ድለ

ጳጳሳት ዓባይ ብሪጣንያን ክርስቲያን ትካላትን ኣብ ቓዛ ቶኽሲ ደው ክብል ይሓትቱ ጳጳሳት ዓባይ ብሪጣንያን ክርስቲያን ትካላትን ኣብ ቓዛ ቶኽሲ ደው ክብል ይሓትቱ 

ጳጳሳት ዓባይ ብሪጣንያን ክርስቲያን ትካላትን ኣብ ቓዛ ቶኽሲ ደው ክብል ይሓትቱ

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እግሊዝን ወይለስን፥ ኣብ ቓዛ ቶኽሲ ደው ምባልን ኩሎም እቶም ጅሆ ዝተታሓዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ዝግበሩ ጻዕርታት ክበራታዕ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት እንግሊዝን ወይለስን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ መከራ ደው ክብል ፍትሕን ሰላምን ዘማእከለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ዘተ ክተባባዕ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ጻዕርታት ኣብ ምቁራጽ ቶኽስን ሓርነት ምሩኻትን

ዕለት 6 ሕዳር ጳጳሳት እንግሊዝን ወይለስን ቤት ምኽሪ ናይ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ጳጳስ ደላን ላንግ ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ ቅድስቲ መሬት ጳጳስ ኒኮላስ ሁድሶን ብስም ናይ እንግሊዝን ወይለንስ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ “ቶኽሲ ደው ክብል ዝኣመተ ናይ ስነ መላዊ ጻዕርታት ምብርታዕን ኩሎም ጅሆ ዝኾኑ ብቕጽበት ምፍታሕን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ቓዛ ዘድሊ መግቢ ማይ ነዳዲ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ናውቲ ብዘይ ስግኣት ምእንቲ ክረክብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምችቻእ” ከም ዘድሊ ይገልጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ቃዛ ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅርበትና ንገልጽ

ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለስን ነቶም “ኣብ ስግር ቅድስቲ መሬት ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዘሎ ሰበኻ ቅድስቲ ስድራ ቤት ተዓቝይቦም ንዘለዉ” ቅርበቶም ገሊጾም፥ “ኣብ እንግልጣርን ወይለንስ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘለዉ ብፍላይ ድማ ነቶም ስድራ ቤት ጅሆ ዝተታሓዙን ዝቖሰሉን ዝሞቱን ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም” ኣረጋጊጾም፡ ብጀካ እዚ እውን “ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣብ  መገድታት ሰላምን ፍትሕን ዝመርሕ ጥበብ ምእንቲ ክረኽቡ ከም ዝጽልዩ ነረጋግጽ” ከም ዝበሉን ኣመላኺቱ፥

ክርስቲያናዊ ትካላት ንሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝገብርኦ ተበግሶታት

እቲ ናይ እግንልጣርን ወይለንስ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መገለጺ፥ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካፎድ እተሰምየ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝን ወይለንስ ክርስትያን ሓገዝን ካልኦት ክርስቲያናዊ ትካላት 300 ሺሕ ክታም ዝተነብሮ ቶኽሲ ደው ክብል ዝሓትት ናይ ዜጋታት መልኽቲ ናብ ናይ ሃገሮም ቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ክበጽሕ ድሕሪ ዘቕረብዎ ሕቶ ዝቐረበ ኮይኑ፥ ናይ ካቶሊካዊ ሰለማ ክርስቶስ ማሕበር ጨንፈር ኣብ እንግሊዝን ወይለንስ ዝርከብዎ እውን ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክህሉ ጎስጓስ የካይዱ ከም ዘለዉን እዚ እውን ምሸት ምሸት ኩናት ደው ክብል ኣብቲ ዞባ ፍትሒ ክሰፍን ዝጸውዕ ሽምዓ ናይ ምብራህን መደባት ጸሎትን የካይዱ ምህላዎምን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሰበኽታትን ማሕበረሰባትን ዝተፈላለዩ ሰላም ዝጽውዕ መደባትን ከምኡ እውን ናብ ኣባላት ባይቶ ሃገሮም መልኽቲ የመሓላፉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ፣

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ክርስቲያናዊ ገባሬ ሰናይ ትካል ፈተውቲ ቅድስቲ መሬት፥ ብጸሎትን ግብራዊ ውጥናትን መሰረት ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ኣብ ቓዛን እስራኤልን ዮርዳኖንስ ብላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርፓቲስታ ፒዛባል ኣቢሎም ሓገዝ ኣብ ምቕራ ከም እተዋፈሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 November 2023, 16:23