ድለ

TOPSHOT-SUDAN-CONFLICT TOPSHOT-SUDAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ሱዳን፦ ብውግእ ዝሳቐ ዘሎ ማሕበረሰብ ንኣሓት ሳሌዥያውያን ምስኦም ኺጸንሓ ሓቲቶም

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ርእሲ ኸተማ ካርቱም ሱዳን ገዳም ኣሓት ደናግል ሳሌዥያን ደብዳብ እኳ እንተ ኣዕነዎ፣ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ተቐማጦ ግን እተን አሓት ደናግል ምሳታቶም ክጸንሓን ምግብን መሰረታዊ ድሌታትምን ክልግሳን ተስፋ ክኾንዎምን ይሓቱ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም 9,000 ሰባት ከኣ ኣብቲ ኣብ ክልተ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ዝተገብረ ግጭት ህይወቶም ስኢኖም ይርከቡ አለዉ።

እቲ ግጭት ካብ ዚባራዕ ልዕሊ ሸውዓተ ወርሒ አቑጺሩ አሎ፣ እቲ ኣብ ሱዳን እተኻየደ ጭካነ ዝመልኦ ውግእ ድማ ምኽንትያት ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ሕዝቢ ስዳን ኮይኑ ኣሎ ። ርእሲ ኸተማ ካርቱም ብብዙሕ ቦምባታት ትድብደብ አላ፣  ካብቶም በዚ ደብዳብ እዚ ቤቶም ዝዓነዎም ድማ ልኡካን ኣሓት ደናትል ዘቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ኢያተን።

ዝሓለፈ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 ዘጋጠመ ደብዳብ ቦምብ ነቲ ገዳም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚአን ሓሙሽተ ደናግልን 20 ኣዴታትን 45 ህጻናትን ሓደ ኻህንን ሓደ መምህር ትምርተ ክርስቶስን ከምኡውን እተወሰኑ ካልኦት ሰባትን ዝዕቆቡሉ ዝነበረ ሕንጻ አዕንይዎ ይርከብ አሎ ።

እቶም አብቲ ገዳም ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ብተኣምራታዊ መገዲ እኳ እንተ ደሓኑ፣ አብ ለዕሊ እቲ ህንጻ ግና ከቢድ ጕድኣት ወሪዱ አሎ ።

ንስኻትን ጥራይ ኢኽን ተስፋና!

እቶም ዝሕዝቢ በዘን አብ መንጐኦም ዘለዋ ኣሓት ደናግል ምጽንናዕ ከም ዝረኸቡ ብምግላጽ፣ ነተን ኣሓት እንኮ ተስፋኦም ስለ ዝዀና ምሳታቶም ኪጸንሓ ገዲፈናኦም ከይከዳ ይሓቱ አለዉ ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ገዳመን ተዓቊቦም ከም ዘለዉ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፣ ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ ኣቀባብላ ዝህባ ኣሓት ደናግል ከም ምዃነንን ማሕበራዊ ሓገስ ከም ዝገብራሎምን ኢዮም ዝምስክሩ።

"ኣብዚ ኽሳዕ ዘለኹም ተስፋ ኣሎና ኣይትሕደጋና በጃኽን! " ክብሉ ድማ ምሕጽንታኦም የቕርቡ አለዉ።

ብመሰረት ፍቓድ ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር እዘን ኣሓት ደናግል "ኣብቲ ዘለዋኦ ቦታ ክጸንሓ ፍቓድ ብምርካበን ሕጉሳት ኢየን" ዝባል ምላሽ ከም ዝተረኽበ ውን ይንገር አሎ።

ዕቝባን ሰላምን ንምርካብ ጸሎት አገዳሲ ከም ዝኾነ

ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ክብርቲ እናቴ ኪያራ ካዙኦላ ብዛዕባ እቲ ርሕቀት ናይቲ ከባብን ሕጽረት መራኸቢታትን  እኳ እንተ አሰከፈን፣ እታ ወትሩ እተዕቍበን ቅድስቲ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ዝኾነት ምስአን ከም ዘላ እምነተን ገለጻ ።

ንዅሎም ኣባላት  ማሕበር ድማ ምእንቲ ሰላም ሱዳንን ኩሉ ብውግእ ዝሳቐ ዘሎ ከባቢታትን ፍሉይ ጸሎትን ምሕለላን ክግበር ተማሕጸና ።

እናቴ. ካዙኦላ ንማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጊድዮ ድማ ስለቲ ምስ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ምስተን አባላት ማሕበረን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርታት አመስገናኦ ።

እናቴ ካዙኦላ አብ መግለጺአን "እቶም ደቂ እቲ ዓዲ እውን ሕያዎትን ለጋሳትን ስለ ዝዀኑ 5 ኪሎ ግራም ስጋ ንተን አሓት ደናግል ምእንቲ ኺውፍዩለን በጊዕ ሓሪዶም ንዅሉ ከም ዝአክል ከም ዘካፈልወን” አዘንተዋ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን  ነቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ግን ከኣ እተረስዐ ውግእ ፍታሕ ንምርካብ ስምምዓትን ውዕላትን ክግበር ብተደጋጋሚ ምሕጽንታኦም አቕሪቦም ኢዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ውን ንመራሕቲ እታ ሃገር ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ናይ ሰብአዊ ረድኤት መንገድታ ክረኽቡን፣ ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንውግእ ሓድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሔ አብ ምርካብ ንክጽዕሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም ።

16 November 2023, 21:56