ "ኵሎም ወገናት ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ህይወትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣኽብሮት ንኽወሃቦ" ከምኡውን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ "ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሕዞም ዝለዉ ሰባት ብቕልጡፍ ናጻ ኽወጹን ብደሓን ክምለሱን" ከምኡውን "ብህጹጽ ውግእ ደው ከብሉን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት መንገድታት ክኽፈትን" አትሪሮም ተማሕጸኑ።

ጸረ - ሴማዊነትን ኢስላምፎብያን እናወሰኸ ምኻዱ ዘጨንቖ ነገር

እዚ ኮሚተ ብተወስኺ ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ "እና በዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ጽልኢ ዝመልኦ ተግባራትን መግለጺታትን ጸረ - ሴማዊነትን ከምኡውን ጽልኢ ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ዘለዉ ኣዕራብን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልማናን ከምኡውን ኣብ መላዕ ዓለም ዝርአ ዘሎ መንፈስ ጽልኢ" "ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ" ገለጸ ።

ጻውዒት ኣብታ ቕድስቲ መሬት ቀጻልን ፍትሓውን ሰላም ንኽህሉ

ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሕብረት አቡያተ ክርስቲያን ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ንሰብኣዊ ኽብርን ማዕርነትን ኵሎም ሰባት ብምግንዛብ ኣብ ምክብባር እተመስረተ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ናብ ቀጻልን ፍትሓውን ዝኾነ ሰላም ንምብጻሕ ብንጥፈት ክድግፍ ከም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣብ መደምደምታ ኸኣ ኹሎም ንኣባላት ሕብረት ኣብያተ-ክርስትያንን ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባትን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኽርከብ ክጽልዩን ብሓባር ክዓዩን ብምዕዳም መልእኽቶም ዛዘሙ።

16 November 2023, 22:07