ድለ

ፒዛባላ ንቅድስቲ መሬት ንንጹህ ልቢ ማርያም የወፍዩ: "ሰላም ይመለስ" ፒዛባላ ንቅድስቲ መሬት ንንጹህ ልቢ ማርያም የወፍዩ: "ሰላም ይመለስ" 

ፒዛባላ ንቅድስቲ መሬት ንንጹህ ልቢ ማርያም የወፍዩ: "ሰላም ይመለስ"

"ንነበርቲ ዓድኺ መንገዲ ሕውነት" ከተመልክቲ ንምሕጸነኪ: "ኣብ ማእከል ነጎዳ ኣጽዋር ንሓሳብና ናብ ሰላም ንሰይፍና ድማ ናብ ማሕረሻ ቀይርዮ

ብፁዕ ካርዲናል ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ዕለት 29 ጥቅምቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ንግስቲ ፍልስጤም ምኽንያት ኣብ ደይር ራፋት ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ነቶም ዝሳቐዩን ካብ ተወንጫፍን ቦምብታትን ገዛእ ርእሶን ንምድሓን ዝሃድሙን ነቶም ዝተጎድኡ ወይ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝተገደዱ ብኣደእኣዊ ሕቕፍኺ የጸናንዕዮም” ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣደ ኣምላኽን ኣዴናን . . . ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጎደናታትናን መሬትናን ትጓዓዚ ዝነበርኪ ሕጂ ኣብ መንገድታት ሰላም ምራሕና፥” እዘን ቃላት ዕለት 29 ጥቅምቲ ብምኽንያት ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ንግስቲ ፍልስጤም ናይ ላቲን ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ደጊሞም ቅድስቲ መሬትን ንንጹህ ልቢ ማርያም ከም ዘወፈዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ መካነ ንግደት ደይር ራፋት ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፍስጥኤም ቅዱስ ምስሊ ዘቐደመ ዑደት ከም ዝመርሑ የመላኽት።

"ንንጹሕ ልቢ ማርያም - ኣብ ዘዕርገዎ ጸሎት - ንገዛእ ርእስና፡ ንቤተክርስትያንና፡ ንኹሉ ሰብኣውነት፡ ንህዝብታት ማእከላይ ምብራቕን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንህዝቢ ቅድስቲ መሬት ንዓኺ ንወፍይ።" ንስኺ ፣ ብልደትኪ ብጽቡቕ ባህርያትኪ ብኹሉ ብዕለታዊ ህይወትኪ ዝሰለምክያ፣ ካብዚ ድማ ንዓለም መድሕን ዝሃብኪ። እቲ ውግእ ክውዳእን ሰላም ኣብ ከተማታትናን ዓድታትናን ክዝርጋሕ ኣማልዲ"።

መራሕቲ ዓለም ምራሕ

"ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ናባኺ ንምለስ ስለ እተፍቅርናን ስለ እትፈልጥናን፥ ሰብኣውነት ካብቲ ናይ ሰላም መንገዲ ርሒቑ ኣሎ፡ ካብቲ ናይ ቀረባ ሕሉፍ ናይ ሚልዮናት ህይወት ዘኽፈለ መዓት ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ረሲዕና ኣብ ማእከል እቲ ክፍኣትን ውግእን ዝኾነ ምስጢር ዓመጽ ንመራሕቲ ዓለምን ዕጫ ኣህዛብ ዝውስኑን ምርሕዮም፡ ምእንቲ ብመሰረት ፍትሕን ሓቅን ክውስኑን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ክሰርሑን"።

ሓቛፍነትን ምጽንናዕን

ኣስዒቦም "ንነበርቲ ዓድኺ መንገዲ ሕውነት" ከተመልክቲ ንምሕጸነኪ: "ኣብ ማእከል ነጎዳ ኣጽዋር ንሓሳብና ናብ ሰላም ንሰይፍና ድማ ናብ ማሕረሻ ቀይርዮ። ኣደኣዊ ሓልዮትኪ ንዝሳቐዩን ዝሃድሙን የህድእ።" ካብ ሮኬትን ቦምባታትን ዝሃድሙን እቶም ዝተጎድኡ ወይ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝተገደዱ፡ ስድርኦም ዝሰኣኑ፡ እሱራትን ደሃዮም ዝጠፍኡ ጅሆ ዝኾኑ ኣደኣዊ ሕቕፎኺ የጸናንዕ።”

ካብዚ ብምብጋስ ናይ መወዳእታ ልመና፡ "ኣብዛ ሰዓት እዚኣ - ህዝብታት ቅድስቲ ሃገር ናባኻ ክውከፉ እንከለዉ፡ ልብኺ ብድንጋጸ ንኹሎም ብኲናት፡ ጥሜት፡ በደልን ድኽነትን ዝዓነዉ ህዝብታት ይሃርም"፡ "ብኣማላድነትኪ ምሕረት እግዚኣብሄር ኣብ መላእ ምድሪ ክዝርጋሕን እቲ ጥዑም ህርመት ሰላም ድማ መሊሱ ንመዓልትታትና ይብርህ” እንክብል ጸሎቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 November 2023, 15:44