ድለ

ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ቤተ ክርስቲያን ንተቕርቦ ሓገዝ ድጋፍ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ቤተ ክርስቲያን ንተቕርቦ ሓገዝ ድጋፍ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ  (AFP or licensors)

ፓትሪያርክ ፒዛባላ፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ቤተ ክርስቲያን ንተቕርቦ ሓገዝ ድጋፍ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ሃገረ ስብከቶም ኣብ ጋዛ ንዝርከቡ ሰባትን ካልኦት ብሳዕቤን ናይቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝሳቐዩን ዘቅርቦ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ቁጠባዊ ድጋፍ ክግበረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቃዛ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ኣብ ዘስዕበሉ ዘሎ እዋን ፓትሪያርክ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዕለት 3 ታሕሳስ ህጹጽ ጻውዒት ብምቕራብ፥ ሰበኻኦም ንኹሎም እቶም ዝተገድኡ ሰባት ክበጽሕን ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንዘካይዶ ጻዕሪ ናይ መሳለጢ ድጋፍ ክግበረሉ ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ግብረ ሰናይን ጸሎትን ንመላእ ስድራ ቤት ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሩሳሌም ናብቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ቀረባ ንምዃ ዘካይዶ ጻዕሪ ህያው ይገብሮ - ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኲናት ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ቁጠባዊ ጸገማት እውን የስዕብ

ፓትሪያርክ ፒዛባላ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘጋጠመ ካልኦት ቅልውላዋት፡ ኮቪድ - 19 ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ፍንጀራ ወደብ ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያን ቱርክን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ምኽንያት ሰበኻኦም ብግብረ ሰናይ መደባት ኣቢሉ ብዙሕ ህይወት ከም ዘድሓነን ብዙሕ ስቓይ ከም ዘቕለለን ዘኪሮም፥ “ኣብ ከምዚ ጽንኩር ኩነታት ንኣውያት ድኻትት ሰሚዕናን መልሲ እውን ሂብናሉ ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዘርኢ ተስፋ ክንዘርእ ሓግዙና

“ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝመጹ ማእለያ ዘይብሎም ኣባይቲ ስድራን ኣብያተ ትምህርቲ ኣባይቲ ሕክምናን ሓዊሱ ንኹለን ትካላትና ዝጸሉ ቅልውላው ኣጋጢሙና ኣሎ” ዝበሉ ካርዲናል ፒዛባላ፥ “ኣብ ቃዛ ንዋታዊ ጸጋታትና ኪኖ ሓጹራትና ነቶም ዝሳቀዩ ዘለዉ ጎረባብትና ናብቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝተዓቝቡን ሓዊሱ ዳርጋ ካብ መግብን ማይን ክሳብ መድሃኒትን ቀረብ ኩሉ ነካፈል።”

ነቲ ስጋዊ ዓለም ዳግማይ ንምህናጽ ኣብ መንጎ ሰባት ምትእምማን ክንሃንጽን ክንከላኸልን ከም ዘለና ኣብዚ ጽንኩር እዋን ተማሂርና ኢና!

ዝበሉ ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጻውዒት መልኽቲ ኣስዒቦም፥ ሰበኻኦም ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዘድሊ ድጋፍ ንምቕራብ ዘካይዶ ጻዕሪ መሳለጢ ቁጠባዊ ሓገዝ የድልዮ፡ “በጃኹም ጭቡጥ ለውጢ ንምምጻእን ኣድላዪ ሃዋህው ንምህናጽን ሓግዙና። ኣብዚ ብጽልኢ ዝተሰናበደን ዝቖሰለን ሕብረተሰብ መሊስና ዘርኢ ምትእምማንን ተስፋን ፍቕርን ክንዘርእ መታን። ንኹሎም ደገፍትና ጸሎትናን ምስጋናናን ነረጋግጽ - ነፍሲ ወከፍ ዝተወሃበን ዝወሃብን ዘሎ ሓገዝ እውን ኣብቲ ናይቲ ፓትሪያርክ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቶ ከም ዘሎን ናይ ጸዋዕታን ምሕጽንታን መልኽቲ” ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

04 November 2023, 17:03