ድለ

2023.11.19 ናይጀሪያ፥ ጳጳሳትን ክኢላታትን ዛዕባ ህልውን መጻእን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣፍሪቃ ይመኽሩ 2023.11.19 ናይጀሪያ፥ ጳጳሳትን ክኢላታትን ዛዕባ ህልውን መጻእን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣፍሪቃ ይመኽሩ 

ናይጀሪያ፥ ጳጳሳትን ክኢላታትን ዛዕባ ህልውን መጻእን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣፍሪቃ ይመኽሩ

ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀሪያ - ሌጎስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ሽማግለ መራኸቢ ብዙሓን መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይጀሪያ ምብጽሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ገይሩ መራኸቢ ብዙሓን ሱታፌን ምዕባለን ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሰነድ ድሕረ ሲኖዶስ ተወኪሶም ኣብ 1973 ዓ.ም. ጳጳሳት ኣፍሪቃ ንናይታ ክፍለ ዓለም መራኸቢ ብዙሓን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምምራሕ ብዝብል ድላይ ዘቖምዎ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ታሪኽን ተዘክሮን

ዕለት 18 ሕዳር ድሕር ቐትሪ ናይቲ ዞባ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ሽማግለ ሓለፍቲ ጳጳሳትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ቡዝሓንን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዎ መደረ፥ “ዝሓለፈ ታሪኽ ህያው ብምግባር ጥራ ኢና ኣብ ሑጻ ዘይተሃንጸ መጻኢ ክነቕውም እንኽእል - ታሪኽናን ዛንታታትናን መሰረትና እዩ - ስለዚ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝርን ንነብስና ክንሓትትን ኣሎና” ስለዚ እቲ ታሪኽና “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሕብር እዩ።”

ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም፥ “መራኸቢ ብዙሓን ኪኖ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ክጥምት ከም ዘለዎን፡ እቲ ርክብ እውን ህያው ክኸውን ኣለዎ፡ ምስጢር ርክብ ሜላ ዘይኮነስ ፍቕሪ እዩ። እቲ እነሕልፎ ዜና፥ ፍልጠት ኣምር ስምዒት እዩ። ርክብ ዝብል ቃል ብመንጽር ላቲናዊ ግሲ እንተድኣ ኣንቢብናዮ ‘ምስ (ብሓባር) - ተግባር’ ዝብል ክልተ ቃል ዝሓቁፍ እዩ።  ርክብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓባራዊ ህያብ እዩ። ካብቲ ኣብ ነንሓድሕድና እንምስርቶ ርክብ ዝፍጠር ህያብ እዩ . . . ብዘይ ሱታፌ (ውህደት) ተልእኾ ድማ የሎን። ብዘይ ርክብ ድማ ውህደት የሎን!” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካ የመላኽት።

ስነ ምግባርን መራኸቢ ብዙሓንን

ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ካርዲናል ፍሮዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ዝኽሪ ቅዋመ መበል 50 ዓመት ሽማግለ ሓልዮ ጉዳይ መራኸቢ ብዙሓን፡ ጳጳሳት ኣፍሪቃ መራኸቢ ብዙሓን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምምራሕ ብዝብል ድላይ ዝተደረኸ ኮይኑ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝቕጽል ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘሎ ስኒት ዘርእይ እዩ። እቲ መበል 50 ዓመት ከምኡ እውን ናይቲ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ዝኽሪ መሰረት ገይሩ ናይ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ መራኸቢ ብዙሓን “ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ኣብ ምድንፋዕ መገዲ” ዝብል መርሕ ቃል ጠቒሶም፥ “ሕጂ እውን ምምሕያሽ ዘድልዮ ኩለን ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ኩለን ዞባታት ኣፍሪቃ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ሰበኻታት ንናይ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ስነ ምግባር ብምስዓብ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ምጥቃም ብምዕባይ ዝያዳ ንጡፍ ክኸውን ኣለዎ፥ ኩለን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን እውን ከምኡ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን፥ ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽ ናይ ጉባኤን ቤት ምኽርን ጳጳሳት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ሽማግለ ሓለፍትን ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝመጹ ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን ከም እተሳተፉን ብመራኸቢ ብዙሓን ንናይ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝዓለመ ምትእትታው ምድንፋዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘተሓሳሰበ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ።

21 November 2023, 16:35