ድለ

ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቶኽሲ ደው ክብል ይላበዉ ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቶኽሲ ደው ክብል ይላበዉ  (AFP or licensors)

ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቶኽሲ ደው ክብል ይላበዉ

ኣብ ቅድስቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ብምንቃፍ፡ መራሕቲ ክርስቲያናዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኩለን ውድባት ኣብ ኩሉ ግንባር ተኹሲ ደው ምባል ንምርግጋጽ ዘለዎም ሓላፍነት ክጥቀሙ ይጽውዑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መርሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዮርዳኖስ ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ብምትሕብባር በዓላት ልደት ዘእግዚኣነ ይስርዙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ፥ “ጥፍኣት ህይወት ዝኾነ ሓርነት ሓቅን ፍትሕን ዘየስጉም ብምዃኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣህጉራዊ ሕግን መስርሕ ሰላምን ዕቱብ ዘተን ብምድጋፍ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክቃወሙ” ንጽውዕ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልኽቲ ከም ዘውጽኡን ኣብቲ ዕለት 7 ሕዳር ብሓባራዊ ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ሃገራት ኤውሮጳን ናይ ኣቢይተ ክርስቲያን ጉባኤ ጨንፈር ኤውሮጳን ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፥

ሰብኣዊ ህይወት ክሕሎን ሰብኣዊ መተሓላፎ ክኽፈትን ንሓትት

ቢሎም፥ “ህዝቢ ቓዛ ብመሰረታዊ መሰላቱ ተገዲቡን በደላት ክወርዶ ተገዲዱን ዝነብረሉ ከቢድ ኩነታት ካብ ዝቅጽል ነውሒ ኮይኑ ኣሎ። ምሉእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝተመርኮዘ ዕቱብ ዘተ ኸበግስ ዝዓለመ ኣህጉራዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ንውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ከነቓቕሕን ክድግፍን ንሓትት”

ዕቱብ ዘተ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዝዓለመ ዝኸው ኣብ ሓቅን ፍትሕን እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብኽልቲኡ ወገን ዘይተኣደነ ስቓይ

መራሕቲ እምነት ክርስትና ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቓዕትን ሞትን ዘስዓቡ ኣሸበርቲ ሓማስ ብምኹናን ነቶም ግዳያትን ስድራ ቤቶምን ቅርበቶምን ተኻፋልነት ሓዘሞኖም ኣረጋጊጾም፥ “እቲ ናብ ህልው ኩነታት ታሪኻዊ ኩነታት መግዛእቲ ዝመርሐ፡ ጸረ ሴማውነትን ጽልኢ እስልምናን ከምኡ እውን ኣብ ክልቲኡ ወንገን ናይዚ ግጭት ዘውረዶ ዘይተኣደነ ስቓይ ኣፍልጦ ንህብ፡ ምስቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ፍልስጥኤምን ዘለዉ ሰላም ንምድንፋዕ ዝሰርሑ ብሓባር ደው ንብል፥

ዓመጽ ንዕላማ መከላኸሊ መገዲ ክኸውን ኣይክልን

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ክልተ መንግስታት ዝብል ፍታሕ

ኣብ መወዳእታ፥ ምመናን ምእንቲ ኩሎም ዝሳቐዩ ክጽልዩ ብምዕዳም፥ ኩላትና ኣባላት ናይቲ ሓደ ሓባርዊ ሰብኣውነት ምዃንና እናዘከሩ ምሕረት ኣምላኽ ተማሒጺኖም “ንሰናይ ኩሉ ድማ ክልተ ሃገራትን ህዝብን መንግስታት ዝብል ፍታሕ ንድግፍ” . . . “እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ዘለዎም ሰባት እውን ሰብኣዊ ክብሪ ኩሉ ዝድግፍን ክልተ ህዝብታት ኣብ ክልተ ሃገራት ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባር ዘኽእልን ሓቀይና ዘተ ከዋፍሩ ንጽልን ተስፋ ንገብርን” ከም ብዘሉ የመላኽት።

ኣብ ዮርዳኖስ በዓለ ልደት ከም ዘይበዓል

ኣብ ዮርዳኖስ ባይቶ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ነቶም ግዳያት ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተበጊሶም፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኩሉ ጽምብላትን በዓለ ልደት ከምዝሰረዙ ኣፍሊጦም፡ ጽምብል ኣብ ጸሎትን ስርዓታት ቤተ ክርስቲያንን ጥራይ ክድረት ምዃኑን ንዝመጽ ሰንበት ዝወሃብ ኩሉ ምጽዋት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንረብሓ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሰርጢ ቓዛ ሓገዝ ዝውዕል ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣመንቲ በቲ ገለ ካብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዮርዳኖስ ነዚ ዕላማ ዘዳለወኦ ወግዓዊ መስመራት ኣቢሉ ሓገዝ ክገብር ብምትብባዕ፡

ዝመጽ ዘሎ ሰንበት ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያናት ዮርዳኖስ ምእንቲ ንሰላምን ስኒትን ክጽለ ንዕድም

እብክብሉ ዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

09 November 2023, 16:28