ድለ

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት ንመሪሕነትን ሓድነትን ጻውዒት የቕርቡ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ናይ ድሕንነት ቅልውላው ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ገለጹ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ግጭታት ኣብ ምፍታሕን ርግኣት ኣብ ምድንፋዕን ብንጥፈት ክትሳተፍ ከም ዘለዎ ድማ ጻውዒት የቕርቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረ ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብታ ኣህጉርን አብ መላእ ዓለምን ፍትሕን ሰላምን ንምስፋን ሓድሽ ግንዛቤ ክፈጥሩ ተማሕጺኖም ።

እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤውሮጳ ነቲ ብ2023 እተገብረ ናይ ግዜ ቀውዒ ምልአተ ጉባኤ አብ ምዝዛሙ ነዚ አብዚ ግዜ እዚ ተኸሲቱ ዝሎ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ድሕንነትን ሰላምን "ንገለ ካብቶም አቐዲሞም ዝሓለፉ ናይ ጸልማት ዘመናት ደቅሰብ ዘዘኻኽር ሓደገኛ ብርቱዕ ምንቅስቓስ" ብምባል ገለጽዎ።

 ብድሆታት ዓለምለኻዊ ድሕንነት

እዚ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ውግእን፣ ነቲ ኣብ ካውካሱስ ሕዝቢ ኣርመንያ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቓልስን፣ ከምኡውን ነቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝካየድ ዘሎ ስቓይ ሰላማውያን ሰባት ብምጥቃስ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ አብ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ውልትውናን ምጉዳል ምትእምማንን ገሊጾም።

ንዅሎም እቶም ግዳያት ሓዘኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ውልትውና ኸምኡውን ዞባዊ ቅልውላዋትን ኣብ ሕብረተሰብ ኣውሮጳ ኼምጽኦ ዚኽእል ሳዕቤን ድማ ኣጕልሑ፣ ምይይጥ ማሕበራዊ ሓድነት ከምኡውን ፍርሂ ኼጋድዶ ከም ዚኽእልን ብዛዕባ ሓደጋታቱን ድማ የጠንቅቑ ።

ከምዚ ድማ በሉ - " ከም ጸረ-ሴማዊነት፣ ሱር-በተኽነት ከምኡውን ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝኣመሰለ ሓደገኛ ተርእዮ አብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ይርአ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብሜላ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ይለዓዓል አብ መወዳእቱ ድም ጥሩፍነትን ግብረ-ሽበራን ኢዮም ዘስዕቡ፣ ስለዚ ብዅሉ መልክዖምን መግለጺታቶምን ኣበርቲዕና ክንኵንኖም ይግባእ ።"

ጻውዒት ንዝተሓደሰ አመለኻኽታ

ኣብ ከምዚ ዝመስለ ድሕረ ባይታ’ዚ ተመርኲሶም ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ፡ ንመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ዜጋታትን፡ ኣብ ውሽጢ ዶባት ኤውሮጳ ይኹን ኪኖ ዶባታ፡ ንዲሞክራስያዊ መትከላትን ልዕልና ሕግን ዝድግፍ ስሙር ሓይሊ ኮይኖም ንክሰርሑን፡ ግርጭታት ንምፍታሕ ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቂሞም ከም ኤውሮጳ ብንጥፈት ክሰርሑ ጸዊዖም።

"ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ውግእ ኢድካ ብዘይ ምሃብ" ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ መስርሕ ምይይጥ ኪኸፍትን፣ ስኒት ዘለዎ ስነ-ሜላዊ ሰላም ኬማዕብልን ኣለዎ ። እዚ ድማ ምስ ጐረባብታን ኣብ ዓለምን ናይ ሓቂ ድልድልን ገባር ሰላምን ንምዃን እዩ ። "

ኣብ ዳግመ ህንጸት መሪሕነት

እቶዞም ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ነቲ ሮበርት ሹማን ዝስሙ መስራቲ ኣቦ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነበሮ ራኢ ድሕሪ ምዝካር፣ ነቲ ኣብ 2024 ኣብ ኣውሮጳ እተገብረ ምርጫታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳን ዜጋታትን ሰላም ኣብ ምህናጽ ብሱል መሪሕነት ብምርኣይን ብብዙሕ ወገን ሰላም ከም ዚሰፍን ብምግባር ከምኡውን ኣህጉራዊ ሕጊ ክኸብር ብምሕታት ሓድሽ መስርሕ ምይይጥ ኪጅምሩ ኸም እተጸውዑ ገሊጾም ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ኤውሮጳ አብ ብዙሕነታዊ ምኽብባርን ምርድዳእን ከምኡ ውን አብ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝተመስረተ ዳግመ ህንጸት ሰላምን ብሉጽ ብቅዓት መሪሕነትን ከተርኢ አለዋ፣ በዚ ኸምዚ ድማ አብ ሉዓላውነትን፣ ሓድነት ዶባዊ ግዝአታታን፣ አብ ምኽባር ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ካልኦት ሃገራትን ዝኣመሰለ ውጽኢታዊ ዝዀነ ብብዙሕ ወገን  ብሱል መሪሕነት ከተርኢ ኣለዋ።"

ኣጽዋር ምቍጽጻርን ናይ ተዋስኡ ባህልን

ውዕላት ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣጽዋርን ምጕዳል ኣጽዋርን ስኒት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፣ ዕሽሽ ክበሃል ከም ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ገሊጾም "ሓባራዊ ምትእምማን ከም ዓንዲ ኣህጉራዊ ርግኣት ገይርካ ኣብ ግምት ብምእታው ሓባራዊ ቀዳምነታት ብምስራዕ ክስርሓሉ ዘለዎም" ድማ በሉ ።

"ነባሪ ሰላም ምህናጽ መሃንድሳትን ሰብ ኢደ-ጥበብን ዝሓትት ኢዩ" ድሕሪ ምባል ድማ አብ መደምደምታ ኵላትና ነዚ ሓባራዊ ዕዮ እዚ ኣበርክቶ ኽንገብር ከም እተጸዋዕና ብምግላጽ፣ ባህሊ ናይ ምይይጥን ሓድነትን ሰላምን ከነደንፍዕ ከም ዘሎና ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ጸሎቶም ናብታ ንግስቲ ሰላም ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ምዕራግ፣ ነታ እትሳቐ ዘላ ዓለምና ጸጋ ዕርቅን ሰላምን ክህባ ድማ ንጐይታ ልመናኦም አቕሪቦም።

11 November 2023, 16:19