ድለ

ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ሲኖዶስ ዝያዳ ክንሰምዕ ይምህረና ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ሲኖዶስ ዝያዳ ክንሰምዕ ይምህረና  (Vatican Media)

ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ሲኖዶስ ዝያዳ ክንሰምዕ ይምህረና

ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ - RECOWA ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ቪታሊስ ኣናሆቢ ድሕሪ እቲ ሲኖዶስ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሒዞምው ዝኸዱ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ፥ ምእመናን ምስማዕ ዝለዓለ ኣድላይነት ዘለዎ ዝብል ውሳኔ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ናይጀሪያዊ ካህን ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ኣባ ቪታሊስ ኣናሆቢ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስማዕ ብዙሕ ጸገማት ክፈትሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘረጋገጹን ይኹን እምበር ንኹሉ ምስማዕ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ምእመናን ክስምዑ የተሓሳስቡ

ኣባ ኣናሆቢ ናይጀሪያ ብምጥቃስ ኣብዚ ዝተዛዘመ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝዓዩ ንሰባት ብፍላይ ነቶም ኣብ መከራን ስቓይን ዝርከቡ ብቤተ ክርስቲያን ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖምን ክሰምዑ ከም ዘለዎም ዘተሓሳሰበን ሰባት ቃንዛኦም ክንፈትሕ ዘይከኣል ይኸውን እንተኾነ ግን እቲ ናይ ምስማዕ ተግባር ኣብ ሰባት ተስፋ ከም ዝፈጥር ርግጸይና ምዃኖም ሓቢሮም፡ “ሰባት ክትሰምዕ ከለኻ ጸገማቶምን ኩነታቶምን ትርዳእ። ሽግሮም ክትፈትሕ እንተዘይኪኢልካ እውን እንተወሓደ ተሰሚዐ ዝብል ተስፋ ትህቦም” ይብሉ።

ምሉእ ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሲኖዶስ

ኣብቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝያዳ ዝተንከፎም እንታይ ምዃኑ ኣባ ኣናሆቢ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክሕብሩ እንከለዉ፥ “ምሉእ ተሳትፎ ዓለማውያን” ምዃኑ ገሊጾም፥ ጳጳሳት ዘይኮኑ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ዘበርከትዎ ኩሉ ብሓቂ ዘይተኣደነ ዋጋ ዘለዎ ምዃኑን ነቲ ምትእስሳር ንምትብባዕን ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝተዳለወ ብጉጅለ ተወዳዲባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዘተ ዕዮ ብሓቂ ዝነኣድን ኣብቲ ናይ ዕዮ ጉጅለ ካርዲናላት ካህናት ጳጳሳት ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዓለማውያን ምእመናን ኩሎም ብሓድነትን ብሓባርን ሓሳቦም ክገልጹን ክዝትዩም ምርኣይ ዘተባብዕን ምልክት ኵላውነት ምንባሩ የብርሁ።

ጽሙር ጸብጻብ ሲኖዶስ

ቀዳም ምሸት ዕለት 28 ጥቅምቲ ናይቲ ንሓደ ወርሒ ኣብ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጽሙር ሰነድ ከም ዝወጸን ገለ ካብቶም ጉዳያት ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ምጽምባር ዓለማውያን ምእመናን ስደትን ሰላም ኣብ ዓለም ድኽነትን ዝብሉ ነጥብታት ዝርከቦ ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ብዘዕረገዎ መስዋዕት ቅዳሴ ብወግዒ ዛዚሞም ናይቲ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ካልኣይ ምዕራፍ ኣብ ወርጢ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕ ዘዕቢያ ፍሉይ ተመክሮ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

03 November 2023, 15:24