ድለ

ጳጳሳት ስፐይን ስለ ዝተፈጸመ ግህሰት ይቕረታ ይሓትቱ፡ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ይነቕፉ ጳጳሳት ስፐይን ስለ ዝተፈጸመ ግህሰት ይቕረታ ይሓትቱ፡ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ይነቕፉ  (ANSA)

ጳጳሳት ስፐይን ስለ ዝተፈጸመ ግህሰት ይቕረታ ይሓትቱ፡ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ይነቕፉ

ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ስፐይን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ኣማእኪሉ ጸብጻብ ከም ዘሕተመን፡ ይኹን እምበር ነዚ መሰረት ብምግባር ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ዝህብኦ ዘለዋ ኣሃዛዊ ግምታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ጽላሎት ጥርጠራ” ናብ ኩሉ ውሉደ ክህነት ክዝርጋሕ ከም ዘይብሉ ኣመላኺቶም፡ ንግዳያት ቅድም ክብል ዘቕርብዎ ሕቶ ይቕረታ ይሕድሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 30 ጥቅምቲ ድሕሪ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስፐይን ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ዓሚቝ ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸብጻብ ‘ጋቢሎንዶ’

እዚ ጸብጻብ ውጽኢት ናይቲ ብኦምብዱስማን ኣንገል ጋቢሎንዶ ዝተኻየደ መርመራ ኮይኑ፡ ዕለት 27 ጥቅምቲ ድማ እቲ ጸብጻብ ንናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከም ዝቐረበን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ዘሎ ኣብ ሸሞንተ ሺሕ ብስልኪ ዝቐረበ ሓበሬታን ዝተወሃቦ መልስታትን ብመርበባዊ ርካባት ብዝተገብረ ሕቶን መልስን መሰረት ዝተሰናደው ኮይኑ፡ እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ እቶም 1.13 ሚእታዊ ኣብቲ ጸብጻብ ናይ ምትኽካብ ዝተሓባበሩ መልሲ ካብ ዝሃቡ ሎሚ ዓበይትን በጽሕን ዝኾኑ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ብገለ ገለ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረዶም ከም ዝገለጹን እቲ ሓቂ እዚ ክኸውን እንከሎ ገለ ገለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘመልክቶ ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳያት ኣሃዝ ብመላእ ህዝቢ ስፐይን እንተዝሽረፍ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ብገለ ገለ ብኣባላት ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብዓለማውያን ምመናን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ኣስታት 44 ሺሕ ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ዝሃቦ ሓበሬታ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ተሓተትቲ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዘድሊ ስጉምቲ ከም ዝወሰደን ማእከናት ዜና እውን ዝኣምናሉ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተነቀፍትን ካብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ንምክልኻል ዝካየድ መስርሕ ክበራታዕ ኣለዎ ዝብል እምነት እውን ከም ዘለዎም ዝተወሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ገሊጾም ይብል።

ንካሕሳን ምክልኻልን ኣብ ዝኣመተ ዕማም ብቖራጽነት ምስራሕ

ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገለጺ ዝመርሑ ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳ ካርዲናል ኹዋን ኾሴ ኣሜላን ዋና ጸሓፊኦም ኣቡነ ፍራንሲስኮ ሰሳር ጋርሲያ ማጋን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ 88 ኣቡናት ከም እተሳትፉን በቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ሰበኻታቶም ተዋፊሮም ብዘገልግሉ ገለ ገለ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ብዝፈጸመዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ ነቶም ግዳያት እውን ይቕረታ ንሓትት ከም ዝበሉን ብጀካ እዚ ነቶም ግዳያት ንምድጋፍን ናብ ዑቕባ ዝመርሕ መገዲ ንምዕማቝን ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ማህሰይት ንምክልኻል ብሓበር ክዓዪ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብማዕከናት ዜና ዝተወሃበ ኣሃዛዊ ጸብጽብ “ሓቅነት ዘይብሉ እዩ”

ይኹን እምበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ስፐይን ነቲ ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ስፐይን ማዕከናት ዜና ዝህብኦ ዘለዋ ኣሃዛዊ ጸብጻብን ትርጉምን ነጺጎም “እዚ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዝ ምስ ክውንነት ዘይራኸብን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነትን ብተወፋይነትን ህይወት ዝዓዩ ጉጅለ ካህናትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዝውክል ኣይኮነን” ከም ዝበሉን፡

ጾታዊ ዓመጽ ንኹሉ ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ

ማዕረ ማዕረ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እውን ብዛዕባ ዘሎን ዝፍጸምን ናይ ወሲብ ዓመጽ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ብምቕራብ ጾታዎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኩለን መንግስታዊ ትካላትን ናይ ብሕቲ ትካላትን ምላሽ ክህባሉ ግዴታ ከም ዘለወንን በዚ እውን እቲ ጸገም ማሕበራዊ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ስፓይናውያን ጳጳሳት ኣብ ቤተ ክስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ጾታዎ ዓመጽ ንምፍጥፋእ ዘለዎም ተወፋይነት ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ “ግህሰት ዘይጽወር እዩ” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፡ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ስፐይን ኣቡነ ፍራንሲስኮ ሴዛር ካርስያ ማጋን፥ “ኣብ ልዕሊ ኹሎም ካህናትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ጽላሎት ጥርጠራ ምዝርጋሕ ዘይፍትሓውን ጸለመን እዩ” እንክብሉ ከም ዘነጸሩ ኣፍሊጡ፡ “መብዛሕቲኦም ካህናትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብተኣማንነትን ብተወፈያነትን ዝሰርሑ ምዃኖም ኣብ ሰበኻታትን ማሕበረሰባትን ከምኡ እውን ንኹሎም ዝተገለሉን ኣብ ወሰናስን ንዝርከቡን ዝተጸገሙን ሰባት ዘገልግሉ እዮም” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ይሕብር።

ብቤተ ክርስቲያን ዝተኣዘዘ ናይ ምቁጽጻር ኪደት

ኣብ መባእታ 2023 ዓ.ም. ጳጳሳት ስፐይን ንሓደ il Cremades & Calvo-Sotelo ንተሰምየ ናይ ሕጊ ትካል ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ፍሉይ መርመራ ከካይድን ጸብጻባት ክእክብን ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም ጉዳያቶም ዝተኸወለን ኩሉ ከጻርይ ሓላፍነት ከም ዝሃብዎን እቲ ናይዚ ትካል ውጽኢት ድማ ኣብ መፋርቕ 2024 ዓ.ም. ክዝርጋሕ ትጽቢት ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 November 2023, 15:20