ድለ

2023.11.22 ምያንማር፥ እቲ ንቁምስናታትን ንሰበኻታትን እውን ዘዕንው ዘሎ ዝተረስዐ ኲናት 2023.11.22 ምያንማር፥ እቲ ንቁምስናታትን ንሰበኻታትን እውን ዘዕንው ዘሎ ዝተረስዐ ኲናት 

ምያንማር፥ እቲ ንቁምስናታትን ንሰበኻታትን እውን ዘዕንው ዘሎ ዝተረስዐ ኲናት

ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እትርከብ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ሞትን ማህሰይትን ብዝለዓለ ደረጃ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላው፡ ሓደ መንነቱ ከይገልጸ ዝሓተተ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቫቲካን ኔውስ ሓቢሩ ኣስዒቡ፥ “ዓሰርተታት ናይ ሃይማኖት ህንጻታት ከም ዝዓነወን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካህናትን ገዳማውያንን መነኮሳትን መነኮሳንን ከም ዝተሰዱን፥ እቲ ህልው ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ “ነዚ መዓታዊ ኩነታት እዚ ዘይርስዕዎን ሰላም ክወርድን ዝሓትቱን ጻውዒት ዘቕርቡን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥራሕ እዮም” ይብል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገዳማት፡ ናይ ሃይማኖት ተቕዋማትን ህንጻታትን እውን ዓንዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ትሕቲ ቦምብታትን ሞርታርን ከይቅተሉ ንህዝቢ ሒዞም ክሃድሙ ተገዲዶምን ኣማኢት ኣሽሓት ግዳያት ዘስዕብ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሚያንማር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝኸፍአ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ፡ ናይ ሃይማኖት ህንጻናታትን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ዘይምሕር፡ “ንኣብነት ኣብ ሃገረ ስብከት ሎይካው ልዕሊ ፍርቂ ቁምስናታት ዘዕነወ እዩ . . .” ቢሉ እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣስዒቡ፥ “ጃምላዊ ስደት ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምስቲ ዝስደድ ህዝቢ ብሓባር ናብ ገጠራትን ወይ ኣኽራንን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ - እቶም ካህናትን ገዳማውያንን ካብ ህብዚ ክፍለዩ ከም ዘይደልዩ ነቲ ክርስቲያን ህዝቢ ዘድልዮ መንፈሳዊ ሓገዝ ከይስእን ሓቢሮም ይጓዓዙ ኣለዉ” ይብል።

ቤተ ክርስቲያን ከም ምወከሲ ነጥቢ

ኣብቲ ብፍላይ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ሃገር ኣብ ዘሎ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝተተኽለ መዓስከር ስደተይናታት ካህናትን መነኮሳንን መነኮሳትን ነቶም ዝተሰዱ ዝነበሮም ኩሉ ዝሰኣኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣረጋውትን ኣረጋውያንን ይኸናኸኑን የጸናንዑን - መሰረታዊ ድሌታቶም ጥራይ ዘይኮነ ጸሎትን መደባት ትምህርትን እውን ይመርሑ፡ ኮታ መደብ ህንጸት እውን የሳልጡ” ስለዚ ኣብ ስደትን መዓስከራት ስደተይናታት እምነት ህይወት ይቕጽል ከም ዘሎ ትርእይ፡ . . . በቲ ዝወርድ ዘሎ መዓት ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ጸገማትን ንዘጋጥሞም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ምስማዕ ኣገልግሎት ብምቕራብ እውን ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍ እውን ይህቡ . . . እቲ ህዝቢ ነቲ ዘጋጠሞ መዓት ብቓላት ብምግላጽ ስም ብምሃብ እውን ህይወቱ ንምጽንናዕን ሓገዝን ንደረት ሰገርን ክፉት ብምግባር ብሓቂ ተጻዋርነቱ ክብ የብል።”

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ዝፈጥሮ ሓሴት

እቲ ኵነታት ዝያዳ መሪርን ዘይጽወርን ዝገብሮ ዘሎ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ዘርእዮ ዘሎ ዘይተገዳስነት እዩ። ድሕሪ እቲ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዕልዋ መግንስቲ. ስዒቡ ዘሎን ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ ልዕሊ ኲናት ሓድሕድ ሚያንማር ረጒድ ኮቦርታ ስቕታ ዝወደቐ እዩ ዝመስል” ዘይንገረሉን ዘይስማዕን፡ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥራይ እዮም - ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንምያንማር ኣይንረስዕ እንክብሉ ቅርበቶም ዝገለጽሉ ሓሳብ የጸናንዓና ምእንቲ ህይወት ተባዓት ተቓለስቲ ክንከውን የተባብዑና - ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ህይወት ባህሊ ንኽንስዕሮ ሓደራ ይብሉና፡ ዝዝክሩናን ዘጸናንዑናን ዘለዉ ንሶም ጥራሕ እዮም” ኢሉ።

23 November 2023, 15:49